2026.06.02 Don Haile Tesfamariam 2026.06.02 Don Haile Tesfamariam 

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ነፍሲ-ኄር ክቡር ኣባ ኃይለ ተስፋማርያም

ቪንቸንሳውያን ማሕበረ ልኡካን ኤርትራ፣ ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር ኣባ ኃይለ ተስፋማርያም፣ ታሪኽ ሕይወቶምን ዜና ዕረፍቶምን ጽሒፎም ዝለኣኹልና ነቕርበልኩም። ክቡር ኣባ ኃይለ ተስፋ ማርያም (ው.መ.) ኣባል ቪቸንሳዊ ማሕበር ልኡካን ካህናት ናይ ኣውራጃ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ኢዮም።

ካብ ማሕበር ልኡካን ላዛሪስት ኤርትራ

“ኣነ ግና ኣገልግሎተይ ክሳዕ ዝፍጽምን፡ እቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝሃበኒ ዕዮ ክሳዕ ዝውድእን፣ ንሕይወተይ ኣየናሕስየላን ኢየ። ከም ክብርቲ ገይረውን ኣይርእያን ኢየ። ኣገልግሎተይ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምስባኽ ኢዩ” (ግሓ 20:24)።

“መዓልቲ ሞተይ በጺሓ ኢያ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ ኢየ፡ ጉያይ ወዲኤ ኢየ፣ ነታ እምነት ውን ሓልየያ ኢየ፡ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። (2ጢሞ፡ 4፡7-8)

ቀዳም ዕለት 16 ግንቦት 2026 ንኣውራጃና ዘይተጸበናዮ ኣብ መበል 59 ዓመትን 5ተ ወርሕን ዕድሚኦም ዝዓረፉ ሞት ናይ ክቡር ሓውና ኣባ ኃይለ ዘርደአትና መዓልቲ ኢያ ዝነበረት። ኣዝዩ ዘሰንብድን ንኽትጸሮ ዝኸብድን መርድእ ኢዩ ኔሩ። ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ንኽትኣምኖ ዘጸግምን ሞት ኣቦናን ሓውናን ግን ፍቓድካ ይኹን ኢልና ክንቅበሎ ንርከብ።

ክቡር ኣባ ኃይለ፡ ካብ ኣቶ ተስፋማርያም ዮሴፍ ሞሣን ካብ ነፍስኄርት ወ/ሮ ሕይወት ተስፋጋብር ቀለተን ብዕለት 20 ታሕሣስ 1966 ፈረ. ኣብ መበቆል ዓዶም ሠገነይቲ ተወልዱ። ብዕለት 12 ጥሪ 1966 ከአ ብክቡር አባ ተኽለሚካኤል ተኪኤ ዝበሃሉ ካህን፣ ኃይለሥላሴ ብዝብል ስም ተጠምቁ። ብ1974 ዓ.ም. ብብጹዕ አቡነ አብርሃ ፍራንሷ ምስጢረ ሜሮን ተቐብኡ።

ዕድመ ትምህርቲ

ዕድሜኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካብ 1ይ-2ይ ክፍሊ፣ ካብ 1970-1972 ዓ.ም.ፈ.፣ አብ አሥመራ ከባቢ ገዛ ከንሻ ተማህሩ።

