ቅድስቲ መንበር፦ AI ናይ ሓቂ ምዕባለ ክኸውን ዝኽእል ንሰብኣዊ ክብረት እንተ ኣገልጊሉ ጥራይ ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"እቲ ሓቀይና መለክዒ ምዕባለ፣ ኣብ እተራቐቐ ደረጃታት ምዕባለ ናይቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ ዘይኰነስ፣ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣውነትን ሓባራዊ ረብሓን ዚውዕል እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ እዩ ዝምርኰስ" ክብሉ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ትማሊ ዕለት 13 ሓምለ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ፣ "ብሉጽ ምግባር፦ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ቀዋሚ ምዕባለ ሸቶታት ንምዕቃብ ህጹጽን ለዋጥን ስጕምትታት ምቅልጣፍ" ኣብ ዘርእስቱ ኣኼባ ቍጠባውን ማሕበራውን ቤት ምኽሪ (ECOSOC) ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት ገሊጾም።
ተኽእሎን ሓደጋታትን AI
ልኡኽ ሃገረ ቫቲካን ደድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘዳለውዎ “ግሩም ሰብኣውነት” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ "ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ግምት ዝኣትዉ ዘለዉ ሸቶታት ቀዋሚ ምዕባለ ንምቅልጣፍ ዘኽእል ተኽእሎታት ኣለዎ" ብምባል ደጊሙ ኣመልከቱ። ይኹን እምበር እዚ ሓድሽ ተክኖሎጂ እዚ፣ "ንኽብረት ሰብኣውነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ" እንተ ዀይኑ "ስሉጥ መኽሰብ ዘለዎ ወይ ሓድሽ ምህዞ" ዘይኰነስ፣ ብሓቂ "ብሉጽ ተግባር" ንምፍጻም ዘኽእል መገዲ ኣይምዀነን፣ የግዳስ ነቲ ኣብ ኣጀንዳ 2030 ዓ.ም. ተገሊጹ ዘሎ ናይ ቀዋሚ ምዕባለ ራእይ ከዳኽም ይኽእል ኢዩ፣ በዚ መሰረት እዚ ድማ ሰብኣውነት ወትሩ "ኣብ ማእከል ኵሉ ጻዕርታት ምዕባለ" ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ተላበዉ።
እዞም ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ከም ዝገለጽዎ፣ ዕላማ ምዕባለ "ንህዝብታት ካብ ጥሜትን ሕማምን መሃይምነትን ድኽነትን ምሉእ ብምሉእ ንምንጋፍ" እዩ። ኣብ ቍጠባዊ ደረጃ ድማ፣ "ኣብ ዓለምለኻዊ መስርሕ ማዕርነት ብምስታፍ"፣ ኣብ ማሕበራዊ ደረጃ፣ "ኣብ ሓድነት እተመስረተ ሕብረተ-ሰብ ምህናጽ" ከምኡውን ኣብ ፖለቲካዊ ደረጃ፣ "ናጽነትን ሰላምን ውሕስነትን ዝህቡ ደሞክራስያዊ ተቕዋማት" ብምድልዳል ጥራይ ኢዩ እዚ ሸቶ እዚ ክበጻሕ ዝኽእል በሉ።
ገና መኽሰብ ዘይተረኽቦ ቍጠባዊ ዕቤት
"ቍጠባዊ ዕቤት" "ሓቀይና" እኳ እንተ ዀነ፣ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ካብ ክቱር ድኽነት ንኽወጹ ዘኽእሎም ብዙሕ ንጥፈታት እኳ እንተ ገበረ፣ ከም "ኣብ መንጎ ሃገራትን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ዘይማዕርነት ምውሳኹ ከምኡውን ሓድሽ ዓይነት ድኽነት" ዝኣመሰለ "ከቢድ ጸገማት" ይርአ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ መግለጺኦም እዞም ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ "ነዚ ጕድለታት እዚ ምቅላስ" ከምኡውን "ዘይግሃስ ክብሪ ሰብኣዉነት" ኣፍልጦ ንምሃብ፣ "ኣብ ዓውዲ ቀዋሚ ምዕባለ ዝኣተዎ መብጽዓታት" ንምዕቃብ ኣተባቢዖም።