ሊቀ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንኑ ሊቀ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንኑ 

ሊቀ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይኹንኑ

ሞዛምቢካዊ ሊቀ ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውረ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ብምኹናን ዓመጽ ደው ክብልን ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሞዛምቢክ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ሰበኻ ፐምባ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊ ተልኾ ቅዱስ ሉዊስ ማሪ ደ ሞንትፎርት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ናይ ናምፑላ ሜጥሮፖሊታ ናይ ሞዛምቢክ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኢናስዮ ሳውረ ዝተሰመዖም ብርቱዕን ዓሚቝን ሓዘን ገሊጾም ነቲ ተግባር ኣውጊዞም፡

እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቁምስናን፡ መንበሪ ኣባይቲ ልኡካነ ወንጌልን ንእሽቶ ማሕበረሰብባዊ ቤት ትምህርትን ሓዊሱ ወሰንቲ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ትሕተ ቅርጺ ብምዕናው፡ እቲ ተልእኾ ብዓቢኡ ከም ዝዓነወን፡ እዚ ኣብ 1946 ብማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሞንፎርታኒ ዝተመስረተ፡ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝነበረ ቀዳማይ ታሪኽ ስብከተ ወንጌል ተባሂሉ ዝንገረሉ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሊቀ ጳጳሳት ሳውረ ኣብ መግለጺኦም እቲ መጥቓዕቲ ከም እተፈጸመ ምስ ተሓበሩ ዝተሰምዖን ዓሚቝ ሃዘንን ዘሕደረሎም ስቓይን ገሊጾም፡ ንኽልቲኡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ህይወት ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዘገልግሉ መሓውራት "ብኣረመናዊ ተግባር" ከም ዝዓነወ ድማ ገሊጾም። እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ህንጻታት ብሓዊ ምንዳድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ንጹርን ሓያልን መልእኽቲ ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት” ከም ዝዝርግሑ ኣስተብሂሎም፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ንመሰረታት ሕብረተሰብ ሞዛምቢክ ዘዳኽም ምዃኑ ኣጠንቂቖም፡ "እዚ ኣብ ሞዛምቢክ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ሰባት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ዘራጋግጽ ባህልና ምሉእ ብምሉእ ዝጋጮ እዩ - ቢሎም ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ መሓመድን ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ጽልእን ዓመጽን ኣምላኽ ዘይኮነስ ናይ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ” ብምባል ብፍላይ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ኣብርሃማውያን ሃይማኖታት ሓድሕዳዊ ምክብባር” ክህሉን ዓመጽ ደው ክብልን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንኹሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነት ነጺጎም። ንጸረ ክርስትና ዝኾነ ጽልእን ጽልኢ ምስልምናን ዘበለ ኩሉ ኮኒኖም፡ “ጥፍኣትን ሞትን ምዝራእ ኣቋርጹ” እንክብሉ ተማሕጺኖም፣ ኣስላም “ጸላእቲ ዘይኮኑስ፣ ንፈትዎም ኣሕዋትና እዮም” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ኣድላዪ ምዃኑ ዘለዎም እምነት ኣጒሊሖም፣ ኩሎም ሰባት “ኣመንቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ብስኒትን ብሰላምን ብሓባር ክነብሩ ኣለዎም - ቢሎም - እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰፊሕ ኵነታት ናይቲ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ዝቕጽል ዘሎ ዘይውሕስነት ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ምስ ኣኽረርቲ ጉጅለታት ዝተኣሳሰር ናዕቢ ቀጻሊ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ግጭት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣመዛቢሉ፡ ተበጻሕነት ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን ኣምልኾ ቦታታትን ኣዝዩ ዝጸልው ዘሎ እውን ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መንእሰይ ግብረ መልሲ ይህብ

ካብ ርእሰ ሰበኻታት ናምፑላ ዝመጹ መንእሰያት ካቶሊካውያን እውን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ስክፍታኦም ከም ዝገለጹን ሄንሪከስ ማጋዛ ነቲ መጥቃዕቲ ምልክት ምጥፋእ መንፈሳዊ ኣንፈት ምዃኑ እንክግለጽ።“ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ ናብ ኣምላኽ ክንምለስ፡ ቃሉ ክንሰምዕ፡ እቶም ተሓተትቲ ድማ መንገዶም ክቕይሩ ክንጽሊ ኣሎና” ይብል።

ኒልዛ ማኑኤል ካርሎስ ኣንቶንዮ ነቶም ዝተጎድኡ ሰባት ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣቕሪባ:- “ጎይታ ንዝተሳቐዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓይሊ ይሃቦም: ተስፋ ኣይትጥፍኡ - ኣምላኽ ይርእዮን ዝዓይይ እውን እዩ።”

መራሒ መንእሰያት ማሊቶ ጆኣው፡ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብቲ ብዓመጽ ዝተሃስዩ ከባቢታት ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ማሕበራውን መንፈሳውን ብድሆታት ንምምላስ ጻዕርታታ ከም እትቕጽል ኣጉሊሑ፡ ኣብ ካቦ ደልጋዶ ብቐጻሊ ዘይምርግጋእ ኣብ ዝተለለየሉ ኩነታት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሞዛምቢክ ንሰላም፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተን ምሕላው ክብሪ ደቂ ሰባትን ዘለዋ ተወፋይነት ደጊማ ተረጋግጽ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

07 May 2026, 16:44