ካርዲናል ዙፒ ናብ ዩክሬይን ተልእኾ ይጅምሩ፣ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ ካርዲናል ዙፒ ናብ ዩክሬይን ተልእኾ ይጅምሩ፣ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ 

ካርዲናል ዙፒ ናብ ዩክሬይን ተልእኾ ይጅምሩ፣ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣልያ ናይ ቦሎይና ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ማቴዮ ዙፒ ኣብ ዞባ ልቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ምሕቡስ ዛኪድ - 1 ምብጻሕ ዘካይድሉ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ኣብ ዩክሬን ዕለት 14 ሓምለ ከም ዝጀመሩን ብጹዕነቶም ናብቲ ቤት ማሕቡስ ካብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝተላእኩ ህያባትን መልእኽትን ድማ ኣብጺሖም፡ ቅዱስ ኣቦና ምእንታኹም ይጽልዩን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ናጻ ተለቒቖም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝብል ዘለዎም ተስፋ” ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ማቴዮ ማርያ ዙፒ ኣብ ዩክሬን ዞባ ልቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ዛኪድ - 1 ንዝርከቡ ምሩኻት ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ሩሲያ ምብጻሕ ኣካይዶም ንእሱራት ሰለስተ ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእኩ ህያባት ኣቕሪቦም፡ “ቅዱስ ኣቦና ምእንታኹምን እቲ ውግእ ከብቅዕን ከም ዝጽልዩ ንኸረጋግጸልኩም ናባኹም ለኣኹኒ” እንክብሉ ነቶም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ንዝርከቡ እሱራት ከም ዝገለጹሎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እዚ ዑደት ካርዲናል ዙፒ ኣብ እዋን ኲናት ናብ ዩክሬን ናይ ዝገበርዎ ካልኣይ ተልእኾ መጀመሪያ ኮይኑ፡  እቲ ቀዳማይ ኣብ ሰነ 2023 ብድላይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቅድሚ ናብ ሞስኮን ዋሽንግተንን ቤጂንግን ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ካልኦት ፖለቲካውያንን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ኪየቭ ዘካየዶ ኣኼባታት ዘጠቓለለ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ፡ እቲ ሰብኣዊ ተልእኾ እቲ ቤተክርስትያን ምስቶም በቲ ኲናት ዝተሃስዩ ዘለዋ ቅርበት ንምርኣይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክሬን ናብ ዓዶም ንምምላስን ምልውዋጥ እሱራትን ንምምችቻእን ነቶም ዝሞቱ ናብ ሃገሮም ንምምላስን ዝግበር ጻዕርታት ንምድጋፍ ዝዓለመ ምዃኑ የመላኽት።

ብሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ ዩክሬንን ተሰንዮም

ካርዲናል ዙፒ ናብ ኪየቭ ቅድሚ ምጉዓዞም ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዩክረይን ሊቀ ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ዩክረይን ልኡከ መንግስቲ ኣንድሪ ዩራሽን ተሰንዮም ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ዑደት ከም ዘካየዱን ልኡከ መግንስቲ ዩክረይን ኣብ ቅድስቲ መንበር ዩራሽ፡ እቲ ቤት ማሕቡስ ምስ ዓለምለኸ ደረጃታት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ እሱራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣትዉሉ ኩነታት ክምርምሩ ንዝደልዩ በጻሕቲ ክፉት ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ኣቨኒረ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት  ዕለታዊ ጋዜጣ ካብ ልዕሊ 50 ሃገራት ዝመጹ ዓሰርተታት እሱራት ሰላምታ ኣቕሪቦም ከም እተዘራረቡን ሓደ እግሩ ዝሰኣነ ወዲ 25 ዓመት እሱር፡ ስክፍታኡን ኣብ ቀረባ እዋን ሰብ ሰርሖ እግሪ ክወሃቦ ዘለዎ ተስፋን ድማ ከም ዝገለጸሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ዅላቶምን እቲ ኲናት ደው ከብልዎን ድማ ይጽልዩ

ካርዲናል ዙፒ ናይቲ ዘካይድዎ ዕደት ዕላማ ደጊሞም ብምግላጽ፡ ነቶም እሱራት፦ "ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንዓይን ንናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋያዊ ልኡኽ ኣብ ዩክረይን ተስፋ ኸነምጽኣልኩም ናብዚ ከም ዝልኣኹናን፡ እቲ ውግእ ምእንቲ ክውዳእን ናብ ቤትኩም ኽትምለሱን ድማ ይጽልዩ" እንክብሉ ከም ዘረጋገጹሎምን ነቲ ቅዱስ ኣቦና ድማ “ህያብ መፍትሕ - እዚ ድማ ቤትኩም ከፊትኩም ምስ ስድራ ቤትኩም ክትራኸቡ ዝብል ተስፋ መግለጺ እዩ። ናብ መጻኢ ብተስፋ ኽትጥምቱ ንደሊ፣ እዚ ኸኣ ናብ ቤትኩም ከም እትምለሱን እቲ ውግእ ከም ዜብቅዕን ዝብል ኮይኑ። ቀልጢፉ ኺውዳእ ድማ ልባዊ ጸሎት ነቕርብ ቢሎም፡ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምብጻሕ ኣካይዶም "ቀልጢፍኩም ናብ ቤትኩም ክትምለሱ እዚ ዅሉ ምእንቲ ኺውዳእን ሓድሽ ህይወት ምእንቲ ኽትጅምሩን ንጸሊ፡ ንዅሉ ኽፉኣት ክንነጽጎ ኣሎና፡ ኣምላኽ ወትሩ ተስፋ ይህበና እዩ። እከይ ኣብ ውሽጥና ኺበቍል ኣይንፈቅድ ኣምላኽ ከኣ ወትሩ ኺሕግዘና እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ካርዲናል ዙፒ ናብ ዩክሬን ተልእኾ ይጅምሩ፣ ኲናት ከብቅዕ ይጽልዩ
15 Jul 2026, 10:55