ጳጳስ ሾማሊ፡ ነበርቲ ቓዛ ጽንኩር ጸገም የጋጥሞም ኣሎ ጳጳስ ሾማሊ፡ ነበርቲ ቓዛ ጽንኩር ጸገም የጋጥሞም ኣሎ  (AFP or licensors)

ጳጳስ ሾማሊ፡ ነበርቲ ቓዛ ጽንኩር ጸገም የጋጥሞም ኣሎ

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢየሩሳሌም ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ጳጳስ ዊልያም ሾማሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ማእከል ዑናታት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ቴንዳታት ዝነብሩ ዘለዉ ተቐማጦ ቓዛ ዘጋጥሞም ዘሎ ዓሚቝ ሰብኣዊ ቅልውላው ገሊጾም፡ መንበር ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ኣቢያተ ትምህርቱ ዳግማይ ብምኽፋት ንህጻናት ትምህርቲ ንምሃብ ዘለዎ ተስፋ ድማ የጒልሑ።

ዣን ሻርል ፑትዞሉ

ቓዛ ከም ሓሳብ በቲ ካብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2025 እትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ተኹሲ ደው ምባል ትሕሎ ኣላ፡ እዚ ግን ከም ሓሳብ እዩ፡ ብግብሪ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ወራራት እስራኤል ኣብ መላእ መሬት ፍልስጤም ኣየቋረጸን - ቢሎም - ብዛዕባ እቲ መዓታዊ ክውንነትን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ቀዳማይ ገጻት መራኸቢ ብዙሓንን ዝረሓቐ እኳ እንተኾነ መዓት ቓዛ ግን ይቕጽል ኣሎ እንክብሉ የጒልሑ።

ብመሰረት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝተኣከበ ኣሃዛዊ ጸብጻባት፡ እቲ ተኹሲ ደው ምባል ብግብሪ ካብ ዝጅምር ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ 265 ህጻናት ዝርከብዎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም እተቐተሉን ካልኦት 3,400 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉን ክፍለጥ እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣሃዛት ዘተኣማምን እዩ እንክብል ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘሕተሞ ጸብጻብ ኣስፊርዎ ይርከብ።

ጳጳስ ሾማሊ፡ መዓልታዊ ናብራ ፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ከመይ ምገለጽክምዎ?

ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ሰባት ኣብ 47% ክፋል ናይቲ መሬት ጥራይ ተሓጺሮም ኣለዉ፡ ምኽንያቱ እስራኤላውያን ነቲ ዝተረፈ 53% ስለ ዝተቖጻጸርዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ምዕልቕላቕ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል እዩ። ህንጻታት ጥራይ ዘይኮነስ ስርዓታት ማይን ኤሌክትሪክን ሓዊሱ 80 ሚእታዊት ትሕተ ቅርጺ ገና ዓንዩ ኣሎ። ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን መናብርተ ጥበብን በሪሶም እዮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ተንዳታት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

ሎሚ እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ይበጽሕ ድዩ?

ብዛዕባ ሰብኣዊ ሓገዝ ክንዛረብ እንኮለና፡ መግቢ፡ መድሃኒት፡ ንህይወት ዘድሊ ኩሉ ማለትና እዩ። ብውልቀይ ኣብ መንጎ መግብን ካልእ ኩሉን ንህይወት ዘድልን፡ ገለ መድሃኒታት ንኣብነት ናብ ቓዛ ይኣትዉ ኣሎ፡ ኩሎም ዘድልዩ መድሃኒታት ይኣትው ማለት ግን ኣይኮነን፡ ብውሱን ብዝሒ ጥራይ እዩ ዝኣትው። ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ናብ ቓዛ ዝኣቱ መግቢ ብነጋዶ ካብ እስራኤል እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ድማ ይሽየጥ። ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ቓዛ ምብጻሕ ዘካየዱ፡ እቲ ዕዳጋ ካብቲ ቅድሚ ኣብ በዓል ልደት ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ዝሓሸ ቀረብ ዘለዎ ኮይኑ ከም ዝረኸበዎን ኣብቲ ግዜ እቲ ምስኦም ስለ ዝነበርኩ፡ ገና ኣብተን ድኳናት ዘድሊ ኣቑሑ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብዓይነይ ርእየ። "ድኳናት" ክብል ከለኹ፡ ሓደ ወይ ክልተ ኣብ ጎኒ ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም ዝተተኽሉ ዳሳት ማለተይ እየ - እዚ ጥራይ እዩ። ስለዚ እቶም ድኳናት ዓበይቲ ኩሉ ቀረብ ዘለዎም ኣይኮኑን።

