ህንዳዊ ካርዲናል ፑላ 'ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas' ንጹር ሞራላዊ ቡሶላ እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓንቲ ካብተን ብሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ብንጥፈት ዝማዕብላ ሃገራት ዝኾነት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ ማግሩም ሰብኣውነት - Magnifca humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ብሓጎስ ይቕበሎ።
ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ እቲ ናይ መጀመርያ ዓዋዲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ብወግዒ ምስ ተዘርገሐ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ንብድሆታት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምግጣም" "ስነ-ምግባራዊ መምርሒ" ኢሎም ብምግላጽ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ንህዝቢ ህንዲ ዘጋጥሞ ህጹጽ ብድሆታት ይምክት
ጳጳሳት ህንዲ ብፍላይ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ዘይምዕሩይነት፡ ምክትታልን ምትእኽኻብ ስልጣንን ንህዝቢ ህንዲ ብኸመይ ህጹጽ ብድሆታት ከም ዘምጽእን እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ዘለዎ ምርዳእን ብኸመይ ብሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ክገድድ ከም ዝኽእልን ኣነጺሮም ይኹን እምበር ሰናይ ኣጠቓቕማ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎት ብፍላይ ጠቓሚ ምዃኑ እውን የስተብህሉ።
ጳጳሳት ህንዲ ከም ዝገለጽዎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም "ማእከላይነት እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሰብ" ከምኡውን እደ ጥበባዊ ምዕባለ "ኣብ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ሓባራዊ ጥቕምን እተመስረተ ስነ - ምግባራዊ ስርዓታት ክምራሕ" ከም ዘለዎ ብምጕላሕ ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ትኽክለይናን ሚዛናውን ኣመለኻኽታ - የቕርቡ።
ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክቡር ኣበርክቶ
እቶም ጳጳሳት ነቲ ጽሑፍ "ንማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ክቡር ኣበርክቶ" እንክብሉ ብምግላጽ፣ እዚ ድማ ምስቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ሓደስቲ ነገራት - Rerum novarum ዘለዎ ቀጻልነት ኣጒሊሖም፡ ብመሰረት ማዕከን ዜና ቫቲካን ፊደስ ፣ ብኣስታት 20 ሚልዮን ምእመናን ዝቖመት ኣብ ህንዲ እትርከብ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሰበኻታትን ትካላት ትምህርትን ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ተጠቒማ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምምሃርን ንቕሓት ንምዕባይን ትሓስብ ኣላ።
ኣብ ህንዲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዝርገሐ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ሕብረተሰብን ዝፈጥሮ ለውጢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጉባኤ ጳጳሳት ህንዲ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ንጓሶት፡ መምህራን፡ ሓንጸጽቲ ሕግን ምእመናንን ክቡር መምርሒ ክኸውን ይምዕድ።
ጳጳሳት ብፍላይ ብናይ ህንጸት መደባትን ካቶሊካዊ ትካላት ትምህርትን ማሕበራዊ ሓዋርያዊ ተበግሶታትን ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ንምዕማቝን ንምዝርጋሕን ዘለዎም ተወፋይነት የረጋግጹ።
'ንጹር ግብረ ገባዊ - ቡሶላ'
ናይ ህንዲ ጉባኤ ጳጳሳት (CBCI) ኣቦ መንበር ካርዲናል ኣንቶኒ ፑላ፡ እቲ ሰነድ “ኣብ እዋን ቅልጡፍ እደ ጥበባዊ ለውጢ ንጹር ግብረ ገባዊ ቡሶላ” ከም ዘቕርብ ኣስሚሮም፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ካብቲ ቁጽጽር ዘይብሉ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ምክልኻል ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህንዲ "ኩሎም ካቶሊካውያንን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባትን ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ብመንፈስ ጸሎት ከንብቡን እደ ጥበብ ንውሁድ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ዘገልግለሉ ባህሊ ከዕብዩን የተባብዑ - ቢሎም - ኣብ ህንዲ እትርከብ ቤተክርስትያን፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ልዕሊ ዳሊት ዘለዎ ጽልዋ እውን ዘሻቕላ ምዃኑ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ጳጳሳት ታሪኻዊ ኣድልዎ ናይ ምግዳድ ሓደጋ ክዕዘቡ እንከለዉ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ብመሰረት ስነ - ምግባራዊ መትከላት እንተተጠቒምካሉ ዝዓበየ ሓቛፍነት ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል እውን ይግንዘቡ ይብል።
ፊደስ ከም ዝገለጾ ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ስነ - ምግባራውን ማሕበራውን ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ብፍላይ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ኣብ ተኣፈፍቲ ሰባትን ጽዑቕ ክትዕ ኣብ ዚካየደሉ ዘሎ እዋን እዩ ዚሕተም ዘሎ።
መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ሓደጋታት ስራሕን ናይ ምቁጽጻር መዳያትን ከተኵራ ኣለወን
ብተወሳኺ፡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ህንዲ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ከም ዝሰሓበ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና እንክሕብር፡ ንኣብነት ዘ ሂንዱ (The Hindu) እተሰምየ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣጽዋር ዝፈተሐ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ" እንክብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምጉላሕ፣ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ህንዲ ግቡእ ናይ ምቍጽጻር ስጕምትታት ክትወስድ ዝምሕጸን "ዓለምለኻዊ ስነ - ምግባራዊ ኣዋጅ" እንክብል ይገልጾ።
እቲ ሂንዱ እተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ርኡይ ጽላት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ልዕሊ ስራሕ ከስዕቦ ዝኽእል ልዑል ሓደጋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ስራሕ ትኹረት ክገብር ከም ዝጸነሐ ብምምልካት፡ ኣስዕብ ኣቢሉውን ኣብ ህንዲ ዝርከባ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ንመስርሕ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎት ጥንቁቕ ምቁጽጻር ክግበር ዘቕረቦ ጻውዒት ከምኡውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሰባትን ሓባራዊ ጥቕምን ንምዕቋብ ብኣጽንዖት ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓንጐፋይ ቢለን ከም እተቐበለ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር።