2026.06.05 Fr. Alfonsso 2026.06.05 Fr. Alfonsso 

ታሪኽ ሕይወትን ዜና ዕረፍትን ክቡር ኣባ እስጢፋኖስ ብርሃነ ማሕበር ኡሳን ኣኃው ካፑቺን

“ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ ነታ እምነት እውን ሓሊየያ እየ፣” (1ጢሞ 4፡7)። ክቡር ኣባ እስጢፋኖስ ብርሃነ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ዝሓለፈ ዕለት 31 ግንቦት ካብ ድኻም እዛ ዓለም ብሰላም ናብ ሰማያዊ ቤት ኣቦ ተሰጋጊሮም። ማሕበር ንኡሳን ኣኃው ካፒቺን ኤርትራ ታሪኽ ሕይወቶምን ዜና ዕረፍቶምን ጽሒፎም ዝልኣኹልና ነቕርበልኩም።

ኣባ የማነ ሃይሉ - ማሕበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺን

ክቡር ኣባ እስጢፋኖስ፣ ብዕለት 01 ሰነ 1932 ዓ.ም.ፈ፣ ካብ ነፍ. ኣቶ ብርሃነ መንግሥቱን ነፍ. ወ/ሮ ወለተንጉሥ የዕብዮን፣ ኣብ ደግራ-ልብኤ፣ ወረዳ ሠገነይቲ፣ ተወልዱ።

መባእታ ትምህርቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚካኤል ሠገነይቲ ድኅሪ ተኸታቲሎም፣ ማእከላይን ካላኣይን ደረጃ ትምህርቶም ድማ ኣብ ዓድወግሪ፣ ከተማ መንደፈራ፣ ተማሂሮም። ብባህጊ ዝጀመርዎ ፍራንቸስካዊ ሕይወት ኣጽኒዖም ስለዝሓዙ፣ ቀኖናዊ ዓመተ ተመክሮ ኪገብሩ፣ ብ1953 ዓ.ም.ፈ.፣ ናብ ዓቢይ ገዳም ገጀረት ተሰጋገሩ። ኣብ ዓመቱ ብዕለት 02 ነሓሰ 1954 ዓምፈ፣ ንኡስ መብፅዓ ገበሩ፥ ትምህርቲ ፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ብምጥንቓቕ ድማ፣ ብዕለት 02 ነሓሰ 1957 ዓ.ም.ፈ.፣ ብዓቢይ መብፅዓ ናብ ኣምላኽ ተወፈዪ፤ ኵሉ ንክህነት ዘሰናዱ ትምህርቶም ምስ ወድኡ፣ ብዕለት 11 ሰነ 1960 ዓ.ም.ፈ.፣ መዓርገ ክህነት ለበሱ።

ድኅሪ ክህነቶም፣ ኣገልግሎቶም ን5 ዓመት ኣብ ነፋሲት፣ ከምኡ ን8 ወርኂ ኣብ እምባትካላ፥ 1 ዓመት ኣብ ምሕላብ፣ ብዝተፈላለየ መዝነት ድኅሪ ምግልጋል፤ ካብ ምሕላብ ንዒላበርዕድ ምስ ተላእኩ፣ ካብ ጀርዲን ደነዳይ እናተንቀሳቐሱ፣ ን11 ዓመታት ዚኣክል፣ ኣብቲ ጽንኩር እዋን፣ ካብ ግላዊ መንፈሳዊ ቅንኣት ተላዒሎም፣ ሕዝቢ ኣገልግሎት ምሥጢራት ከይጐድሎም፣ ሥሩዕ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ጕስነት ስለዘይነበሮም፣ ኣብ ከባቢ ዓድታት፣ ጉሽ፣ ሓድሽ ዓዲ፣ ዋስደምባን ካልእን፣ ደኺመ ከይበሉ፣ ለይቲ ምስ መዓልቲ እናተወናጨፉ፣ ዘይርሳዕ ኣሰር ግደፉ። ሕዝቢ እቲ ከባቢ፣ “ፓድረ ኣልፎንሶ” ብዝብል ስም ደኣ’ምበር፣ ብናይ ሓበሻ ስሞም፣ “ኣባ እስጢፋኖስ” ክብሉ ይጽውዕዎም ኣይነበሩን።

ብ1976 ዓ.ም. ሕዝቢ እቲ ከባቢ፣ ናይ ሎሚ ኤደን፣ ብትእዛዝ መንግሥቲ ኃይለሥላሴ ኣብ ሓደ ቦታ ክጥርነፍ ጽኑዕ ትእዛዝ ምስ ተዋህበ፣ ካብ ካምፖ እናተመላለሱ የገልግልዎ ነበሩ። ካበየ ገጠሩ ዝተኣከበ ሕዝቢ፣ ታቦታቱ ሒዙ ስለዝመጸ፣ ንዅሉ ዘማእክል ክኸውን፣ ሓደ ታቦት ንግበር፣ ነዚ ታቦት እዚ ከኣ ደብረ መድኃኔ ዓለም ንበሎ ብምባል፣ ምስ ሕዝቢ ተላዚቦም፣ ነዛ ሎሚ ግርማ ናይ ሓውሲ ከተማ ኤደን ዝኾነት ቤተክርስትያን ደብረ መድኃኔ ዓለም መሠረት ዝኾነት ንእሽቶ ቤተክርስትያን፣ ማለት ከም ቤተ ጸሎት መድኃኔ ዓለም፣ ኣስሪሖም። እዛ ቤተ ጸሎት፣ ብ2000 ዓ.ም.ፈ.፣ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ኣቡነ ተስፋምርያም ብድሆ፣ ናብ ደረጃ ቊምስና ኣደየብዋ፣ ዝኽሪ ምምሥራት ወርቃዊ ኢዮቤልን ዝኽሪ ምሥያም ቊምስና ብሩራዊ ኢዮቤልን፣ ኣብ መድኃኔ ዓለም ግንቦት፣ 2026 ዓምፈ ድማ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ጸምበሉ።

ቀጺሎም ኣባ ኣልፎንሶ፣ ናብ ሽዕብን ስዒቡ ድማ ናብ ደበረ በኣታ ለማርያም - ገዛ ባንዳ ኣሥመራ፣ ዓሰብ፣  ኣቑርደት፣ ከምኡ ካብ እምባትካላ እናወፈሩ ንምእመናን ጊንዳዕን፣ ምስ ጉስነት ነፍሳት ዝተኣሳሰር ኣገልግሎት ኣወፈዩ። 

ብዕለት 28 ነሓሰ 1988 ዓምፈ፣ ኣብቲ ጽንኩር ጊዜ ገድሊ ነጻነት ኤርትራ፣ ንባፅዕ ተላእኩ። ውሑዳት ግን ዝመረራ ዓመታት ክህነታዊ ኣገልግሎቶም ድማ ነበራ፤ እዚ ማለት ከተማ ባፅዕ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተገብረ ጽንኩር ኲናት፣ ሕዝብና ብደርጊ ክሃልቕን ክከላበትን፣ ኣባ ኣልፎንሶ ኣብ ማእከል እቲ ብርቱዕ እቶን፣ ከም ሓለቓን ቆሞስን ኰይኖም፣ ምስ ሕዝቦም መሪር ጽዋዕ ተቐበሉ። ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ብርቱዕ ህልቂት እኳ እንተረኣዩ፣ ብርቱዕ በሰላ እውን እንተገደፈሎም፤ ነፍሰጾር ክትሕርስ ብርቱዕ ከም እትጸዓር፣ ውላዳ ሕቑፍ ምስ ኣበለት ግን፣ ንዝጸንሐ ጻዕረ ሕርሲ ከም እትርስዖ፣ ፓድረ ኣልፎንሶ፣ ወደባዊት ከተማ ባፅዕ ነጻ ኰይና ብዓይኖም ምስ ረኣዩ፤ ካብ ሞትን ምብትታትን ዝመለቑ መእመናኖምን ሕዝቢ ባፅዕን ክምለስ ብምርኣዮም፤ ተደቢሶም ንኣምላኽ ኣመስጊኖምን።

ካብዚ፣ ኣብ ዕለት 15 ጥቅምቲ 1991 ዓ.ም. ካብ ባፅዕ ንሰንዓፌ፣ ተላኢኾም፣ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል፣ ከም ሓለቓን ገዳምን ቆሞስን ኰይኖም ኣገልገሉ።

