ኣልመሪኣ ድሕሪቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣልመሪኣ ድሕሪቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ  (ANA BELTRAN)

ጳጳስ ሰበኻ ኣልመሪኣ፦ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣእዳው ኣምላኽ ንኹነሎም

ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ጎመዝ ካንተሮ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤዳርን፡ ሎስ ጋላርዶስን ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ባርዕ ጫካ ብምስትንታን፡ ነቲ ነበርቲ ዘርኣይዎ ምትሕግጋዝን፡ ናይቲ ከባቢ ቤተ-ክርስትያን ዝሃበቶ ምላሽን ኣጉሊሖም። ኣብ መንጎ እቲ ስቓይን፡ ክሳራን ድማ፡ ተስፋ ክንገብሩን፡ ንፍጥረት ክንከናኸኑን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕብረተሰብን፡ ምሕረትን ዝተሰረተ ሕያው እምነት ክህልዎም ንነበርቲ እቲ ከባቢ ጸዊዖም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

እታ ኣብ ሃገረ እስጳኛ ግዝኣት ኣልመሪኣ ትርከብ ቤተ-ክርስትያን፡ ካብቲ ብዕለት 9 ሓምለ ዝተጀመረ ባርዕ ጫካ ኣትሒዛ፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቤዳርን፡ ሎስ ጋላርዶስን ዝተሃስዩ ሰባትን ንምሕጋዝን፡ መሰረታዊ ሓገዛት ንምምላእን ክትንቀሳቐስ ቀንያ ኣላ።

ብውሕዱ 13 ሰባት ከም ዝሞቱ ክረጋገጽ ከሎ፡ 8 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ካብቲ ሓሙስ ኣብ ሎስ ጋላርዶስ፡ ኣንዳሉስያ ዝተላዕለ ባርዕ ንነጀው 23 ሰባት ደሃዮም ጠፊኡ ኣሎ፤ እቲ ባርዕ ድማ ክሳብ ሕጂ 6,600 ሄክታር መሬት በጺሑ ይርከብ። ዳርጋ 1,500 ነበርቲ ድማ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ጎመዝ ካንተሮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ እቲ ባርዕ ብሰንኪ ልዑል ሙቐትን፡ ብርቱዕ ንፋስን፡ ብኣዝዩ ዘገርም ቅልጣፈ ከም ዝተዘርግሐ ገሊጾም። እቲ ባርዕ ናብቶም ንምብጻሖም ኣጸጋሚ ዝኾኑ ስንጭሮታትን፡ ብዙሓት ኣባይቲ ተነጺሎምሉ ዝርከቡ ቦታታትን ሰጊሩ ኣሎ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ፡ እቲ ንፋስ ነቲ ባርዕ ተወሳኺ ሚእቲ ሜትሮ ናብቲ ቃሊዕ መሬት ገጹ ይደፍኦ ነይሩ" ኢሎም።

ሰበ-ስልጣን ከከም ኩነታቱ ናይ ምውጻእ ስጉምትታት ክወስዱ ከለዉ፡ ኣብያተ-ክርስትያንን፡ ገበርቲ ሠናይን ድማ ነቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ንምቕራብ ተወዲቦም አለዉ። ብዙሓት ነበርቲ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ጸግዒ ክረኽቡ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ተዓቚቦም ይርከቡ። ብፁዕ አቡነ ጎመዝ፡ ነቶም ንሰራሕተይኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ማይን መግብን ዝቐረቡን፡ ነቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰባት ዝሓገዙን ወለንተኛታት ዘርኣይዎ ምትሕግጋዝ ንኢዶም።

"ኣብ ቅድሚ እዚ ዓቢ ሓደጋ እዚ፡ ኩሉ ሰብ ብሓባር ተላዒሉ" እውን ኢሎም።

ብፁዕ አቡነ ጎመዝ፡ ብተወሳኺ፡ ሓንቲ ናይቲ ከባቢ ሰበይቲ ነቶም ነበርቲ ንክወጹ ንምጠንቃቕ ደወል ቤተ-ክርስትያን ከመይ ጌራ ከም ዝደወለቶ ዘኪሮም—እዚ ድማ ኣብ ግዜ ህጹጽ ሓደጋ፡ ንሕብረተሰብ ናይ ሓደጋ ምልክት ንምሃብ ዝጥቀሙሉ ጥንታዊ ልምዲ እዩ።

