ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሠናይ ንፍልስጤማውያን ብቤተክርስትያን ንዝግበር ሓገዛት ዝኸውን ደገፍ ይቕጽሎ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቃዛ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ዝግበር ኣትሒዙ CNEWA ነቲ ብቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ቃዛን፡ ምዕራባዊ ገማግምን ዝግበር ናይ ረድኤት ጻዕርታት ንምድጋፍ ዳርጋ 1.2 ሚልዮን ዶላር ረድኤት ከም ዘውጽአ ኣቦ መንበር CNEWA ኣባ ፒተር ቫካሪ ኣፍሊጦም።
እቲ ብዕለት 29 ሚያዝያ ዝወጸ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ናይቲ ማኅበር ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ቃዛ ንዚርከቡ ተኣፈፍቲ ስድራ ቤታት ብፍላይ ከኣ ብኣደታት ጥራሕ ዝምራሓ ንኣሽቱ ሕጻናት ንዝርከብወን ስድራ ቤታትን፡ ኣረጋውያንን፡ ከምኡውን ፍሉይ ስእነት ንዘለዎም ወገናትን፡ ነቲ እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ሕጽረት ምግብን፡ ጽሬትን፡ ደገፍ ምዉቕ ክዳውንትን ንምፍታሕ፡ ከምኡ ውን ንክብሪ እተን ዝተጐድኣ ስድራ ቤታት ንምሕላውን፡ ዘለዎም ኣካላዊ ስቓይ ንምቅላልን፡ ሽግራቶምን ንምፍታሕ 457,635 ዶላር ኣመሪካ ከም ተዋህበ ኣፍሊጡ።
ብምትሕብባር ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ቀረባ ምብራቕ እቲ ናይ CNEWA ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ቃዛ ብዝርከብ ነዊሕ ብዝገበረ መሻርኽቱ ኣቢሉ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቃዛን፡ ከተማ ቃዛን ንዚርከቡ ተኣፈፍቲ ስድራ ቤታት፡ ንቀለቦም ዝኸውን፡ ዝተዓሸገ መግብን፡ ናይ ጽሬት መሳርሒታትን፡ ምዉቕ ክዳውንትን ከም ዘሰናደወ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ ዘየተኣማምን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዙሓት ስድራቤታት ፍልስጤም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ናብራ፡ በቲ መንግስቲ እስራኤል ዝካየድ ዘሎ ዘየቋርጽ ኲናት፡ ብዙሓት ነጋድያንን፡ በጻሕትን ዝበጽሕዎ ንዝነበሩ ከባቢታት ብኣሉታዊ መገዲ ጸልይዎ ይርከብ።
እዚ ድማ ነቲ ኣብ ቱሪዝም ዝምርኰስ ናይቲ ከባቢ ቍጠባ ፍልስጤም ኣዳኺምዎ ኢዩ። እቲ ብጥሩፋት ወገናት ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ፍልስጤም ዝወርድ ዘሎ ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ፡ መብዛሕትኡ ጊዜ ድማ ብደገፍ ሰራዊት እስራኤል ዝግበር ስለ ዝኾነ፡ ንርግኣት ሕብረተሰብ ፍልስጤም ብዝያዳ ኣዳኺምዎ ይርከብ።
ዳርጋ ፍርቂ እቲ ብCNEWA ዝተኸፍለ ገንዘብ 507,550 ዶላር፡ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም፡ ስራሕ ንምፍጣርን፡ ሕዝቢ ዝቅመጠሉ ትሕተ ቅርጺ ንምህናጽን፡ ንናይ ተጻዋርነት ፕሮጀክትታትን ዝዓለመ ኢዩ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ክፋል CNEWA ኣብቶም ብዙሓት ሰባት ዚነብሩሉን፡ ብቝጠባዊ መዳይ ዝዓነወን ዞባ ቤት-ልሔምን፡ ኣብ ከተማ ታይበህን ዘተኰረ ኢዩ። ከተማ ታይበህ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ እንኮ ክርስትያናዊት ከተማ እኳ እንተ ኾነት፡ በቶም ጥሩፋት ወገናት ብዙሕ መጥቃዕትታት ኣጋጢምዋ ኢዩ፣ ገለ ካብዚ ከኣ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሓዊ ንምንዳድ ዝተገብረ ፈተነ ሓዊስካ ኢዩ።
ምስቲ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌምን፡ ቃዛን፡ ምዕራባዊ ገማግምን ዚነብሩ ፍልስጤማውያን፡ ብግምት 40 ሚእታዊት ዚኸውን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዚህባ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስትያንን፡ ምስ ቤተ-ክርስትያን እተተሓሓዛ ውድባትን ብምትሕብባር፡ ስራሕ ንምፍጣር ዚግበር ጻዕርታት፡ ሕዝቢ ዝቕመጠሉ ትሕተ ቅርጽን፡ ካልእ ኣገልግሎታትን ንምህናጽን፡ ስራሕ ንዘይብሎም ስድራቤታት ንምሕጋዝን ዝተዋህበ ኰይኑ፡ እቲ ዝተገብረ ደገፍ፡ ነቶም ሕዝቢ ስራሕ ክረኽቡን፡ ኣታዊታት ከም ዚህልዎምን ከም ዝገበረ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እቲ ዳርጋ 200,000 ዶላር ዝኸውን ዝተረፈ ገንዘብ፡ ብፍሉይ ነቶም ኣብ ጊዜ ውግእ ብከቢድ ዝነደዱን፡ ሕጹጽ መጥባሕቲ ንዘድልዮም ሕጻናትን፡ መንእሰያትን ክኸውን፡ ናብ ናይ ኣንግሊካን ሆስፒታል ኣል-ኣህሊ ተላኢኹ። ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ጥቃ ከተማ ቃዛ ኣብ ኣል-ሪማል ኣብ ዝርከብ ናይ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስትያን ምብራቅ ክሊኒክ ኣደን ሕጻናትን፡ ናይ ላቦራቶሪ ናውቲ ንምዕዳግ ተዋሂቡ።
ኣቦ መንበር ካቶሊካዊ ማኅበር ሓልዮት ምስራቓውያን ኣብያተ ክርስትያን፡ የነታ ቪካሪ፡ ነቶም ኣብ መላእ ቅድስቲ መሬት ንኣውያት ድኻታት ብልግሲ ምላሽ ንዝሃቡ ብዙሓት ለገስቲ ኣመስጊኖም።
ካብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ብCNEWA ዝወጸ ገንዘብ ብኸፊል፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብዚርከባ ቍምስናታትን፡ ሰበኻታትን ዝተዋጽአ ኰይኑ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ሊቀ ጳጳሳት ቲሞቲ ፒ. ብሮግሊዮ ንዝቐረበ ