ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መሰናደዊ ክፍሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ መሰናደዊ ክፍሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ 

'ዓመጻ ዝያዳ ዓመጽ የምጽእ፡' ካቶሊካውያን ምእመናን ኣመሪካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክውገድ ይደልዩ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ 2025 ኣብ ልዕሊ ንሞት ዝተፈርዱ ሰባት ቅትለት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣደ መንበር ፈጻሚ ኣካል መርበብ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ኣመሪካውያን ካቶሊካውያን ምእመናን፡ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ብዛዕባ ሰብኣዊ ክብሪ፡ ካብ ጥንሲ ጀሚርካ ክሳዕ ባህርያዊ ሞት ዘለዋ ትምህርቲ ክድግፉ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2025 ኣብ ዝተፈላልያ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተፈሪዶም ዝጸንሑ 47 ሰብኡትን ኣንስትን ተቀቲሎም። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝነበረ ገምጋም፡ ቍጽሪ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ዘርኢ እዩ።

ክሪሳን ቫይላንኮርት ሙርፊ ከም ዝገለጸቶ፡ "እዚ ፍሉይን፡ ኣሰቃቕን ናይ ሞት መቕጻዕቲ እዩ፣ ብፍላይ ድማ ሕዝቢ ኣሜሪካ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ  ተቐባልነት ዘይብሉ ገይሩ ኣብ ዝርእየሉን፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውጋድ ዝግበር ምንቅስቓስ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉን ዘሎ እዋን ምዃኑ ብሓቒ ዘሕዝን እዩ።”  

ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውጋድን፡ መዐረዪ ፍትሒ ንምድንፋዕን ዝሰርሕ፡ መርበብ ምንቅስቓስ ካቶሊካውያን ዝተባህለ ናይ ጠበቓ ጕጅለ፡ ኣደ መንበር ፈጻሚ ኣካል ኰይና ተገልግል ዘላ እያ።

ንሳ ኣብ ሮማ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገበን ተሪር ስጉምቲ ከም ዝወስድ ንምርኣይ ዝጥቐሙሉ ቀሊል መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ግዝኣታት ድማ ፖሎቲካዊ ረብሓ ንምርካብ የገልግል እዩ” ኢላ።

ናይ ሞት መቕጻዕትን ክቶሊካዊ ትምህርትን

ነቲ ኣሃዛት ብዝርዝር ምስ እንምልከት፡ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ዘሎ ገዚፍ ፍልልይ የርእየና፣ ካብቲ ኣብ 2025 ዝተፈጸመ 47 ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ እተን 11 ግዝኣታት ጥራይ ክፍጽምኦ ከለዋ፡ እተን ዝተረፋ 39 ግዝኣታት ግን ዝኾነ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣይፈጸማን። እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ከም ዘመልክቶ፡ እተን 23 ግዝኣታት ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ምሉእ ብምሉእ ኣወጊደንኦ ይርከባ።

ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ 19 ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተፈጺሙ። እዚ ማለት ድማ ኣብታ ግዝኣት ኣብ 2025 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ሓደ ሰብ ይቐትል ከም ዝነበረ ዜመልክት እዩ። ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ ከም ዝገለጸቶ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሞት ፍርዲ ዝያዳ ናይ ውሕስነት ጕድኣትን፡ ዝያዳ ናይ ስድራቤታት ምብትታንን የምጽእ።

ንሳ ክትገልጽ ከላ "እዚ ነቶም ግዳያት ናይ ምጽንናዕ ስምዒት ወይ ፈውሲ ኣይፈጥረሎምን እዩ፣ እንታይ ደኣ ዝያዳ ዓመጽን ስቓይን እዩ ዘምጽእ። እዚ ዓመጽ ዝያዳ ዓመጽ ኣብ ዝወልደሉ ስርዓት፡ ተወሳኺ ጕድኣትን፡ ስቓይን፡ ግዳያትን ጥራይ እዩ ዝፈጥር” ኢላ።  

ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምስ ትምህርቲ ካቶሊክ ዚጋጮ እዩ። ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ( 2267) ብንጹር "ናይ ሞት መቕጻዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይግሃስን ክብርን ወዲ ሰብ ዚወርድ መጥቃዕቲ ስለ ዝዀነ ተቐባልነት የብሉን" ይብል።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14  ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2026 ግዝኣት ኢሊኖይስ መበል 15 ዓመት ምውጋድ  ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ዘኽበረትሉ እዋን ብምልኣት ከም ዝድግፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከም ዝለኣኹ ይዝከር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውጋድ ዝጣበቑ ደገፍ እህቦም ኣለኹ። ጻዕርታትኩም ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝያዳ ኣፍልጦ ንኽህቡ ክመርሖም፡ ንኻልኦት ከኣ ንተመሳሳሊ ፍትሓዊ ዕላማ ንኽዓዩ ከተባብዖም እጽሊ ኣለኹ" ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንሰብኣዊ ክብሪ ኣብ ርእሲ ምድካም፡ ነቶም ጕድኣት ዘውርዱ ሰባት ተሓተትቲ ንምግባርን፡ ተወሳኺ ገበን ንኸይፍጽሙ ንምክልኻልን ኣድላዪ ኣይኰነን።

ምሕረት ንኽትረክብ ፍሉይ ኣጋጣሚ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኦሃዮ 114 ሰባት ኣብ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐሚጦም ኣለዉ፣ ካብዚኣቶም እቶም 28 ናይ ይግባይ መስርሕ ወዲኦም ኣለዉ።

ብመሰረት ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ፡ ኣመሓዳሪ ኦሃዮ ማይክ ደዋይን፡ ስልጣኑ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2027 ቅድሚ ምውዳኡ፡ 2 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም ንዅሎም 114 ሰባት፡ ናይ ሞት ፍርዲ ንምቕያር ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎ።

ኣመሓዳሪ ደዋይን ካቶሊካዊ ምእመን ኰይኑ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ከም ዚጻረሮ ብግህዶ ገሊጹ፣ ኣብ ኦሃዮ ን8 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ድማ ንናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣወጊድዎ ይርከብ።

"ሕይወት ሰብ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ” ዝበለት ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ፡ “ጕድኣት ምስ ኣጋጠመ እውን ከይተረፈ ንድሕነት ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ንኽእል ኢና፣ እንደገና ድሕንነት ሕብረተሰብ ክንሕሉን፡ ንገበነኛታት ተሓተትቲ ክንገብሮምን ንኽእል ኢና። እዚ ከኣ ንኣመሓዳሪ ደዋይን ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ" ክትብል ኣስሚራትሉ።



ንዓመጽ ሕይወት ኣኽቢርካ ምውጋድ

እቲ ንናይ ሞት ፍርዲ ምሽልሻል ነቲ ንሞት ዝተፈርደ ሰብ ካብ ሞት የድሕኖ፣ እዚ ማለት ከኣ ብዘይ ናይ ሞት ፍርዲ ንሕይወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኑ የገልግል እምበር ናጻ ክወጽእ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።

ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ክርአ ኸሎ፡ እዚ ነቲ በዳሊ ካብ ሓጢኣቱ ንኺንሳሕን፡ ነቲ ዓንኬል ዓመጻ ኣብ ክንዲ ዚቕጽሎ ደው ኬብሎ ኣጋጣሚ ይኸፍተሉ እዩ።

ወይዘሮ ቫይላንኮርት ሙርፊ፡ "ነቶም ግዳያት ተጠንቂቕና ክንሕዞም ኣለና፣ ነቲ ዝወረዶም ጕድኣትን፡ ዓመጽን ንምፍታሕ ክንጽዕር ከምኡውን ናብ ምሕዋይ ዚመርሕ መገድታት ንምምጻእ፡ ምናልባት እውን ይቕረ ኺብለሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚታት ክንፈጥር ኣሎና” ትብል።

ቀጺላ፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ በብቝሩብ ኣብ ምርጫ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ ካቶሊካውያን ንዓለም ካብ ጥንሲ ኽሳዕ ተፈጥሮኣዊ ሞት፡ ንሕይወት ኣኽብሮት ከም ዚህቡ ዚሕብር ሓያል ስነ-ምግባራዊ መብራህቲ ኺህቡ ኸም ዚኽእሉ ገሊጻ።

"ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቤተ-ክርስትያን ንቕድሚት ክትስጕም የተባብዕዋ ከም ዘለዉን፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን፡ ንዓለምን፡ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ንሕይወት ከነኽብር ከም እንኽእልን፡ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምስ እምነትና ዝጻረርን ምዃኑ ንምርኣይ ግልጺ ከም ዝገበርዎ" ትገልጽ።

 

 

 

20 Jun 2026, 12:53