እየሩሳሌም፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ንተጠቀምቲ ቋንቋ እብራይስጥ ካቶሊካውያን ኣገልግሎት ጉስነት እየሩሳሌም፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ንተጠቀምቲ ቋንቋ እብራይስጥ ካቶሊካውያን ኣገልግሎት ጉስነት 

እየሩሳሌም፡ ዝኽሪ መበል 70 ዓመት ንተጠቀምቲ ቋንቋ እብራይስጥ ካቶሊካውያን ኣገልግሎት ጉስነት

ኣብ እየሩሳሌም ናይ ቋንቋ እብራይስጥ ተቐቀምቲ ካቶሊካውያን መንበረ ዕቅብና ቅዱስ ያዕቆብ መበል ሰብዓ ዓመት ቅዋሜኡ ዕለት 2 ግንቦት ከም ዘብዓለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 2 ግንቦት ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ማእከል ኖትረ ዳም ዝተኸበረ ኢዮቤል፡ ኣስታት 350 ምእመናንን ዕዱማት ኣጋይሽን ከም ዝሓበሩን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እየሩሳሌም ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዝመርሕዎ መስዋእተ ቅዳሴ ከም ዝዓረገ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ እብራይስጥ ተቐቀምቲ

መንበረ ዕቅብና ቅዱስ ያዕቆብ ፍሉይ ምልክት ህላወ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስራኤል ኮይኑ፡ ኣብ ኵላውነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ሱር ዝሰደደ መዓልታዊ ቋንቋ - እብራይስጢ - ዝዛረብ ኮይኑ፡

እቲ ዝኽሪ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንማሕበረሰብ መንበር ዕቅብና ዝሃነጹ ካህናትን ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ምመናንን ንምምስጋን እውን ዕድል ምዃኑ ይሕብር።

እቲ ጽምብል ድርብ ሸነኽ ዘለዎ ከም ዝነበረን ጎኒ ጎኒ እቲ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሙዚቃን ውልቃዊ ምስክርነትን ብማእከል መራኸቢ ብዙሃን ክርስትያን ዝተሰርሐ ሰነዳዊ ፊልም ንፈለማ እዋን ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደ ኣካል

ካርዲናል ፒዛባላ ካብ 2005 ክሳብ 2008 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ያዕቆብ ዓቃቤ መንበር ኮይኖም ዘገልገሉ፡ እዚ ርክብ እዚ “ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ምዃኑ” ኣስተብሂሎም፡ እቲ መንበረ ዕቅብና ክጻወር ዘኽኣሎ “ስልቲ ቤተ ክርስቲያን ዘይኮነስ፡ ሓደ መሰረት እዩ ነይሩ፡ ንሱ ድማ ኢየሱስ እዩ - ቢሎም - ነቲ መንበር ዕቅብና ነቲ ኣብ እዋን ኢዮቤል ዘብዕሎ ተልእኾኡ መዓልታዊ ከም ዝነበሮን፡ ማለት ምትርጓም፡ ምስናይ፡ ምስማዕን ምግልጋልን ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም። ዕላማኡ ድማ ፍልይቲ ቤተ ክርስቲያን ንምህናጽ ዘይኮነስ ነታ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ካብ ውሽጥካ ንምግልጋል እዩ። ኣብ መንጎ ህያብን ብድሆን ዝኾነ ብዙሕነት ቤተ ክርስቲያን እኩብ ደሴታት ዘይኮነስ ሓደ ኣካል ምዃና እውን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ህያብን ሓላፍነትን

እቲ መንበረ ዕቅብና ኣብ ውሽጢ እቲ እብራይስጢ ዝዛረብ ሕብረተሰብ እስራኤል ዝነብሩ ካቶሊካውያን ይእክብ: መበቆል ኣይሁዳውን ዘይኣይሁዳውን ዝኾኑ ምእመናን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ክርስትያናት: ስደተይናታት: ከምኡውን ቋንቋ ሩሲያ ዝዛረቡ ጉጅለታት። ማሕበረሰባት መንበር መንበረ ዕቅባን ቅዱስ ያእቆም ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ተልኣቪቭ – ያፋ፡ ሃይፋ፡ በዓር ሸቫን ጢቤርያስን ንጡፋት ምዃኖም ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፡ "ሰብዓ ዓመት ህያብ እዩ። ሓላፍነት እውን እዩ" ይብሉ እንክብሉ ካብ 2021 ጀሚሮማ ዓቃቤ መንበር ቅዱስ ያዕቆብ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣባ ፒዮትር ዜላዝኮ ገሊጾም፡ ዕማም ናይቶም ማሕበረሰባት “ምእመናን፡ ትኩራትን ተባዕን ኮይኖም ክቕጽሉን - ምልክታት ናይ ግዜ ምስማዕ፡ ንዝቕጽል ወለዶ ምሕላይ፡ ከምኡ’ውን ድልድላት እምነት፡ ዘተን ርህራሄን ምህናጽ ምቕጻል” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።።

07 May 2026, 16:46