"ሓይሊ ልኡምነት"፡ ብመደብር ተለቪዥን Tv2000 ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ልዮን መበል 14 "ሓይሊ ልኡምነት"፡ ብመደብር ተለቪዥን Tv2000 ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ልዮን መበል 14 

"ሓይሊ ልኡምነት"፡ ብመደብር ተለቪዥን Tv2000 ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ብዛዕባ ልዮን መበል 14

ኣብ ቀዳማይ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣዝዩ ጽዑቕን ትርጉም ዘለዎን ህሞታት ዘጉልሕ ጉዕዞ፡ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ምስክርነት፡ ንሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝነበሮ ተወፋይነት፡ ቀጻልነት ናይቶም ቅድሜኦም ዝነበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ወንጌል ሓሴት፡ ከምኡ’ውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕረቮስት ንርእሶም ናብ ዓለም ዘቕረቡሉን ንቤተ ክርስቲያ ዝመርሑሉን ምርጫታትን ቅድን እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ሓይሊ ልኡምነት" ዘርእስቱ ብዛዕባ ቀዳሞት ዓሰርተው ክልተ ኣዋርሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብናይ ኢጣሊያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ቲቪ - 2000 እተሰምየ ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ዓርቢ ዕለት 8 ግንቦት ሰዓት 9፡10 ድሕሪ ቀትሪ ክመሓላለፍ እዩ።

ኣብቲ ኣዝዩ ጽዑቕን ትርጉም ዘለዎን ህሞታት ዝግበር ጉዕዞ፡ ንሰላምን ማሕበራዊ ፍትሕን ዝገብርዎ ተወፋይነት፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ’ቲ ቀጻልነት ናይ ወንጌል ሓሴት - Evangelii Gaudium ዘርእስቱ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብትሕትና ዝተለለየ ቅዲ፣ ኣብ ወንጌልን ኣጎስጢኖሳዊ መንፈሳውነትን ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ፣ ልክዕ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፣ ኣብቲ ዓመጽ ዝመልኦ ግርጭታትን ትዕቢት ሓያላትን ዝተለለየ ዓለማዊ ኵነታት ኣንጻር ዋሕዚ ዝኸይድ እዩ።

ጀናሮ ፈራራ ዝሰረሖ ሰነዳዊ ፊልም ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅርበት ዘለዎም ሰባትን ስልጣን ዘለዎም ተዓዘብትን ብዝረኸቦ ምስክርነት ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ካርዲናል ባልዶ ረይና፡ ዓቃቢ መንበር ርእሰ ሰበኻታት ሮማ፤ ቪንቸንዞ ቡኖሞ ናይ ጳጳሳኢ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ኣህጉራዊ ምሁርን፤ ኣብ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ሓላፊ ኣባ ፓስኳለ ኮርሚዮ፤ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣባ ሰርጆ ማሲሮኒ፤ ከምኡ’ውን ኤሊስ ኣን ኣለን፡ ኣብ ሮማን ሃገረ ቫቲካንን ወኪል ዕለታዊ ጋዜጣ ላ ክሩዋን ደራሲት ታሪኽ ህይወት ልዮን መበል 14 ዝውከስ ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ሓደ ሰዓት፡ ንመጀመርታ ዓመት ናይ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ር.ሊ. ጵጵስናኦም ብውጽኢታዊ መገዲ ዝድህስስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ሽፋን መራኸቢ ብዙሓን ተገሊሎም ዝጸንሑ ፍሉያት ባህርያት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዘጉልሕ ናይ ሓባር ትረኻ እዩ። እቲ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ Play2000፡ Tv2000፡ ከምኡ’ውን ኣብ Blu2000 ብጠለብ ዝቐርብ ሰነዳዊ ፊልም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

06 May 2026, 16:45