ድለ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ምበያ አቡነ ጀርቫስ ጆን ምዋሲክዋቢላ ንያይሶንጋ ሃገረ ታንዛንያ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሰበኻ ምበያ አቡነ ጀርቫስ ጆን ምዋሲክዋቢላ ንያይሶንጋ ሃገረ ታንዛንያ 

ብፁዓን ጳጳሳት ዞባ ኣሜሴያ ንመንእሰያት ዝዓለመ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ዝኸይድ ጕስነታዊ መደብ ኣውጺኦም

ብፁዓን ጳጳሳት ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ንዝስዕቡ ኣርባዕተ ዓመታት ንመንእሰያት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ሓባራዊ ጕስነታዊ ቀዳምነት ክሰርዑሎም ቃል ኣትዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ፖለቲካውያን መራሕቲ ንምዝመዛ መንእሰያት ደው ከብልዎ ብጽንዓት ጸዊዖም።

ዜና ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ናይቲ ኣብ ታንዛንያ ዝርከብ ካቶሊካዊ ርእሰ-ሰበኻ ምበያ ዝኾኑ፡ ብፁዕ አቡነ ጀርቫስ ጆን ምዋሲክዋቢላ ንያይሶንጋ፡ ሓዲሽ ኣቦ-ወንበር ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኾይኖም ተመሪጾም።

ዝሓለፈ ሰንበት፡ ሊቀ ጳጳሳት ንያይሶንጋ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ሎረቶ ምሶንጋሪ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ ናይ መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ መሪሖም። እቶም ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ናይ ዕለቱ ንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ኣስተንቲኖም። ዝተወሃቦም ሓላፍነት ብምእማን ድማ፡ ምስቲ ንጉሥ ሰሎሞን ጥበብ ዝሓተተሉ ጸሎት ከም ዝሰማምዑ ሓቢሮም።

ግብራዊ ስጉምትን ብጻይነትን

ብፁዓን ጳጳሳት እቲ ዞባ ኣብ መዛዘሚ 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘውጽእዎ መዛዘሚ መግለጺ፡ ንተስፋታትን ስግኣታትን መከራታትን መንእሰያት ብግቡእ ንምስማዕ ዘለዎም ጽንዓት ብምእማን፡ ኣብ ሕይወትን፡ ሓዋርያዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስቲያንን ምስኣቶም ዝጓዓዝ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስዱ ቃል ኣትዮም።

እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ዕለት 19 ክሳብ 26 ሓምለ ኣብ ናይሮቢ እዩ ተኻይዱ።

እቲ ብ26 ሓምለ 2026 ዝወጸ ናይቶም ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቲ፡ "ሲኖዶሳዊ ጉዕዞ ኣሜሴያ ምስ መንእሰያት፦ ድልድል ሱታፌን፡ ተስፋን፡ ፍትሕን፡ ሠናይ ምምሕዳርን ምሕናጽ" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተኻየደ ጉባኤ ንዘለዎ ራእይ የብርህ።

ገለ ካብ ተሳተፍቲ መእሰያት
ገለ ካብ ተሳተፍቲ መእሰያት

ሓዲሽ ጕስነታዊ ራእይ

ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ብምቛምን ብምብርታዕን፡ ኣብዚ ዲጂታላዊ ዘመን ብዲጂታላዊ ኣገባብ ወንጌል ዝሰብኩ ካቶሊካውያን ሰበኽቲ ወንጌል ብምስልጣን፡ ትምህርቲን፡ ምኽሪን፡ ንድፈ-ሓሳብ ስራሕን፡ ምዕባለ ኽእለትን ብምስፋሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣገልግሎት መንእሰያት ናይ ሓለዋን ተሓታቲነትን ፖሊሲታት ብምጽናዕ፡ ተሳትፎ መንእሰያት ኣብ ቤተ-ክርስቲያንን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ንምብርታዕ ቃል ኣትዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ኣሜሴኣ ዘሎ ምትሕብባርን፡ ሓደነትን ንምዕማቝ ቃል ኣትዮም፤ ከምኡ’ውን ምስ መንግስታት፡ ዞባውያን ትካላትን መሻርኽቲ ልምዓትን ብምስራሕ፡ ውሑስን፡ ሕጋውን ምንቅስቓስ መንእሰያትን፡ ዝለዓለ ማሕበራዊ ተሳትፎን፡ ብውዕልን ዘተን ዝካየድ ሰላማዊ ፍታሕ ግጭታትን ንምስፋሕ ክሰርሑ ምኾኖም ኣረጋጊጾም።