ጕስነታዊ ምላሽ እቲ ሰበኻ

ብፁዕ አቡነ ጎመዝ ካንተሮ ብዛዕባ እቲ ሰበኻ ዝሃቦ ጕስነታዊ ምላሽ ክገልጹ ከለዉ፡ ካህናት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ምስቲ ሕዝቢ ከም ዝጸንሑን፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣረጋውያንን፡ ተመዛበልቲ ስድራቤታትን ከም ዘሰነይዎም ገሊጾም። ኣብ እዋን ጽንብል በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘደብረ ቀርሜሎስ ነተን ዝተሃስያ ማሕበረሰባት ክበጽሕወን ምዃኖም እውን ኣፍሊጦም።

ብዛዕባ እቲ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ክዛረቡ ከለዉ፡ ነቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑ ሰባትን፡ መስሪሕ ምልላይ ግዳያትን ጠቒሶም። ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ስንጭሮ ተዓጊቶም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብሕይወት ዝተረኽቡ ክልተ ተጓዓዝቲ እግሪ ዘኪሮም።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ስቓይ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ? ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ፡ እቶም ጳጳስ ሓደ ካብ ካህናቶም ዝበሎ ቃል ብምጥቃስ፦ "ኣምላኽ ምሳኻ እዩ ዘሎ፤ እዚ ስቓይ እዚ ድማ ኣብ መስቀል ኮይኑ ይሳቐዮ ኣሎ" ክብሉ መሊሶም።

ክርስትያን ኣብ ክንዲ ንሰባት ተሓተቲ ምግባር፡ ኣብ ምክንኻን እቶም ዝተሃስዩ ክተኩሩ ተማሕጺኖም። "ሕጂ ግዜ ተሓተትቲ ምንዳይ ኣይኮነን፤ ሕጂ ኵላትና ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሓላፍነት እንወስደሉ ግዜ እዩ" ብምባል፡ እቶም ኣመንቲ "ሳምራዊት ቤተ-ክርስትያን" ክኾኑ ጸዊዖም።

ነቲ ምስላ ሕያዋይ ሳምራዊ ብምዝካር ድማ፡ ክርስትያን ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት "ክርእዩን፡ ክቕበሉን፡ ክፍውሱን፡ ከሕውዩን፡ ከዕቁቡን" ዝተጸውዑ ምዃኖም ገሊጾም።

ምትሕግጋዝ ምልክት ተስፋ

ብፁዕ አቡነ ጎመዝ፡ እቲ ብጎረባብቲ፡ ሰበኻታትን፡ ወለንተኛታትን ዝተራእየ ምትሕግጋዝ ከም ምልክት ተስፋ ገሊጾምዎ። "እንደገና ምጅማር ማለት ናብ መጻኢ ምጥማት እዩ፤ እንደገና ምጅማር ድማ ተስፋ ምህላው ማለት እዩ" ኢሎም።

ወሲኾም እውን ክርስትያን መሳርሒ ናይቲ ኣምላኽ ንፍጥረት ዘለዎ ርሕራሐ ክኾኑ ከም ዝተጸውዑ ክገልጹ ከለዉ፦ "እምነትና ብሕይወትና ኣቢልና ንኣምላኽ ናብ ካልኦት ክነብጽሕ ስለ ዝጽውዓና፡ ብዙሕ ግዜ ንሕና ኣእዳው ኣምላኽ፡ ኣእጋር ኣምላኽ፡ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ ድምጺ ኣምላኽን፡ ኣእዛን ኣምላኽን ኢና" ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብፁዕ አቡነ ጎመዝ ካንተሮ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ንፍጥረት ዳግማይ ንክንከናኸን መለዓዓሊ ክኾነና ከም ዝግባእ ገሊጾም። ነቲ ኣብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዓዋዲት መልእኽቲ "ስቡሕ አንተ" (Laudato si') ዝሰፈረ ትምህርቲ ብምድጋም፡ ንጫካታት ምክንኻንን፡ ምስ ተፈጥሮ ብስኒት ምንባርን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣስሚሮምሉ።

"ንሕና ንተፈጥሮ እንተ ተኸናኺንናዮ፡ ተፈጥሮ እውን ክትከናኸነና እዩ" ኢሎም።

15 Jul 2026, 10:21