  • ካብ 3ይ-4ይ ክፍሊ፣ ካብ 1973-74 ዓ.ም. አብ ትውልዲ ዓዶም ሠገነይቲ ተማህሩ፥
  • ብድሕሪኡ ካብ 1975-1983 ዓ.ም.፣  ማለት ን8ተ ዓመታት ትምህርቲ አቋሪጾም፣ ባሕርን ዓድን እናበሉ፣ ምስ ስድራኦም ኣብ ጉስነት ኣተዉ።
  • ካብ 1983-84 ዓ.ም. አብ ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚካኤል ሠገነይቲ ካብ 5ይ-6ይ ክፍሊ ተማህሩ፥
  • ካብ 1985-1986 አብ ታሕታይ ቤት ትምህርቲ ሠገነይቲ፣ ካብ 7ይ -8ይ ክፍሊ ተማህሩ፣
  • ብ 1987 ዓ.ም. እግዚኣብሔር ብዘሕደረሎም ጸዋዕታ፣ ናብ ገዳም ማኅበረ-ልኡካን አብ አሥመራ አተዉ፣
  • ካብ 1987-1990 ዓ.ም. አብ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መድኃኔ ዓለም ኣሥመራ ትምህርቶም ዛዘሙ።
  • ብድኅሪ’ዚ ብዕለት 20 ሓምለ 1990 አብ ገዳመ ኣቡነ ያዕቆብ ሔቦ፣ ዓመተ ተመኩሮ ጀመሩ። ምስቶም በቲ ግዜ እቲ አቦ ተመክሮ ዝንበሩ፣ ክቡር አባ ሓጎስ ተወልደ ኮይኖም ከኣ፣ ኣብ ዓመቶም ተመክሮኦም ዛዘሙ።
  • ካብ 1991-1993 ዓ.ም. ፍልስፍና አብ አሥመራ ተማህሩ፥
  • ካብ 1993-1995 ካብ ማኅበር ወጺኦም ብደገ ኮይኖም አብ ደቀምሓረ ከም መምህር ኮይኖም ሰርሑ።
  • ድኅሪ ክልተ ዓመታት ማለት ኢዩ፣ ናብ ማኅበር ተመሊሶም ካብ 1996-1999 አብ ተቅዋመ ፍልስፍናን ትምህርተ-መለኮትን አቡነ-ሰላማ ከሳቴ ብርሃን አሥመራ ንባበ መለኮት (ተሎግያ) ተማህሩ። 
  • ብዕለት 20 መስከረም 1998 ዓ.ም. ብዓብይ መብጽዓ ናብ ኣምላኽ ተወፈዩ። 
  • ብዕለት 21 የካቲት 1999 ዓ.ም. ብኢድ ብጹዕ አቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፣ አብ አሥመራ መዓርገ ዲቁና ተቀበሉ።
  • ብዕለት 11 ሓምለ 1999 ዓ.ም.ፈ. ብኢድ ብጹዕ አቡነ ዘካርያስ ዮሓንስ፣ አብ አሥመራ ምስ ክልተ ኢትዮጵያውያን ቪንቸንስያውያን ደቂ ማኅበሮም መዓርገ ክህነት ለበሱ።

ክህነታዊ አገልግሎት

  • ካብ 1999-2000 ዓ.ም. አብ ቁምስና እምባጋልያኖ ከም ምክትል ቆሞስ ኮይኖም ኣገልገሉ፥
  • ካብ 2000-2001 ዓ.ም. አብ ደቀምሓረ ሓላፊ ናይ ተመሃርቲ፥ ተወሳኺ ብናይ ጸሓፍን አተሓሕዛ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ጨንፈር መንበረ ጥበብ አሥመራ ተማህሩ፣
  • ካብ 2001-2003 ዓ.ም. አብ ካቶሊካዊ ቤት ጽሕፈት ሰበኻ አሥመራ፣ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተመደቡ። ካብዚ ን10 አዋርሕ ዝኸውን በቲ ሥራሕ ምኽንያት፣ ብደረጃ ሰበኻ አስመራ ንኬንያ (ኤልዶረት) ንናይ ሓዋርያዊ ምዕባሌ (Pastoral development) ተማህሩ።
  • ብዕለት 30 ግንቦት 2003 ዓ.ም. አብ መንጎ መስመር ነፋሲት ደቀምሓረ ዝርከብ ክሳድ ቀጸላ ዝበሃል ቦታ፣ ከቢድ ሓደጋ መኪና አጋጢሙዎም፣ ኣስታት 100 ሜትሮ ኣንኮራርዮም፣ ብኃይሊ ኣምላኽ ግን ብሕይወት ተሪፎም። ካብዚ ዘውጸኣኒ ኣምላኽ ተመስገን ኢሎም ከኣ፣ ከም ሞሳ መግለጺኦም ኣብ ኩሉ ጽሑፋቶም ኮነ መጻሕፍቶም ከኣ ውጻእ መዓት (ውመ) ዝብል ቅጽል ነበሮም።
  • ካብ 2003-2005 ዓ.ም. ሓላፊ ናይ ተመከርቲ አብ ገዳመ ሔቦ ኮይኖም ኣገልገሉ፥
  • ካብ 2005-2006 ዓ.ም. ቆሞስ አብ ሔቦ ኮይኖም ኣገልገሉ።
  • ካብ 2006-2009 ዓ.ም. ናብ ዓዲ-ጥልያን (ሮማ) ተላኢኾም፣ ሕገ-ቀኖና ናይ ምብራቓውያን ካቶሊካውያን አብያተ ክርስትያናት ተማህሩ። ብ 2009 ዓ.ም. ካብ ወርሒ ሰነ - ጥሪ፣ ንኅቡራት መንግሥታት አሜሪካ ተላኢኾም ንቋንቋ እንግሊዝ ተማህሩ።
  • ብ 2010 ዓ.ም. ንሃገሮም ተመሊሶም - ን 8ተ አዋርኅ አብ እምባጋልያኖ ከም ምክትል ቆሞስ ኮይኖም ሠርሑ።
  • ካብ 2010 -2015 አብ እምባጋልያኖ ከም ሓለቓ ገዛን ጸሓፊ አውራጃን፡ ምሳኡ ተወሳኺ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ፈረ. አብ መንፈሳዊ ቤት-ፍርዲ ናይ ኤጳርቅና አሥመራ ከም ቃውመ-ኪዳን፣ ከም ተወሳኺ ካብ ዕለት 22 ኅዳር 2013 ፈረ. ክሳብ 2015 ፈ.ረ. ናይ ደናግል ደቂ-ፍቕሪ ዳይረክተር ኮይኖም ሰርሑ። አብዚ እዋን’ዚ አብ ተቅዋመ ፍልስፍናን ትምህርተ-መለኮትን አቡነ-ሰላማ ከሳቴ ብርሃን አሥመራ፣ ንክልተ ዓመት መምህር ናይ ሕገ ቆኖና ኮይኖም መሃሩ።
  • ካብ ጥቅምቲ ናይ 2015 – 2018 ጀሚሮም ከም ሓላፊ ናይ ገዳመ ሔቦን፣ ናይ ተመከርትን ናይ ናእሽቱ ተመሃርንትን፣ አባል ቤት ምኽሪ አውራጃ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብን ኮይኖም ኣገልጊሎም።
  • ካብ 2019 - 2021 ንሃገረ ኖርወይ ክለኣኹ ኣብ ምቅርራብን፣ ጽሓፊ ኣውራጃን ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 2022 ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ንሃገረ ሽወደን ተላኢኾም ሓወርያዊ ኣገልግሎቶም ፈጺሞም።

