ድለ

2026.06.15 Fr. Elias 2026.06.15 Fr. Elias 

ዜና ዕረፍትን ሓጺር ታሪኽ ሕይወትን ክቡር ኣብ ኤልያስ ፍሥሓ ዘማሕበረ ሲታዉያን

ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር ኣብ ኤልያስ ፍሥሓ ዘማሕበረ ሲታውያን፣ ገድመ ሲታውያን ኣስመራ ጺሒፎም ዝለኣኹልና ዜና ዕረፍቶምን ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶምን ነቕርበልኩም።

ማሕበር ሲታውያን ኤርትራ

መነኮስ ካህን ዘማኀበረ ሲታውያን ክቡር ኣባ ኤልያስ ፍሥሓ ኣብ መበል 90 ዓመት ልደቶምን 71 ዓመት ናይ ምንኵስናኦምን 64 ዓመት ክህነታዊ ኣገልግሎቶምን ብሰንበት 07 ሠነ 2026 [ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ.] ድሮ ዕለተ ዕረፍቲ ክቡር እምክቡራን ኣባ ፍሥሓ ገብረ ኣምላኽ ኣብ ገዳም ምኔት ደብረ ፍልሰታ ዘማኀበረ ሲታውያን ኣሥመራ ዓሪፎም።

ንሶም ብ14 ሠነ 1936 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓድዜኑ [ማይጻዕዳ - ሰራዬ] ተወልዱ። ወለዶም ኣቶ ፍሥሓ የዕብዮ፣ ወዘሮ ለተኺዳን ገብረሥላሴ ዝተባህሉ ሰበኺዳን ካቶሊካውያን እዮም። ብ21 ሠነ 1936 ብሊቀ-ሊቃውንቲ ቀሺ ወልደማርያም ክፍሉ እንኪጥመቑ “ወልደዋህድ” ተባህሉ። ስድራቤቶም ብ3ተ ኣኃትን 2ተ ኣኅዋትን ዝተባረኸት ስድራቤት ነበረት።

ብክቡር ሓወቦኦም ኣባ ገብረማርያም የዕብዮ ተዀስኵሶም፣ መነኮሳን ሲታውያን ብወርሒ የካቲት 1948 ካብ በለዛ ነሥመራ መካነገነት ኪግዕዙ ከለዉ፣ ብሓወቦኦም ተሰንዮም፣ ንንኡስ ወልደዋህድ ሲታውያን ኣብ ዘርአምንኵስና ተቐበልዎም፣ ታሕታዋይን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቲ ዛዚሞም ድማ፣ ኣብ መደብ ተመክሮ ንኺእትዉ፣ ብ16 ነሓሰ 1954 ንኢጣልያ ገዳም ካዛማሪ ተላእኩ። ብ20 መስከረም 1954 ድማ “ኣባ ኤልያስ ዘማርያም” ብዚብል ስመ ምንኵስና ዓመት ተመክሮ ጀሚሮም። ብ01.10.1955 ዓ.ም.ፈ. ብንኡስ መብጽዓ ምንኵስና ተወፈዩ። ትምህርቲ ፍልስፍና ፈጺሞም፣ ትምህርቲ ስነመለኮት እናካየዱ፡ ብ13 ኅዳር 1961 ብዓቢይ መብጽዓ ምንኵስና ንወትሩ ሲታዊ ኪኾኑ መሓሉ።

ብወርሒ ሚያዝያ ናይ 1962 መዕረገ ዲቊና ለበሱ፣ ብ01 ሓምለ 1962 ከኣ ኣብ መዓርገ ክህነት ደየቡ። ድሕር’ዚ ኣብ ሮማ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ) ቶማስ (Angelicum ኣርባዕተ ዓመት ተማሂሮም፣ ቅድም ብፍልስፍና ድሓር ድማ ብትምህርተ መለኮት መዓርግ ሊቸንሳ [ማስትረይት ዲግሪ] ጨበጡ። ብ1967 ንሃገሮም ተመሊሶም፣ ፈለማ ከም መምህር ፍልስፍናን ስነመለኮትን፣ ደሓር ድማ ከም ኣካያድን ኣሰናዳውን ወርኃዊ መጽሔት “ብርሃን”፣ ምክትል ሓለቓ ገዳም፣ መምህር ተመክሮ፣ ከምኡ ሰፊሕ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ምድላው መጻሕፍትን፣ ስብከታትን ኑዛዜታትን ተጸምዱ።

