ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቅድስት መንበር መዓልቲ ሓርነት ደሴት ጓም ንምዝካር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም
ዜና ቫቲካን
እቶም ናይ ኒውዚላንድ ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቅድስት መንበርን፡ ናይ ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስ ወኪልን ዝኾኑ፡ ሊቀ-ጳጳሳት ጋቦር ፒንተር፡ ብዕለት 21 ሓምለ 2026 ኣብ ሃጋትና ኣብ እትርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ጓም ካብ ሰራዊት ጃፓን ናጻ ዝወጸትሉ መበል 82 ዓመት ንምኽባር መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።
እቶም ሓዋርያዊ ወኪል ናይ ቅድስት መንበር፡ ምስ ሊቀ-ጳጳሳት ርእሰ-ሰበኻ ኣጋኛ፡ ብፁዕ አቡነ ራያን ፒ. ጂመነዝን፡ ካልኦት ካህናትን ብምዃን፡ ነቲ ናይ ምስጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። እዚ ድማ መንፈሳዊ ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሕዝቢ ጓም ዘርኣየ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ደሴት ጓም፡ ናጻነት ንምምላስ ዝተቓለሱ ወተሃደራት ኣመሪካ እናዘከረት፡ ንኣምላኽ ድማ እናመስገነት፡ በብዓመቱ ብዕለት 21 ሓምለ መዓልቲ ሓርነት ተኽብር።
እቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ድሕሪኡ ብዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ጸሎት ስነ-ስርዓት ዝተሰነየ ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ውግእ ዝሞቱን ዝተሳቐዩን ሰባት ዝነበሮም እምነትን ትብዓትን ዘኽበረ እዩ ነይሩ።
ወራርን ሓርነትን ጓም
ብዕለት 8 ታሕሳስ 1941፡ ብዙሓት ሰባት ኣብታ ናይ ቀደም ካቴድራል ኣጋኛ፡ በዓል ፅንሰታ ንምኽባርን፡ ንጠበቓ ጓም ዝኾነት ቅድስቲ ማርያም ዘካማለን ንምዝካርን ተኣኪቦም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ስነ-ስርዓት ብናይ ጃፓን ነፈርቲ ውግእ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ተቋሪጹ። ውግእ ተጀሚሩ፡ እታ ንእሽቶ ግዝኣት ኣመሪካ ዝኾነት ደሴት ጓም ድማ፡ ናብቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተሰሒባ ኣትያ።
ዋላ እኳ ከምቲ ሓደ መዓልቲ ቅድሚኡ ኣብ ፐርል ሃርቦር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ እንተዘይተዘከረ፡ ጓም እውን ብዕለት 8 ታሕሳስ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ሰዓታት ጥራይ ብሰራዊት ጃፓን ተወሪራ ነይራ። እታ ደሴት ብዕለት 21 ሓምለ 1944 ክሳብ ናጻ እትወጽእ፡ እቲ ወራር ንሕዝቢ ጓም ዓቢ መከራ ኣስዒቡሎም እዩ።
መንፈሳዊ ቅርበት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳትን ኣገዳስነት ሰላምን
እቶም ሓዋርያዊ ልኡኽ፡ ነቶም ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝደሓኑ ሰባትን ኣመሓዳሪት ጓምን ሓዊሱ፡ ንልዕሊ 800 ዝኾኑ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ወተሃደራውያን መራሕትን፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ዝሓቆፈ ጉባኤ መደረ ኣስሚዖም።
"ቅዱስ ኣቦና፡ ንሕዝቢ ጓም፡ ንርእሰ-ሰበኻ ኣጋኛ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድራቤት፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብቲ ጸልማት ዓመታት ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘሕለፍዎ ናይ ስቓይ ተዘክሮታት ኣብ ልቦም ሒዞም ንዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ጸሎቶም ከረጋግጽልኩም ሓቲቶምኒ ኣለዉ።"
