ጉባኤ ጳጳሳት ኤርትራ ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም መልእኽቲ ሓዘን ኣመሓላሊፎም
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብታ ብዕለት 25 ግንቦት 2026 ዝለኣኽዋ መልእኽቶም፣ ነቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ፣ “ትንሳኤን ሕይወትን ኣነ ኢየ እቲ ብኣይ ዝኣምንሲ እንተሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር ኢዩ” (ዮሓ. 11፡25) ንዝብል ቃል ብምጥቃስ፣ ኣብታ ናብ ብፁዕ ካርዲናል ኣርቦረልዩስ ኣንደሽን ሊቀ ጳጵሳት ሰበኻ ስዊድንን፣ ናብ ኣገልጋሊ ካህን ምእመናን ሥርዓተ ግዕዝ ስዊደን ክቡር ኣባ ዮሓንስ ክፍለን፣ ደናግል ኦርሰሊነን መላእ ምእመናን ስቶኮልምን ስዊድንን ዝለኣኽዎ ናይ ሓዘን መግለጺ፣ ዝተሰምዖም ዓሚቝ ሓዘንን፣ ምስቶም ኵሎም ዝሓዝኑ ዘለዎም ቅርበትን ገሊጾም።
ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፣ ብዕለት 17 ግንቦት ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሞት ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ምስ ተሰምዐ፣ ንብፁዕነቶምን ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራን ዘሰምብድ ዜና ምንባሩን ከም ዘደንጸዎምን ገለጹ። ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ብናይ ቤተክርስቲያን ጉዳያት ኣብ መገሻ ይርከቡ ብምህላዎም ድማ፣ ኣብ ዘዝበጽሕዎም ማሕበራት ምእመናን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ፣ ንነፍሲ ክብር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያምን ምእመናን ስዊድንን ከም ዝዘከርዎም ኣመልከቱሎም። ውሲኾም ድማ “ኣብዚ ናይ ስንባደን፣ ብዙሕ ሕቶታት ዝሕተተሉ ጊዜ፣ ፍሉይ ረድኤት ናይ መንፈስ ቅዱስን፣ መንፈስ ሓቅን ብርሃንን ከም ዘድሊ ኣይትስሕትዎን ኢኹም፣” ድሕሪ ቢሎም፣ መንበረ ጥበብ ኪዳነ ምሕረት ክትሕግዞም ናብ ድንግል ማርያም ኣወፈይዎም።
ቀጺሎም ድማ ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ፣ ንነፍስ-ኄር ኣባ ሃይለ ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ናብ ኣምላኽ ጸሎቶም ብምዕራግ፣ ንስበከተ ወንጌልን፣ ዕርቀ ሰላምን ንምምጻእ፣ ዘይሕለል ትግሃትን ቅንኣትን ከም ዝነበሮም መስከሩ።
ኣብ መወዳእታ መልእኽቶም ብፁዕ ኣቡነ መንግሥተኣብ፣ ንወለድን ቤተሰብን፣ ንማሕበሮምን ንኹሎም ኣብ ሃገረ ስዊድን ዝርከቡ ምእመናን ጽንዓትን ክእለትን ክህቦም ብምጽላይ፣ ከም ዘሰንይዎምን ምስኦም ዘለዎም ቅርበትን ብምግላጽ፣ ንዝመጽእ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝገብርዎ ጉስነታዊ ምብጽሓት ምስ ምእመናን ብምሕባር ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴኦም ከም ዝዝክርዎም እውን ኣረጋገጹሎም