ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ይጽውዕ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ይጽውዕ 

ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ ክብሪ፣ ፍትሕን ምትሕግጋዝን ይጽውዕ

ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ ሊቀ ጳጳሳት ሲተምቤለ ሲፑካ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ወጻእተይናታት ዜጋታት ዝፍጸም ዓመጽ ንምፍታሕ ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ባይቶ ኣብያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ (SACC) ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ክህሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ግደ ዘለዎ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካል ዕለት 17 ሰነ 2026 ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ርእሰ ብሔር ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ህንጻ ሓድነት ከም እተራኸበን ሊቀ ጳጳሳት ኬፕ ታውን ኣቦ መንበር ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰናይ ድሌት ናብ ዘለዎ ዜጋታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ወጻእተይናታት ዝወረደ መጥቃዕትን ዓመጽን ኣማእኪሎም ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንዜና ቫቲካን የካፍሉ።

ኩሎም ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ እያቶም

ሊቀ ጳጳሳት ሲፑካ፡ "ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒምና ብዛዕባ ስቓይ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎና ዓሚቝ ሻቕሎት ገሊጽና ኣሎና፡ እቶም ዝተመዛበሉን ምፍርራህ ዝወረዶም ከምኡውን መነባብሮኦም እተኸልከሉ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና እዮም። ሰብኣዊ ክብረት ምስ ዚጠሓስ ቤተ - ክርስትያን ስቕ ክትብል ኣይትኽእልን እያ፡ መሪሕነት ባይቶ ኣቢያተ ክርስልቲያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኵሉ ሰባት ብኣምላኽ እተዋህበ ሰብኣዊ ክብረት ከም ዘለዎም ኣጕሊሑ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዓመጽን ምፍርራህን ኣብ ልዕሊ ተኣፈፍቲ ማሕበረሰባት ምፍጻም ምኽንያታዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምስ መንፈስ 'ኡቡንቱ' ዝጋጮን ምስ ክርስትያናዊ ምርዳእ ሰብኣዊ ክብርን ዘይቃዶ ምዃኑ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የጒልሑ።

መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጥሕሱ፡ ገዛእ ርእሶም ሕጊ ዝገብሩ ዓዋሉን ጉጅለታትን ስጕምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ሓላፍነት ኣብ መንግስትን ትካላቱን ደኣ እምበር ኣብቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝሰርሑ ውልቀ-ሰባት ወይ ጕጅለታት ከም ዘይኰነ እውን ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ሓቀይና ጠንቂ ናይ ሕብረተሰብ ናዕቢ

ቍጥዐ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብሰንኪ ቐጻሊ ሽቕለት ኣልቦነት ድኽነት ሕማቕ ኣገልግሎታትን ብልሽውና ከምኡውን ኣብ መንግስታዊ ተቕዋማት ዘሎ ምትእምማን ህዝቢ እናነከየ ይኸይድ ብምህላዉ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። "ብዛዕባ እቲ ኣብ ብዙሓት ማሕበረሰባት እንርእዮ ቝጥዓ ኣበርክቶ ዝገበረ ዅነታት ብቕንዕና ምስ ርእሰ ብሔርን ኣብ መንጎናን ተዛሪብና ኢና። ሰባት ይቃለሱ ኣለዉ ዕሽሽ ከም ዝበሃሉን ሰማዒ ዘብሎም ኮይኑ እዮ ዝስምዖም፡ ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹም ዓመጽ ምኽንያታዊ ክኽውን ኣይክእልን እዩ። እቲ ቐንዲ ጠንቂ ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ፡ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ወጻእተይና ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንተ ወጺኡ እውን እታ ሃገር ሽቕለት ኣልቦነት ሕማቕ ኣገልግሎት ብልሽውና ገበን ቍጠባዊ ዘይማዕርነት ኣይክህሉን እዩ ማለት ኣይኮነን፡ ናይቲ ጸገም ሱር ስደተይናታትን መጻእተይናታትን ምግባር ዘይቕኑዕ እዩ ቢሎም - ወጻእተይናታት መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ዓሚቝን እተሓላለኸን ብድሆታት ምኽኒት ገርካ ብምቕራብ ነቲ ዘሎ ቍጠባዊ ጸገማት እታ ሃገር ንስደተይናታትን መጻእተይናታትን ብምጥቃዕ ኪፍታሕ ማለት ጌጋ እዩ ኢሎም።

ሕጋዊ ቅዋምን መስርሕን

ሊቀ ጳጳሳት ሲፑካ ብዛዕባ እቲ ዕለት 30 ሰነ ክካየድ እተመደበ ጸረ - ስደተይናታት ሰላማዊ ሰልፍታት ብዝምልከት ነቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተይናታት ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንኽወጹ ዝሓትትን ፍሉጥ ግዜ ዝህብን ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ተወሳኺ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ከይፍጸም ንምክልኻልን ተኣፈፍቲ ማሕበረሰባት ንምዕቋብን እኹል ናይ ጸጥታ ስጕምትታት ከረጋግጽ ተማሕጺኖም፡ ባይቶ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ርእሰ ብሔር ራማፎሳ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝዝርጋሕን ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ንምዕቃብ ስጕምትታት ከም ዝውሰድ መረጋገጺ ከም ዝረኸበ ሓቢሮም፣ መራሕቲ ቤተ - ክርስትያን ነቲ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘውጽኦ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዘለዎ መደብ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቅልውላው ስደት ምላሽ ንምሃብ ኣገዳሲ መሰረት ብምዃኑ እውን ሓንጐፋይ ኢሎም ከም እተቐበልዎን፡ መደብ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ እተመስረተ እዩ - ምጥሓስ ሕግታት ጉዳያት ስደትን ሸቃሎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምእታው ምክልኻል ኣብ ስርዓት ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ስደተይናታት ዘሎ ብልሽውና ምጥፋእ፡ ሕግታትን መምርሕታትን ስደት ምድልዳል ከምኡውን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ መላእ ዞባን ኣህጉርን ዘሎ ናይ ስደት ብድሆታት ንምፍታሕ ምትሕብባር ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ግና ሕግን ስርዓትን ተወፋይነት ናብ ዝጭበጥን ዝዕቀንን ተግባር ክትርጎም ኣለዎ ቢሎም ከም ዝኣምኑን፡ እቲ መሪሕነት ኩሉ ህዝቢ ጽልኢ ወጻእተይናታት፡ ጽልኢ፡ ግጉይ ሓበሬታ፡ ዓመጽ ክቃወም፡ ንኹሉ ምስ ስደት ዝተኣሳሰር ስክፍታታት ብፍርህን ቀጥዒ ኣልቦ ምቀጽጻርን ዘይኮነስ ብሕጋውን ቅዋማውን መስርሕ ክፈትሕ ካብ ምጽዋዕ ድሕር ኣይብልን እዩ ይብሉ።

19 Jun 2026, 16:29