ዋዕላ ካቶሊካውያን ጋዜጠይናታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝመጹ ጋዜጠይናታት፡ ኣዳለውቲ፡ ሕትመትን ሰብ ሞያ ርክባትን፡ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 19 ሰነ ኣብ ከተማ ኣትላንቲክ ግዝኣት ኒውጀርሲ ኣብቲ ብማሕበር ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓት ኣብ እተዳለወ ዓመታዊ ዋዕላ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሃን ይሳተፉ ምህላዎም ክሕበር እንከሎ፡
"ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዘመልሕቕ ምህዞ” ብዝብል ቅዉም ነገር ዝተመርሐ ንካቶሊካውያን መራከቢ ብዙሓን ኣብ ሓደ መድርኽ ብምእካብ ኣብቲ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሃዋህው፡ ጋዜጠይናነት፡ ስብከተ ወንጌልን ስነ ኣሃዛዊ ርክባትን ዘጋጥሞም ብድሆታትን ዕድላትን ንኸስተንትኑ ዝድርኽ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሓን ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ ብምሕባር፡ እቲ ብዝዓረገ. መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተበገሰ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብ ምሉእ ሰሙን ተሳተፍቲ ኣብ መጻኢ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተን ቀንዲ መግለጺታትን ዘሳትፍ ምዃኑን ካብቶም ፍሉያት ዛዕባታት ጽልዋ ብስነ ኣሃዝ ኣተራቀ ምዕባለን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ዝብሉ ጠቒሱ፡ ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመነ ግጉይ ሓበሬታን ዝቕልቀሉ እደ ጥበባዊ ምዕባለታን ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዘለዎም ራእይ ዝድህስስ ናይ ዘተ መድርኽ እውን ዘጠቓልል ምዃኑ የረጋግጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒን ዕለት 1 ሕዳር እትትክኦም ማርያ ሞንትሴራት ኣልቫራዶ እውን ይሳተፋ ከም ዘለዋ ዜና ቫቲካን ይሕብር።