ሮቦት ናይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘርኢ ሮቦት ናይ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘርኢ  (REUTERS)

ኣፍሪቃዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ ጕደያት ማኅበራዊ መራኸቢታት ብዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተወደበን፡ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ኣብ ዝተገብረን ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ተሳተፍቲ፡ ኣብ መንጎ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ፡ ሰብኣዊ ክብረትን፡ መንነትን፡ ፈጠራን ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ብምጕላሕ፡ ገጽን ድምጽን ደቂ ሰብ ብዛዕባ ምዕቃብ ዘትዮም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ብዕለት 21 ግንቦት 2026 ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ኣብ ዝተገብረ "ድምጽን ገጽን ደቂ ሰብ ምዕቃብ" ዘርእስቱ ብዛዕባ ጕዳያት ማኅበራዊ መራኸቢታት ብዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተወደበ ዋዕላ፡ ተሳተፍቲ በታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለኣኽዋ መልእኽቲ ተደሪኾም፡ ኣብ ዘመነ ተክኖሎጂ፡ ሰብኣዊ ክብርን፡ ሓቀኛ ዝምድናታትን፡ ስነ-ምግባራዊ ርክባትን ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ዘትዮም።

ዜሀብትም ዝርርብ

ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሕብረተሰብ ብቕልጡፍ ይቕይሮ ኣሎ፣ ሓድሽ ምህዞታት ንኽህሉ ኣጋጣሚታት ብምኽፋት ድማ፡ ህጹጽ ስነ-ምግባራውን፡ ባህላውን፡ ሰብኣውን ሻቕሎት የለዓዕል ኣሎ።

ሓንቲ ካብቶም ተሳተፍቲ፡ ማለት ናይ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተመራማሪት ተጣባቒት ከምኡውን መስራቲት ማሕበር ኣልጎሪዝማዊ ፍትሕን ዝኾነት ዶር. ጆይ ቡላምዊኒ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ዋዕላ ንጋዜጠኛታትን፡ ተመራመርትን፡ ክኢላታት ስነ-ምግባርን፡ ፖለቲከኛታትን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ንዝሰርሑን፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ዘጣመረ ስለዝነበረ፡ ብዛዕባ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝተኻፈለቶ ኣዝዩ ዘሀብትም ዘተ ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ተክኖሎጂ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ብቕልጡፍ እናዓበየ ይኸይድ እኳ እንተሎ፡ ደቂ ሰብ ግን ኣንፈቶም ብሓላፍነት ንምቕራጽ ዓቕሚ ከም ዘለዎም ኣጕሊሓ።

ኣብቲ ኣኼባ እተላዕለ ዘተሓሳስብ ነገር ከኣ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ተጠቂምካ፡ ገጽ ሰብ ናይ ምልላይ ስርዓታትን፡ ናይ ሓሶት ዜናን፡  ቀጥታዊ ውሳኔ ምግባርን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ።

ዶር. ቡላምዊኒ ብዛዕባ እቲ እና ወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብስርዓት ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝወርድ ኣድልዎን ምዝመዛን እወን ኣጠንቂቓ።  ስእልታት ኣብ ሓላፍነት ናይ ሕዝቢ ዘለዉ ሰባትን፡ ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኰረ ናይ ሓሶት መጥቓዕትታትን ኣብነት ብምሃብ ድማ፡ ኣብዚ ኵነት እዚ ዋላ ሓደ ሰብ እውን እንተኾነ ናጻ ከም ዘይኮነ ኣጕሊሓ።  

ብተወሳኺውን ውልቀ ሰባት፡ ባዮሜትሪካያዊ መሰላቶምን፡ ናይ ምፍጣር መሰላቶምን፡ ከምኡውን መንነቶምን፡ ድምጾምን፡ ስነ-ጥበባዊ ስራሖምን፡ ብዘይ ፍቓዶም፡ ብተክኖሎጂ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ክድገም ስለ ዝኽእል ቅሬታኣ ገሊጻ።

ኣፍሪቃ ንመጻኢ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ምቕራጽ ዘለዋ ግደ

እቶም ተሳተፍቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝማዕበለ ተክኖሎጂ ክትጥቀም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብንጥፈት ክርጺ ከተትሕዞ ከም ዘለዋ ገምጊሞም።

ኣብ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ዊትዋተርስራንድ ፕሮፌሰር ናይ ኮምፕዩተር ስነ-ፍልጠት ዝዀነ፡ ቤንጃሚን ሮስማን፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዘለዋ ተሳትፎ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ። ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ከም እተፈላለየ ቋንቋታት ዘለዎ ኣከብቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ከምኡውን ሕርሻ ዝኣመሰለ መዳያት ፍሉይ ብድሆታት ከም ዘጋጥማ ገሊጹ።

ኣብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ልዕሊ 2,000 ቋንቋታት ስለ ዚዝረብ፡ ብዙሓት "ንተክኖሎጂ ትሑት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ዘለዎም ቋንቋታት" ኢዮም፣ እዚ ማለት ከኣ ንስርዓት ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብውጽኢታዊ መገዲ ንምስልጣን እኹል ሓበሬታ የልቦን። ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ተክኖሎጂ ቀረብ ምርካብ ጥራይ ዘይኰነ፡ መን ከም ዝነድፎን፡ ናይ መን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ውሽጡ ተነጺፉ ከም ዘሎን ምፍላጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሑ።

ኣፍሪቃውያን ተመራመርትን መሃዝትን ብኸም ዓሚቝ ትምህርቲ ኢንዳባ ዝኣመሰሉ ተበግሶታት ኣቢሎም፡ ስነ-ምግባራውን፡ ባህላውን ስርዓት ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምፍጣር ዝዓለመ ድልዱል ናይ ፓን ኣፍሪቃ ምትሕብባር ይሃንጹ ኣለዉ።

እቲ ኣገዳሲ ሓሳብ ኢዩ
እቲ ኣገዳሲ ሓሳብ ኢዩ   (2026 Getty Images)

ዶር ቡላምዊኒ ብዛዕባ "ካልኣይ ማዕበል ሓበሬታዊ መግዛእቲ" እውን ኣጠንቂቓ። እዚ ከኣ ናይ ኣፍሪቃ ዲጂታላዊ ሓበሬታ ክንዲ ንኣፍሪቃውያን፡ ንናይ ወጻኢ ትካላት የሀብትም ከም ዘሎ ገሊጻ። መንግስታትን፡ ትካላትን ኣፍሪቃ፡ ዲጂታላዊ ሃብቲ ኣፍሪቃ ክሕልዉን፡ ድምጺ ኣፍሪቃ ኣብ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ከም ዝውከሉን ከረጋግጹ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ዶር ቡላምዊኒ ነቲ ብኸም ፋርመር ላይን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ዘማዕበልዎ ኣፍሪቃውያን ዝመርሖም ሓድሽ ናይ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ መሳርሒታት ጠቒሳ። እዚ ድማ ሓረስቶት ፍርያምነትን፡ መነባብሮን፡ ሕርሻን ንምምሕያሽ ብቛንቋታት ናይቲ ከባቢ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጻ።

ቤተ-ክርስትያንን ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎን

ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮስ ፉራሃ ብዛዕባ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መበል 60 ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ማኅበራዊ መራኸቢታትት ብምጥቃስ፡ ገጽን ድምጽን ደቂ ሰብ ክዕቀቡ ዘለዎም ቅዱስ ውህበት ኣምላኽ ምዃኖም ኣጕሊሖም።

ቤተ-ክርስትያን ንሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ከም መተካእታ ሰብኣዊ ምስትውዓል ወይ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘይኰነስ፡ ከም መሳርሒ ገይራ ኢያ እትርእዮ። ነታ ብሉይን ሓዲስን እትብል ሰነድ ናይ ቤተክርስትያን ብምጥቓስ ድማ፡ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ኣብ ስብከተ ወንጌልን፡ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥን ክድግፍ ከም ዝኽእል፡ እንተዀነ ግን ነቲ ናይ ሓቂ ሰብኣዊ ርክብን፡ ጥበብ ወይ ጕስነታዊ  ህላወ ክትክኦ ከም ዘይክእል ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሮማ ዚመሃር ካብ ናይጀርያ ዝመጸ መሲዮይ ቶሂብ ዚበሃል ተመሃራይ፡ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ንዕዮ ደቂ ሰብ ኬመሓይሾ እምበር ክትክኦ ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ። ንመንእሰያት ብፍላይ ከኣ እቶም ሕጂ ዘለዉ ወለዶ፡  ንፈጠራን፡ ዓሚቝ ኣተሓሳስባን ኣብ ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ እምብዛ ከይምርኰሱ ኣጠንቂቑ።

ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ብፕሮግራም ዝተሰርሐን፡ ድሩትን ኢዩ፣ ሰብኣዊ ዓቕሚ ግን ወትሩ ክልካዕ ዘይከኣል ኢዩ፡ ብምባል፡ መንእሰያት ሓቀኛታት ክዀኑን፡ መንነቶም ወይ ፈጠራኦም ከየጥፍኡን፡ ንሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ብሓላፍነት ክጥቀሙሉን ኣተባቢዑ።

ሰብ-ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ እና ዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ ሰብኣዊ ርክባትን፡ መንፈሳዊ መምርሕን፡ ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ውሳነ ኣብ ምግባርን፡ ንጹር ስነ-ምግባራዊ ዶባት ኪህሉ ኣለዎ ክብል ገሊጹ።

 

 

 

05 Jun 2026, 16:01