ብዘይካ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት እውን በቲ ናይቲ ባዚሊካ ቀጥታዊ ፈነወ ኣቢሎም፡ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ካብ ውሽጥን ወጻእን ተኸታቲሎም። እቶም ሓዋርያዊ ልኡኽ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰላምን፡ ንምቅናስ ኣጽዋርን ዘቕርብዎ ተደጋጋሚ ጻውዒት ብምሕዳስ፡ እቶም ምእመናን ምእንቲ ብውግእን ግጭትን ንዝተጐድኡ ሃገራት ክጽልዩ ተማሕጺኖም።
ኣብ ክንዲ ዕንወት፡ ዘተ
"ናይ ሎሚ ንጉሆ ጸሎትና ካብ ጓም ወጻኢ ንርሑቕ ዝበጽሕ እዩ" ዝበሉ እቶም ሊቀ-ጳጳሳት፡ "ዓመጽ ንደቂ ኣምላኽ ኣብ ዘሳቕየሉ ዘሎ ኩሉ ቦታ ንጽሊ ኣለና። ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ክንዲ ዕንወት ዘተ ክመርጹ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ወትሩ ኣብ ኣገልግሎት ሰላምን ፍትሕን ክውዕል ንጽሊ" ኢሎም።
ኣብቲ መኽፈቲ ዘረባኦም፡ ሊቀ-ጳጳስ ፒንተር ነቶም ኣብ ዓመታት ውግእ መከራ ዝጸገቡ ሰባት ዘኪሮም፦ "ነቶም ኣብተን ዘሕዝና ዓመታት ምድራዊ ጉዕዞኦም ዘብቀዑ ሰብኡት፡ ኣንስትን ህጻናትን ንዝክሮም።" "ነቶም ናብ ገዝኦም ፈጺሞም ዘይተመልሱ ንዝክሮም።" "ነቶም ኵናት ደው ምስበለ እውን ቁስሎም ከይሓወየ ዝጸንሐ ሰባት ንዝክሮም" ኢሎም።
ኣብቲ ዘስምዕዎ ስብከት፡ እቶም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብቲ ናይ መዓልቱ ንባብ ወንጌል ማቴዎስን፡ ታሪኽ ዮናስ ካብ ከብዲ ዓሳ ምውጽኡን ተመርኪሶም ትንተና ሂቦም። "ንክርስትያን፡ ምልክት ዮናስ ብቐጥታ ንክርስቶስ እዩ ዘመልክት" ኢሎም። "ዮናስ ብሕይወት ቅድሚ ምውጽኡ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ከብዲ ዓሳ ከም ዝገበረ፡ ኢየሱስ እውን ካብ ምውታን ቅድሚ ምትንስኡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ መቃብር ክጸንሕ ነይርዎ።"
ኣምላኽ ንናይ ደቂ-ሰባት ስቓይ ዝሃቦ ዓቢ መልሲ ትንሳኤ ሙታን ምዃኑ ኣስሚሮምሉ። "መስቀል ከም ስዕረት ኮይኑ እኳ እንተተራእየ፡ ፋሲካ ግን ናይ ዓወት ግልጸት እዩ፤ ትንሳኤ ድማ ሓድሽ መጀመርታ ኮይኑ" ኢሎም።
ሊቀ-ጳጳሳት ጂመነዝ ስለቲ ናጽነት ንኣምላኽ የመስግኑ
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ጂመነዝ ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ጽንብል ክገልጹ ከለዉ፡ እቲ ናይ መዓልቲ ሓርነት መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዝዩ ዘተኣኻኽብ እዋን ምዃኑ ገሊጾም።
"እቲ ኣብ ባዚሊካ ዝተኻየደ መሥዋዕተ ቅዳሴ መዓልቲ ሓርነት፡ ቤተ-ክርስትያን ክትኮኖ ዝተጸውዓትሉ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ምዃና ብጽቡቕ መልክዕ ዘርኣየ እዩ ነይሩ" ዝበሉ እቶም ሊቀ-ጳጳሳት፡ "ካህናትን፡ ደናግልን፡ ምእመናን፡ ሲቪላዊ መራሕቲን፡ ኣባላት ሰራዊትን፡ ሓርበኛታትን ካብ ኩሉ ዓውድታት ደሴትና ዝመጹ ሰባትን ተኣኪቦም ክጽልዩ ምርኣይና፡ እቲ ዝዓሞቀ ሕብረትና ኣብ ፍልልይና ዘይኮነስ፡ ኣብ ክርስቶስ ምዃኑ ዘዘኻኽር እዩ" ኢሎም ተዛሪቦም።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት አቡነ ጂመነዝ ወሲኾም፦ "ብሓባር ኴንና ስለቲ ናይ ናጽነት ውህበት ኣመስጊንና፡ ንነባሪ ሰላም ጸሊና፡ ነቶም ንሃገርና ክብሉ ዓቢ መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኣኽቢርና፡ ንደሴት ጓም ድማ ኣብ ትሕቲ ፍቁር ሓልዮት ኣምላኽ ኣማሕጺንናያ ኣለና። ኣብ ዙርያ ቅዱስ ቍርባን ክንእከብ ከለና፡ ሓደ ስድራቤትን፡ ሓደ ማሕበረሰብን፡ ብጐይታ ዝሓበርና ሓደ ሕዝብን ከም እንኸውን ዘርኢ ዓቢ ምልክት እዩ" ብምባል ቃሎም ዛዚሞም።