ፖለቲካዊ ምዝመዛ

እቶም ብፁዓን ጳጳሳት ንፖለቲካውያን መራሕቲ እቲ ዞባ ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ መንእሰያት ኣብቲ ጉባኤ ዘካፈልዎም ተመክሮታት ኣመልኪቶም ዘለዎም ስግኣት ገሊጾም።

"መንእሰያት ኣብ እዋን ምርጫ ጥራይ ከም ዝጥቀሙሎምን፡ ድሕሪ ቍጽሪ ድምጺ ግን ከም ዝርስዕዎምን ብግልጺ ሓቢሮምና" ዝበሉ እቶም ብፁዓን ጳጳሳት፡ "ነቲ መንእሰያት ዘለዎም ድኽነትን ጸገምን መዝሚዝካ፡ ንብሕታዊ ፖለቲካዊ ረብሓ ምጥቃም ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምዝመዛ ከብቅዕ ንጽውዕ። ኣብ ክንድኡ፡ ፖለቲካውያን መራሕቲ፡ ንመንእሰያት ተስፋ ዝህቡ መራሕቲ ክኾኑ ንዕድም" ኢሎም።

ጳጳሳት ኣሜሴያ
ጳጳሳት ኣሜሴያ

ሕጉሳት መስከርቲ ወንጌል

እቶም ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕብባር፡ ንመንእሰያት ዘማዕብል ሓዋርያዊ፡ ስነ-ልቦናዊ፡ ትምህርታውን ዲጂታላውን ናይ ደጋፊ ኣወቓቕራታት ንምፍጣር፡ ምስ ኣሓት ኣብያተ-ክርስቲያንን፡ ናይ ሃይማኖታት መሻርኽትን፡ ትካላት ንግድን፡ ውድባት ልምዓትን ብሓደ ክሰርሑ ጸዊዖም።

ናብ መንእሰያት ኣብ ዘተኰረ መልእኽቶም ድማ፡ እቶም ብፁዓን ጳጳሳት፡ መንእሰያት መጻኢ ቤተ-ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣገዳሲ ኣካል ናይቲ ናይ ሕጂ ሓዋርያዊ ተልእኾ ከም ዝኾኑ ኣገንዚቦም። መልእኽቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ብምጥቃስ ድማ፡ መንእሰይ እዩ” ኢሉ ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፥ በካይዳ፥ ብፍቕሪ፥ ብእምነት፥ ብንጽሕናውን ኣርኣያ ኹኖም።" (1 ጢሞቴዎስ 4፡12) ብምባል ኣተባቢዖምዎም።

ብተወሳኺ እቶም ብፁዓን ጳጳሳት፡ መንእሰያት ምስ ክርስቶስ ብምጉዓዝ፡ ልቦም ብቃል ኣምላኽን ብቅዱስ ቍርባንን ክለወጥ ብምፍቓድ፡ ሕጉሳት መስከርቲ ወንጌል ብምኻን፡ ንደቂ መዛሙርቲ መገዲ ኤማሁስ ክመስልዎም ጸዊዖም።

ንዓርባዕተ ዓመት ዝኸይድ ጕስነታዊ መደብ
ንዓርባዕተ ዓመት ዝኸይድ ጕስነታዊ መደብ

ኣሜሴኣ እንታይ እዩ፧

ኣሜሴያ (AMECEA)፡ ናይ ማሕበር ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሕጽረተ-ቃል እዩ። ንሱ ድማ ናይተን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሸሞንተ ሃገራት—ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ማላዊ፡ ደቡብ ሱዳን - ሱዳን፡ ታንዛንያ፡ ኡጋንዳን ዛምቢያን— ዘጠቃልል፡ ንሃገራዊ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤታት ዘገልግል ካቶሊካዊ ትካል እዩ። ጅቡቲን ሶማልያን ድማ ተሓባበርቲ ኣባላት እያተን።

ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ኣሜሴያ ልዑል ስልጣን ናይ ኩሎም ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ኣሜሴያ ኣብ ዝተኣከቡሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተመርኰሰ እዩ። ኣብ መንጎ ሓፈሻዊ ጉባኤታት፡ ፈጻሚ ኣካል ብመሰረት ቀዳምነታት ኣሜሴያ ኣገደስቲ ውሳነታት የሕልፍ። ናይ መዓልታዊ ውሳነታት ድማ ብስም ኣቦ-ወንበር፡ ብዋና ጸሓፊ ዝውሰድ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ንክፍልታትን ትካላትን ኣሜሴያ የወሃህድ።

31 Jul 2026, 13:03