1967    ቅድም ኣብ ገዳም ሲታውያን ኣሥመራ፣ ደሓር ድማ ኣብ’ቲ ካቶሊካዊ ተቅዋም ትምህርቲ መለኮት፣ ክሳብ 2005    ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ዓመታት መምህር ኮይኖም ኣገልጊሎም።
1968 - 1978 ሓላፊ መጽሔት “ብርሃን”
1972 - 1975 መምህር ተመክሮ ኣብ ገዳም ከረን
1982 - 1985 ኣብ ሆሣዕና [ከምባታ/ሓዲያ] ሓዋርያዊ ኣገልግሎት
1985- 1988 መምህር ተመክሮ ኣብ መንዲዳ [ሽዋ ኢትዮጵያ]
1988- 1992 ኣብ ጐንደር ሓለቓ ገዳም፣
1993 – 1997 ኣሥመራ፦ ምክትል ሓለቓ መምህር ስነ መለኮት፣ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ዓደኮሎም፣ ዋራ።
2010/2011 መምህር ተመክሮ ኣብ ገዳም ኣሥመራ
2012-2015 ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣብ ደብረ ቅ. ገብርኤል እምባደርሆን፣ ዓደስፈዳ።

ኣበርክቶ፦

  1. ኣብ ስራሕ መጽሔት ብርሃን ነዊሕ ኣገልግሎት፣
  2. ሠለስተ መጻህፍት ኣኅቲሞም፣ ሀ) “ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ በርናርዶስ” ለ) “መንፈሳዊ መተሓሳሰቢ” ንዓመት ምሉእ ንሕዝበ ክርስትያን ዜገልግል መዓልታዊ ኣስተንትኖ ዝሓዘ መጽሓፍ። ሐ) “አደ ብርሃን ተወለኢዳ” ንምሉእ ወርኂ ግንቦት መዓልታዊ ኣስተንትኖ ዝሓዘ መጽሓፍ።
  3. ንጥፈት ኣብ ስብከታትን ኑዛዜታትን
  4. ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፦ ሀ) ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ኣብ ዘለዋ ዓዳት ዓመጺ፡ ደቂ ሸሓይ፡ ዕድነኣምን …….. ወዘተ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንሕይወቶም ሓደጋ ክሳብ ዘውደቑሉ፣ ለ) ኣብ ከረን ኣብ ዚነበሩሉ ከባቢ ከረን ክሳብ ጀንገረን ዝኸድሉ፣ ሐ) ኣብ ሆሣዕና ኢትዮጵያ [ከምባታ/ሓዲያ ዞን] መ) ኣብ ጐንደር ከለዉ ኣብ ባህርዳር ንዝነበሩ ምእመናን ጓሰዩ። 
  5. ናይዚ ኲሉ ኣገልግሎቶም ጻማ ኪቅበሉ ሰንበት 07-06-2026 ናብ ዘለዓለምውነት ተሳገሩ። ንጽባሒቱ ሰኑይ 08-06-2026 (ዕለተ ዕረፍቲ ክቡር ኣቦና ኣባ ፍሥሓ ገብረአምላኽ) ከኣ ኣብ መካነ መቃብር ካቶሊካውያን ጸጸራት ኣስመራ ብዙሓት ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕወትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሥነ ስርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።

ቅኔ ሥላሴ ሥርዓተ ቀብር ዘኣባ ኤልያስ ፍሥሃ ሲታዊ  (ብመርጌታ ኤርምያስ)

  • ይእዜሰ ተጋባእነ መካነ መቃብር ዘደማኮል፣
  • ማእከለ ካህናት ኤልያስ ኣኮኑ፣ ኣመ ይከውን ስደቱ፣
  • ዘኤልያስ መጻሕፍተ ጸጋ ይትናገሩ ቦቱ፡
  • እንዘ እንዘ ትብል ነበበት ሐዘና ደብረ ፍልሰታ እግዝእቱ፣
  • ቃለ ቅዳሴሁ ዝክረ ሠለስቱ፣
  • ከመ ወርኀ ጽጌ ኣስተርእዮቱ፣
  • ኣውዓየኒ ዘኤልያስ ሞቱ።
15 Jun 2026, 16:52