ባይቶ ሃገረ ፈረንሳ ብዘውጽኦ ሕጊ ዝተገብረ ተቃውሞ ባይቶ ሃገረ ፈረንሳ ብዘውጽኦ ሕጊ ዝተገብረ ተቃውሞ 

ፈረንሳውያን ጳጳሳት ብዛዕባ ሕጊ መወዳእታ ሕይወት ዘለዎም ስክፍታ ይገልጹ

ሃገራዊ ባይቶ ፈረንሳ ረቡዕ ምሸት ዕለት 15 ሓምለ፡ ንሕጋዊ መሰል ሕክምናዊ ሓገዝ ዝተገብረሉ ሞት ዘፍቅድ ሕጊ ናይ መወዳእታ ፍቃድ ሂቡሉ ይርከብ። ኣብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝቐጸለ ክትዕ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሓደ ሰብ ንካልእ ሰብ ብፍላጥ ንሞት ከቃልዖ የብሉን ብምባል ነቲ ውሳነ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

ዜና ቫቲካን

እቲ ሕጊ ብወግዒ ድሕሪ ምጽዳቑ፡ ኣብ ፈረንሳ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዘለዋ ጓሂ ገሊጻ። እዚ ውሳነ እዚ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ክንክን ጥዕና ልምዲ ሃገሮም ከም ዝጋጮን፡ ተልእኾ ክንክን ጥዕና ድማ ስቓይ ምቅላልን፡ ንሰባት ክሳብ ባህርያዊ መወዳእታ ሕይወቶም ምስናይን ምዃኑ ኣገንዚባ።

ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ፡ ኣብቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ክትዕ ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ብምዝኽኻር፡ ቤተ-ክርስትያን፡ ንሕሙማትን፡ ንመውቲትን ዘለዋ ናይ ዘመናት ተመክሮ ኣጉሊሖም። ከምዚ ዓይነት ሕጊ፡ ሕብረተሰብ ምስ ድኻምነትን፡ እርጋንን፡ ስንክልናን፡ ሕማምን ዘለዎ ርክብ ብመሰረቱ ከም ዝቕይሮ ይኣምኑ።

ይኹን እምበር፡ ተስፋ ከም ዘይቆርጹ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት ርእይቶኦም፡ ገና ክፍተኑ ዝኽእሉ ሕጋዊ መገድታት ስለዘለዉ እቲ ጉዳይ ገና ኣይተዛዘመን።

ወሃቢ ቃል ጉባኤ ጳጳሳት ሃገረ ፈረንሳ ብፁዕ አቡነ ማቴዎ ሩዥ ብዛዕባ እዚ ጉዳያት ምስ ዜና ቫቲካን ዝገበረዎ ቃለ-መሕትት እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ሕቶ፦ ብፁዕ አቡነ ሩዥ፡ እቲ ናይ ሕልና ውሳኔ ዓንቀጽ ንካቶሊካዊ ትካላት ብከመይ ይምልከቶም?

