ስክፍታታት ጳጳሳት ኤውሮጳ ብዛዕባ ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ንምምላስ ስደተይናታት ስክፍታታት ጳጳሳት ኤውሮጳ ብዛዕባ ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ንምምላስ ስደተይናታት 

ስክፍታታት ጳጳሳት ኤውሮጳ ብዛዕባ ሓድሽ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ንምምላስ ስደተይናታት

ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ዕለት 17 ሰነ ስደተይናታት ናብ ዝመጹለን ሃገራት ምምላስ ዝብል ሓድሽ ሕጊ ብ418 ናይ ደገፍን ብ218 ናይ ተቓውሞን ብ30 ናይ ተዓቅቦን ድምጺ ከም ዘጽደቐ ክሕበር እንከሎ፡ ኤጲስቆጶሳዊ ሽማግለ ጉባኤታት ሕብረት ኤውሮጳ ኣቦ መንበር ክታም ዘተነብሮ መልእኽቲ ኣቢሉ ብዛዕባ እዚ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ ዝፈጥረሉ ስክፍታታት ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ( COMECE ) "ዕለት 17 ሰነ ባይቶ ህብረት ኤውሮጳ ነቲ ሓድሽ ስደተይናታት ናብ ዝመጹለን ሃገራቶም ምምላስ ዝእዝዝ ዘጽደቖ ሓድሽ ናይ መመሓደሪ ሕጊ” ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገለ መዳያት ናይቲ ሓድሽ መቆጻጸሪ ሕጊ ንኣድማዒ ሓለዋ መሰረታዊ መሰላትን ክብርን ተቓላዕቲ ሰባት ከዳኽም ዝኽእል" እዩ እንክብል ዓሚቕ ስክፍታኡ የጉልሕ።

ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ( COMECE )

ሽማግለ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ( COMECE ) "ምስፍሕፋሕ ማእሰርቲ፡ ድሩትነት ኣድማዒ መሕወይታትን መፍትሒታትን፡ ከምኡ'ውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምውህሃድ ሓላፍነታት ናብ ሳልሳይ ሃገራት፡ ከቢድ ስነ - ምግባራውን ሰብኣውን ሕቶታት የልዕል" እንክብል ኣብቲ ብኣቦ መንበር ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ኣቡነ ማርያኖ ክሮቻታ ክታሞም ዘንበሩሉ መልእኽቲ የጉልሕ።

ስደት ብዛዕባ ኣሰራርሓን ጭብጥታት ብኣሃዝ ናይ ምቕራብን ሕቶ ኣይኮነ

"ስደት ናይ ኣገባባት፡ ጭብጥታት ብኣሃዝ ናይ ምቕራብ ወይ ምሕደራ ዶባት ጥራይ ኣይኮነን። ንደቂ ሰባት ዝምልከት እዩ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን፡ ነፍሲ ወከፎም ዘለዎም ዘይግሃስ ክብሪ ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ውሳነ  ክቐመጥ ኣለዎ” እንክብሉ ኣቦ መንበር ሽማግለ ጉባኤታት ጳጳሳት ህብረት ኤውሮጳ ክሮቻታ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣጒሊሖም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ደሴታት ካናሪ ዝገበርዎ ዑደት ብፍላይ ዛዕባ ስደትን ስደተይናታትን ዝበልዎ ብምዝካር፣ ኣብቲ እዋን እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ፣ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝኾኑ፣ ወይ ድማ ካብ ውግእ፣ ዓመጽ፣ ስደት፣ ጥሜት ወይ ዕንወት ምህዳር" ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱ "ክፍሊ ስድራ ቤትና  ዝኾኑ” ዘይንግደስ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የቃልሑ።

ጻውዒት ጳጳሳት፡ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ሽማግለ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ ( COMECE )፥ ስለዚ ሕግታትን መመሓደርን ስደትን ዕቝባን ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ ክብረት መሰረታዊ መሰላት መሰል ዕቝባ ናይ ምሕታት ሓድነት ስድራቤት ምሕላው ከምኡውን ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ፍሉይ ቈላሕታ ኣብ ምግባር ዝተሰረተ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቡ። ድሕንነትን ሓድነትን ኣንጻር መሰረታዊ ስርዓታት ኣይኰኑን፤ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም እዮም ዝኸዱ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሱር ጠንቂ ስደት ምፍታሕ

ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 ንማሕበረሰብ ዓለም ዝገበርዎ ጻውዒት ዝጽንበር መልእኽቲ ሽማግለ ጉባኤታት ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ: "መበቆል ሃገራት፣ መተሓላለፍን መዕለብን ሃገራት ኩለን ነቶም ሰባት ክስደዱ ዘገድዱ ሱር ጠንቅታት ናይ ምፍታሕን ነቶም ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉ ናይ ምክልኻልን ሓላፍነት ይካፈሉ"

ናይ ምስዳድ መሰል፡ ግን ከኣ ናይ ምጽናሕ እውን ኣሎ

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ ሓለዋ ናይ ምሕታት መሰል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ኲናት፡ ስደት፡ ድኽነት፡ ብልሽውና፡ ወይ ከባብያዊ ዕንወት ካብ ዓዱ ከይስደድ እውን መሰል ኣለዎ። ናይ ሎሚ ድምጺ ካብ መመሓደሪ ሕግታት ስደት ንላዕሊ ዝምልከት እዩ። ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ኤውሮጳ ክንሃንጽ ንደሊ ዝብል ሰፊሕ ሕቶ የልዕል። ኣብዚ ወሳኒ ህሞት ኤውሮጳ ንዘቝምዋ ክብርታታ ክትክሕድ ዘይኮነስ ብትብዓትን ብጥበብን ብሰብኣውነትን ዳግማይ ከተረጋግጽ ተጸዊዓ ኣላ” እንክብሉ ጳጳሳት ኤውሮጳ የጒልሑ።

ብማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዕለት 18 ሰነ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ጸሎት

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዋዜማ 20 ሰነ ዝኽበር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት፡ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ምስ ካልኦት ኣብ ሃገሮም ካብ ኲናት ወይ ዘይዘላቒ ኩነታት ንዝሃደሙ ሰባት ንምቕባልን ንምውህሃድን ዝውፈፈያ ትካላት (ማእከል ስደተይናታት ኣስታሊ፡ ጨንፈር ካሪታስ ኢጣሊያ፡ ትካል ሓልዮ ስደተይናታት፡ ፈደራላዊ ማሕበር ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ፡ ማሕበረሰብ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23፡ ማሕበር ክርስቲያን ሰራሕተይናታት ኢጣሊያ፡ ኣህጉራዊ ስካላብሪኒያን መርበብ ማሕበር ኮምቦኒ ንኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመዛበልትን) ብምትሕብባር "ብተስፋ ምሟት" ዝብል መደብ ጸሎት ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ መርያም ዘትራስተቨረ ከም ዝዳለወን፡ ኣብዚ "እቶም ካብ 1990 ጀሚሮም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ወይ ኣብ ካልእ ብመስመር መሬት ስደት ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ ህይወቶም ዝሰኣኑን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን 77 ሽሕ ሰባት ክዝከሩ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፡ 28.8% ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን” ኣብ ጉዕዞ ስደት ከም ዝሞቱ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

18 Jun 2026, 15:58