ድለ

2026.06.05 ካርዲናል ቦ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሚያንማር ከምዘይተረሰዐት ክስምዓና ይገብሩ 2026.06.05 ካርዲናል ቦ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሚያንማር ከምዘይተረሰዐት ክስምዓና ይገብሩ  (@Vatican Media)

ካርዲናል ቦ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሚያንማር ከምዘይተረሰዐት ክስምዓና ይገብሩ

ጳጳሳት ሚያንማር ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሮማ ከም ዝርከቡን፡ ሊቀ ጳጳሳት ያንጎንን ኣቦ መንበር ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሚያንማርን ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ብዛዕባ ጳጳሳት ምያንማር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝተኻየደ ርክብን ኩነታት ሃገሮምን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት፡ ምያንማር ዘይተረሰዐትን ኣብ ጸሎትን ቅርበትን ቅዱስ ኣቦና ህልውቲ እያ” ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ያንጎ ሊቀ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ዋዕላ ጳጳሳት ምያንማር ካርዲናል ቻርለስ ማውንግ ቦ ጉባኤ ጳጳሳት ምያንማር ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝተኻየደ ርክብ ዕለት 5 ሰነ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ "ምያንማር ከም ከም ዘይተረሰዕትን ወትሩ ኣብ ጸሎት ህልውቲ” ምዃና ክስምዓና ዝገበረ ርክብ እዩ - ቢሎም - ዳርጋ ንኣስታት 2 ሰዓት ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ሕንጸት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ቀጻሊ ሕንጸት ካህናትን ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዅነታትን ቤተ-ክርስትያን እትህበሉ ምላሽን ከም እተመያየጡ ብምምልካት፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝበልዎ "ምያንማር ከይትርሳዕ" ንመላእ ዓለም ዘቕረብዎ ጻውዒት ክቕጽሉ እዮም" እንክብሉ ብምርግጋጽ፡ “ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምርኻብና ኣዚና ሕጉሳት ኢና፡ ናብ ዓድና ምስ ተመለስና ድማ ነቲ ናይዚ ርክብ እዚ መንፈስ ክንሕደስሶን ክንድልድሎን ኢና” ኢሎም።

ሚያንማር ካብ 2021 ጀሚሩ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ቀጻሊ ሓድሕዳዊ ግጭት ዘስዓበን ሞት ኣሽሓት ሰባትን ልዕሊ 3 ሚልዮን ድማ ተመዛበልትን ካብ ዘስዓበ እዋን ኣትሒዙ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣጋጢምዋ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ እታ ሃገር ኣብ መጋቢት 2025 ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት፡ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ከም ዘጋደዶን፡

"ነቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ድና ንቕዱስ ኣቦና ገሊጽናሎም፣ ብተመሳሳሊ ኵሎም ህዝቢ ምያንማር ጳጳሳት ካህናት ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምእመናንን ብርቱዕ እምነትን ተጻዋርነትን ኣለዎም፣ እዚ ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ ቤተ - ክርስትያን ምያንማር እናዓበየን ትድልድልን ኣላ" እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

06 Jun 2026, 18:15