ብፁዕ አቡነ ሩዥ፦ እቲ ዝጸደቐ ሕጊ፡ ንሓካይም ናይ ሕልና ውሳነ ዓንቀጽ የፍቅድ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ንፋርማሲት እኹል ሓለዋ ዘይምሃቡ ዘሕዝን እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ሕክምናዊ ሓገዝ ዝተገብረሉ ነብሰ-ቕትለት፡ እቶም ፋርማሲስት ደልዮም ወይ ከይደለዩ ነቲ ቀታሊ መድሃኒት መኽዘን ኮይኖም ከገልግሉ እዮም። ካብቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝግበር ነፍሰ-ቅትለት ንላዕሊ ዘሰክፍ ድማ፡ እቶም ነቲ ተግባር ዝነጽጉ ሃይማኖታዊ ትካላት እውን ከይተረፈ ኣብ ውሽጢ ትካላቶም እቲ ተግባር ክካየድ ክፈቅዱ ምግዳዶም እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ተራ ናይ ውልቀ-ሰብ ናይ ሕልና ውሳነ ዓንቀጽ ጥራይ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሕልና ምስ ሰባት ጥራይ ዝተኣሳሰር ብምዃኑ፡ ኣብ ክንድኡስ፡ ንትካላት ክንክን ጥዕና ባዕሎም ሕጋዊ ሓለዋ ዝህብ ናይ ትካል ናይ ሕልና ውሳነ ዓንቀጽ እዩ ዘድሊ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ፡ መንግስቲ ንፈረንሳውያን ጳጳሳት ገለ ተስፋታት ሂብዎም ከም ዝነበረ ይዝከር፤ ይኹን እምበር ክሳብ ሕጂ እቲ ዝተባህለ ኣይተተግበረን። በቶም ሃይማኖታውያን ማሕበራት ዝመሓደሩ ወይ ዝተመስረቱ ሆስፒታላትን፡ ትካላት ክንክን ጥዕናን ዓቢ ስክፍታ ኣለዎም። ብፍላይ ከም "ማኅበር ደናግል ኣሓት ድኻታት"፡ ከምኡ እውን ንሓያሎ ካቶሊካዊት ናይ መወልዳን ሆስፒታላት ዝመርሓ "ማኅበር ደናግል ደቂ ቅዱስ ቶማስ ዘ ቪለኑቭ" ዝኣመሰላ ማኅበራት ኣብ ሓደጋ ኣለዋ። ከም "ዣን ጋርኒየር" ዝበሉ ኣብ ፓሪስ ዝርከቡ ትካላት እውን ይጥቐሱ። ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት፡ እቶም ዝተፈላለዩ ሕጋዊ ጥርዓናት፡ ብታሪኾም፡ ብተልእኾኦም ወይ ብስነ-ምግባራዊ ቻርተሮም፡ ነቲ ብፍላጥ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝግበር ነፍሰ-ቅትለት ዝነጽጉ ትካላት ጥዕና፡ ምስ ክብርታቶም ተሰማሚዖም ስርሖም ክቕጽሉ ዘኽእሎም ናይ ትካል ነጻነት ከም ዝረኽቡ ተስፋ ንገብር።

ሕቶ፦ ቤተ-ክርስትያን ፈረንሳ ሎሚ እንታይ ክትብል ትኽእል?

ብፁዕ አቡነ ሩዥ፦ ረቡዕ 15 ሓምለ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ፈረንሳ ብኣቦ መንበርን፡ ብክልተ ምኽትል ኣቦ መንበራትን ዝተፈረመ፡ ጓህን፡ ዓሚቕ ስክፍታን ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። ብኸምዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሕጊ፡ ንሳዕቤኑ—ምስ ሰብኣዊ ሕውነት፡ ምስ ማሕበራዊ ናብራ፡ ወይ ድማ ምስቲ በብቑሩብ እናሰፍሐ ዝኸይድ ናይ ብቕዓት ረቛሒታት ብዝተኣሳሰር—ቅድም ኢልካ ምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ዓቢ ጥንቃቐ የድሊ።