ብዙሓት ቓዛውያን ድሕሪ ሕጂ ስራሕ የብሎምን ከመይ ጌሮም እዮም መግቢ ክገዝኡ ዝኸዱ ዘለዉ?

ብዙሓት ተቖጺሮም ደሞዝ ዝረኸቡ ሰባት - ብፍላይ እቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ፍልስጤም ትካላት ዝሰርሑ - ክፍሊት ይቕጽል ኣሎ። ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝርከቡ መምህራንን ኣብ ዝተፈላለያ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተይናታትን ክሳብ ሕጂ ደሞዞም ይረኽቡ ኣለዉ። ናይ ገዛእ ርእስና መምህራን እውን። ይኹን እምበር ሕጂ ዘድሊ ገንዘብ ብምውፋር ንኹሉ ካልእ ክንሕግዝ ኣሎና። ቅድሚ ሕጂ ምግቢ ብምዕዳል ንሕግዝ ኔርና። ሕጂ ሰባት ባዕሎም መግቢ ክገዝኡ ጥረ ገንዘብ ብምሃብ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣብ ቀጽሪ ላቲናዊት ሰበኻ ቓዛ ዝተዓቖቡ ምእመናንና ከምኡ ኢና ንገብሮም ዘሎና።

ብመሰረት ውጥን ሰላም ኣሜሪካ ሕጂ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ክንከውን ይግባእ፣ እዚ ድማ ሓማስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ከወግድ፣ ዳግመ ህንጸት ክጅምርን ንዳግመ ህንጸት ዘድሊ ገንዘብ ምቕራብን ዝብል እዩ። እዚ ምዕራፍ ክልተ እዚ ኣበይ እዩ ደው ኢሉ ዘሎ?

ዳግመ ህንጸት ምስ ምውጋድ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተኣሳሰር እዩ። ምውጋድ ወተሃደራዊ ሓይሊ ማለት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ገና ኣይተዛዘመን። ሓማስ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዞባ ኣለዉ። ኣብቲ ነበርቲ ቓዛ ዝነብሩሉ ከባቢ ጸጥታ ዝቆጻጸር ሓማስ እዩ። ስለዚ ዳግመ ህንጸት ክጅመር ኣይክእልን እዩ። ብተወሳኺ ክውስኸሉ ዝደሊ፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ስለዘይከዱ ዝገብርዎ ነገር የብሎምን። ዳግማይ ክትጥቀመሉ እትኽእል ወይ ክሽየጡ ዝኽእሉ ነገራትን ኣብ ምእካብ እዮም መዓልቶም ዘሕልፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ግን ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ቁምስና ቅድስቲ ስድራ ቤት ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክንከፍት ተስፋ ንገብር። 1000 ህጻናት ክንምዝገብ ትጽቢት ንገብር። በዚ መንገዲ እዚ ድሕሪ ደጊም ዝገብርዎ ነገር ስኢኖም ኣብ ጎደናታት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም መዓልቶም ኣይክሕልፉን እዮም። ከም ብሓድሽ ትምህርቲ ክጅምሩ ኣገዳሲ እዩ። በብቑሩብ ነቲ ኲናት ዘስዓቦ ስንባደን ራዕድን ክሰግርዎ ክኽእሉ እዮም እንክብሉ ዘካየድዎ ቅለ መሕትት ይዛዝሙ።

18 Jul 2026, 16:55