ብዕለት 01 መስከረም 1993 ዓምፈ፣ ነቲ ካብ ስደት ሱዳን ዝተመልሰ ሕዝብና፣ ኣብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ተሰነይ ኣብ ምቕባል፣ ናይ ኤጳርቅና ባረንቱን ንኡስ ዘርኣክህነት ኣብ ምትካል ምስ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ኣቡነ ሉቃስ ሚሌዚ ብዙኅ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣወፍዮም፣ ኣብ ተሰነይ ከም ሓለቓን ቆሞስን ኰይኖም እውን ኣገልግሉ። ድኅሪ ናይ 8 ዓመት ኣገልግሎት፣ ብዕለት 31 ሓምለ 2001፣ ንፍለዳርብ ተዘዋዊሮም፣ ከም ሓለቓን ምክትል ቆሞስን ኰይኖም ነርባዕተ ዓመት ኣገልጊሎም። ቀጺሎም ድማ፣ ብዕለት 30 መስከረም 2005 ንስተደተኛ ሕዝብና ክጓስዩ፣ ንከሰላ ተላእኩ፣ ን9 ዓመት ከም ቆሞስን፣ ስዒቡ ድማ ሽምግልና ስለዝመጸት፣ ንክልተ ዓመት ምኽትል ቆሞስ ኮይኖም ብምግልጋል፣ ን11 ዓመት ኣብ ከሰላ ጸንሑ፣ ብዕለት 11 መስከረም 2016 ዳግም ንተሰነይ ተጸውዑ፣ ከም ኣበነፍሲ ምእመናንን ተመሃርቲ ዘርኣክህነትን ኰይኖም፣ ንሸውዓተ ዓመት ኣገልገሉ።

ብዕለት 06 መስከረም 2023 ኣብ ደብረ ቅዱስ እንጦንዮስ ከረን፣ ከም ኣበነፍሲ ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ፤ ሽምግልና ስለዝመጸት ጥዕና እውን ዝተወዶም፣ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2024 ኣብ ገዳም ገጀረት ኣሥመራ ኣብ ዝርከብ፣ ናይ ዝሸምገሉን ዝሓመሙን ኣኅዋት መእለይ ተመዲቦም፣ ውራይ ጸሎቶምን ጥዕናኦምን ከምዝገብሩ ተገብረ።

እግዚአብሔር ጸጋ ዕድመ ሂብዎም፣ በኅዋቶም ኮነ ብፈተውቶም፣ ብፍቕሪ ተላዒሎም፣ ምሥጢራት ቤተክርስትያን ብግቡእ ተቐቢሎም፣ ኣብ ምዝዛም በመበል 94 ዓመት ዕድሚኦም፣ ኣብ መበል 72 ዓመት ውፉይ ሕይወቶም፣ 66 ዓመት ክህነታዊ ኣገልግሎቶም፣ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጰራቅሊጦስ፣ ሰዓት 9.00 ቅ.ቀ.፣ ብቅዱስ ዕረፍቲ፣ ንሰማይ ተሳገሮም። ንጽብሒቱ ብዕለት 01 ሰነ ኣብ መካነ መቓብር ጸጸራት ሥርዓተ ግብኣተ መሬቶም ተፈጸመ።

ክቡር ኣባ እስጢፋኖስ ብርሃነ፣ ብተኣዝዞ ንዝመጸ፣ ነኅሉቖም እዚኣ እባ ምደለኹ ኢሎም ዘይፈልጡ፤ ገርሂ፣ ሕያዋይ፣ ሓጐስን ፍሽኽታን ዘይፍለዮም፤ ሠሪሖምን ስድራቤታት በጺሖምን ዘይሕለሉ፣ ምስ ኣኅዋቶም ኮነ ዘገልግልዎ ሕዝቢ ብሰላም ዝነብሩ፣ ልዙብን ጥዑምን ወዲ ፍራንቸስኮ ነበሩ። ብመጠን ዝሓለፈ ፍቕሪ ፈታዊ ማኅበሮምን፣ ሃገሮምን ጽጉም ሕዝቦምን ዝልለዩ ኣቦን ኃውን እዮም ዝነበሩ።

እግዚኣብሔር ኣቦ፣ ብቅዱስ መንፈሱ፣ ቤተክርስትያንና ብቅዱስ ጸዋዕታ ክባርኽ፣ ሃገርና ሕልውትን ዕቅብትን ገይሩ፣ ሃገር ሰላምን ዕረፍትን ይግብረልና እናበልና፤ ነቦናን ኃውናን ኣባ ኣልፎንሶ፣ እቲ ብተወፋይነት ዘገልገልዎ ኣምላኽ ጻማን ዘልዓለማዊ ሕይወትን ክህቦም ንልምን።

05 Jun 2026, 17:39