ሕጂ ዘሎ ዕማም፡ ናብ ቅድሚት ምስጓም እዩ፤ ብፍላይ ድማ ናይ ትካላት ክንክን ጥዕና ናጽነት ብምሕላው፡ ስነ-ምግባራዊ ቻርተሮም ከም ዝኽበር ብምግባርን፡ ነቶም ዝጠቐስክዎም ሕጋዊ ጥርዓናት ብቐረባ ብምድጋፍን እዩ። ብጽምዋን፡ ብድኻምን ብተኣፋፍነትን ዝነብሩ—ዝድግፎም ዘይብሎም በይኖም ዝተረፉ ሰባት ኣለዉ። ምስ ሓደ ካብቶም መሰረታውያን ሕቶታት ሰብኣዊ ህላዌ ክጋጠሙ ከለዉ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ መወዳእታ ሕይወቶም ውሳነ ክወስዱ ከለዉ ንበይኖም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ከምዚ ዓይነት ሕጊ ዝወሃብ ክርስትያናዊ መልሲ፡ ስነ-ምግባራዊ ኵነኔ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ኣብ ክንድኡስ፡ ናብ ግብራዊ ተወፋይነት ዝጽውዕ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ እዩ ድማ ኣብቲ ረቡዕ ምሸት ዘውጻእናዮ መግለጺ፡ ከምኡ እውን ቅድምን ድሕርን እቲ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝገበርናዮ ዝተፈላለየ ህዝባዊ መግለጺታት፡ ክርስትያን ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኵነታት ዝርከቡን፡ በይኖም ዝተረፉን፡ ኣብ ድኽነት ወይ ጸገም ዝነብሩን ሰባት ኣብ ምርዳእ ዝያዳ ክሳተፉ ብጽኑዕ ነተባብዕ ዘለና። ነቲ ሓድሓደ ግዜ ብሰንኪ ብርቱዕ ስቓይን፡ ጽምዋን ኣብ ልቢ ሰባት ዝፍጠር "ሕይወተይ ይሕለፍ" ዝብል ድሌት፡ ክንምክቶ ብግብራዊ ሕውነት—ማለት ብናይ ምድንጋጽን ምትሕግጋዝን ተግባራት እዩ። መልስና ስነ-ምግባራዊ መትከላት ምግላጽ ጥራይ ኣይኮነን፤ ብመሰረቱ ናይ ሕውነት ተወፋይነት ጉዳይ እዩ። እቲ ከነመሓላልፎ ንደሊ መልእኽቲ እውን እዚ እዩ። ሕጊ ጥራይ ሕጊ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሕጊ ዝበሎ ብዘየገድስ፡ ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ክርስትያን ናይ ሓቂ ሕውነት ኣብ ምንባር ዝያዳ ክተግሁ ተስፋ ንገብር። እዚ ድማ እዩ እቲ ብፍላጥ ዝመጽእ ሞት ኣብ ሃገርና ሰፊሕ ቦታ ከይሕዝ ዝዓግት ኢልና ንኣምኖ።

ሕቶ፦ ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ፈረንሳ ሓዋርያዊ ዑደት ክገብሩ እዮም። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ሒዞም ክመጹ ተስፋ ትገብሩ?

ብፁዕ አቡነ ሩዥ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓዊሶም ኣብ ብዙሕ ዛዕባታት ኣገደስቲ ነገራት ከም ዝዛረቡ ርግጸኛ እየ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ሮማን፡ ስጳኛን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብጽኑዕ ተዛሪቦም እዮም። ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ካብታ "ግሩም ሰብኣውነት" (Magnifica humanitas) እትብል ዓዋዲት መልእኽቶም ሓደ ሓያል ሓሳብ ደጋጊመ ጠቒሰ ኣለኹ። ንሱ ድማ፡ "ካብ ኵሎም መሰላት እቲ ቀዳማይ ዝኾነ መሰል ሕይወት—ብዘይካኡ ካልእ መሰል ክህሉ ዘይክእል—ካብ እዋን ጥንሲ ጀሚሩ ክሳብ ባህርያዊ መወዳእታ ሕይወት ክሕሎ ኣለዎ" ዝብል እዩ። እዚ መሰረታዊ መሰል እዚ ክኽልክል ከሎ፡ ነቲ ብሕክምናዊ ሓገዝ ዝግበር ነፍሰ-ቅትለት ሓዊስካ ማለት እዩ፡  ቤተ-ክርስትያን ከም ዓቢ ጌጋ እትርእዮም ምርጫታት የጋጥሙና ኣለዉ ማለት እዩ። ከምኡ እውን እቲ ብ 2020 ዝወጸ "ሕያዋይ ሳምራዊ" ( Samaritanus bonus) ዝተባህለ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፡ ኣብዚ ርእሰ-ጉዳይ እዚ ኣገዳሲ ሰነድ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብሰንኪ እዞም ምኽንያታት እዚኦም፡ ንክርስትያን—ነቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ንዝርከቡ ሰባት ዘለዎም ተወፋይነት ከዕዝዙ ብምትብባዕ—ከምኡ እውን ንመላእ ሕብረተሰብና ብዝርኢ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብንጹር ከም ዝዛረቡ እምነተይ እዩ።

ከንቲ ልሙድ፡ ንሶም ኣብ ዝመጹሉ እዋን ዝሓሸ ሕጋዊ ሃዋህው እንተዝህሉ ንመርጽ ነይርና። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ይኹን፡ ኣብ ካልእ ብዙሕ ዛዕባታት፡ ቃላቶም ንዓና ኣዝዩ ክቡር ክኸውን እዩ፤ ብዓቢ ሃንቀውታ ድማ ንጽበዮም ኣለና።

17 Jul 2026, 12:34