ብቀዳም ዕለት 16 ግንቦት 2026 ዓ.ም. ሃንደበት ኣብ መበል 59 ዓመትን 5ተ ወርሕን ዕድሚኦም፣ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። (ቅድሚ ትማሊ ዕለት 30 ግንቦት መኪና ሓደጋ ካብ ዝገጥሞም ልክዕ 23 ዓመቶም ኮይኑ)፣ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 01 ሰነ 2026 ኣብቲ ዘገልገሉሉ ዝንበሩ ሃገረ ሽወደን፣ ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።

ፍሉይ ዝምባለ ኣባ ኃይለ፡

ክቡር ኣባ ኃይለ ኣብ ሓዋርያዊ ስራሕ ምስ ሕዝቢ አብ ቁምስና ምስራሕ፣ ብፍላይ ከኣ አብ ንብኡሳት ምዕራቕን ምስ መንእሰያት ምስራሕን፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ንሕጻናት ትምህርተ ክርስቶስ ምምሃርን ምክትታሎምን ዝፈተዉን ዘመስከሩን ኢዮም ኔሮም።

ዝገበሩዎ አበርክቶ

ንማኅበርን ንመላእ ቤተክርስቲያንን ንእሽቶ አበርክቶ ክኾና ብማለት ካብ ዘቕረቡወን ጽሑፋት

  1. ካቶሊካውያን ከ ድኂኖም ድዮም? ብ2012 ፈረ.
  2. “ካህናቲከ ይለብሱ ጽድቀ…” ብ2015 ፈረ
  3. ቃል-ኪዳን - አብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን፡ ትርጉሙን፥ ግድላቱን፥ አፈታትሓኡን ብ2017 ፈረ.
  4. ዕዉት ጉዕዞ መንእሰይ እትብል መጽሓፍ
  5. ካልእ ናእሽቱ ጽሑፋትን ብምብርካት ዓቢ ኣበርክቶ ዘገበሩ ኣቦ ኢዮም።

“ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓትን ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ምምዓድ ከም ዘየብኮርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። ሕጂ ከኣ ንኣምላኽን ንዓኹምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኣማኅጽነኩም ኣለኹ። ኣነ ናይ ሓደ ሰብ ብሩር ወይ ወርቂ ኣይተመነኹን። . . . ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ፣ ‘ካብ ዚቕበልሲ ዝህብ ኣዚዩ ይባረኽ’ ዝብሎ ቃል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ ብዂሉ ኣርእየኩም ኣለኹ። እዚ ምስ በለ ከኣ ምስ ኩሎም ኮይኑ ተምበርኪኹ ጸለየ። ኲላቶም ከኣ ብዙኅ በኸዩ፣ ንጳውሎስ ከኣ ብኽሳዱ ሓኒቆም ሰዓምዎ። ካብ ኲሉ ከኣ ስለ እቲ “ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩንን ኢኹም ዝበሎም ቃል ኣዝዮም ጐሃዩ፣ ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ”። (ግሓ 20፡31-38)።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና! ንኽቡር ኣቦና ኣባ ኃይለ ተስፋማርያም ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም። ንማኅበር ኮነ ንስድራቤት ከኣ ጽንዓት ይሃበና። ኣምላኽ ንማኅበርና ከም ኣባ ኃይለ ዝመስሉ ተካእቲ ይፍጠረልና።

02 Jun 2026, 12:39