ካርዲናል ታግለ፡ ክርስቶስ ሓቀይና ሃናጺ ድልድል እዩ!
ኣብዲ ሱሳንቶ - ጃካርታ
ኣብ ጃካርታ ኣብ ዝርከብ መቐበል ኣጋይሽ ሙልያ ኣብ ዘሎ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ገርበራ ዝተኣከቡ ፈደራላዊ ጉባኤ ጳጳሳት እስያ ናይ ስብከተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተራዳኢ ህየንተ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ዝምራሕ መንፈሳዊ ዋዕላ ከም ዘካየዱን፡ ብጹዕነቶም እቲ ካብ ዮሓንስ ወንጌል 1፡ 43 – 51 እተወስደ ቃል ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፡ ተሳተፍቲ ኣዒንቶም ኣብ ስነ ሜላው፡ መዋቕራውን ወይ ውጥን ጉስነት ዘይኮነስ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከቕንዑ ተማሕጺኖም። እቲ ጉባኤ ጳጳሳት ናይ ሲኖዳውነት ምልዋጥን ሓናጺ ድልድልን ዝገብሮ መጀመርታ ንክርስቶስ ብምስትንታን ጥራይ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "እቲ መሳልል ንኢየሱስ ከም እቲ ንኣምላኽን ንደቂ ሰባትን - ንፍጥረትን - ብሓባር ዘራኽብ ድልድል ዝውክል ምዃኑ ኢየሱስ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ኣስተንፍሶ ዝኾነ ብዛዕባ ሕልሚ ያእቆብ ዝዛረበ ክፍሊ ወንጌል ጠቒሶም ብምጒላሕ፡ ምስሊ ድልድል ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ባህልታትን ሃይማኖታትን ኣህዛብን ማሕበራዊ ፍልልይን ዘተን ዕርቅን ናይ ምምዕባል ተልእኾ ዝውክል ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ክርስትያን ሃነጽቲ ድልድል ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ መጀመርያ ምስቲ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ድልድል ዝኾነ ክርስቶስ ብምርኻብ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ንተጋባእያን ኣዘኻኺሮም፡ ካብ መቕድም ወንጌል ዮሃንስ ብምውሳድ፡ ኩሉ ነገር ብእኡ ዝተፈጥረን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ክነብር ስጋ ዝኾነን ቃል ምስጢር እንከስተንትኑ፡ "እቲ ይኹን ቢሉ ዝፈጥርን ህልው ዝገብርን ቃል ባዕሉ ናብ ፍጥረት ኣትዩ" ብምባል ስጋዌ ርሑቕ ዘይኮነስ ካብ ውሽጡን ኣብ ውሽጡን ንደቂ ሰባት ዝሓቖፈ ኣምላኽ ከም ዝገልጽ ኣብሪሆም፡ "ኢየሱስ ኣምላኽ ብሓቂ መን ምዃኑ ዘርእየና መገዲ እዩ። ኢየሱስ ድማ ከመይ ጌርና ምሉእ ሰብ ከም እንኸውን ዘርእየና ሰብኣዊ መገዲ'ውን እዩ።"
ናብ ምስሊ መሳልል ያእቆብ ምልስ ቢሎም፡ ካርዲናል ታግለ፡ ክርስቶስ ነቲ ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ሰብኣውነትን ዘሎ ቀጥታዊ ዝምድና ምስቲ ኣብ መንጎ ሰባትን ምስ ፍጥረትን ዘሎ ጋድም ዝምድና ከም ዘወሃህዶ ገሊጾም። "ምስ እግዚኣብሄር ምዃን ማለት ካብ ሰብኣውነትን ፍጥረትን ምርሓቕ ኣይኮነን - ቢሎም - ኣብ ጉስነት ኣገልግሎት ክቕልቀል ዝኽእል ብድሆትት እንከስተንትኑ፣ ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ እቲ ዘገልግልዎ ሰባት ካብ ዘቐምጥ ኣገባባት ኣጠንቂቖም፡ ነቲ ስብከት ምስ "ደረጃ" ምእመናን ምትዕጽጻፍ ዝብል ልሙድ ኣገላልጻ ብምጥቃስ፡ ልዕልና ዝሕብር ቋንቋ ከይህሉ እውን ኣዘኻኺሮም፡ "እዚ ስጋዌ ኣይኮነን። እዚ kenosis - ማለት ንነብስኻ ድሌትካ ወይ ኢጎነትና (ኣንነት) ናይ ምቕንጣጥ ተግባር ኣይኮነን" ብምባል፡ ኣብ ክንድኡ ናብቲ ኣብ መልእኽቲ ሰብ ፊልጲሲዩ ተገሊጹ ዘሎ እናሓሰቡ፡ ክርስቶስ ናብ ዓለም ዝመጸ ንገዛእ ርእሱ ንምንዓቕ ዘይኰነስ፡ ንገዛእ ርእሱ ናይ ምፍቃር ተግባር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ መዓልቲ ጸሎትን ዕርቅን ከምተን ኣብ ጸብጻባትን ጣልቃ ምእታውን ሓፈሻዊ ምይይጥን ትኵረት ዝተገብረለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘይኰነስ ኣብ ጽሞናን ጸሎትን ምስትንታንን ዘተን ብመንፈስ ዝተኮረ እዩ - ቢሎም - እዚ ኸኣ መለለዪ ጕዕዞ ሲኖዳውነት ዝዀነ ሜላ መመያ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ታግል ነቶም ተሳተፍቲ ረቂቕ ሓሳባት ዘይኰነስ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስልታት ኪጽልዩ ኣተባብዖም፣ እዚ ድማ ከም ኣብ ድልድል መሳልል ብሓባር ምምልላስ ከምኡውን ክፉት መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣመሰለ ምልክታት ዓሚቝ ስፍሓት ምስጢር ኣምላኽ ኪገልጽ ከም ዚኽእል ኣስተብሂሎም፡ እቲ ዘቕረብዎ ሓሳባት ነቲ ኣብ ዚመጽእ መዓልትታት ዚግበር ምይይጥ እውን መንፈሳዊ መሰረት ዘንብር ኮይኑ፡ ኣብ ሓንቲ ፍልይ ዝበለ ባህላዊ ፍልልያት ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ልምድታት ከምኡውን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ብድሆታት ዘለዋ ኣህጉር ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ድልድል ንምህናጽ ምስ ክርስቶስ ብሓድሽ ርክብ ክትጅምር ከም ዘለዋ ገሊጾም፡
"ምናልባት ድልድላትን ሃነጽቲ ድልድላትን ብኸመይ ከም እንኸውን ስልትታት ቕድሚ ምውጻእና እንደገና ንየሱስ ክንርእዮ ክንትንክፎ ካብኡ ድማ ክንመሃር ንኽእል ኢና" እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።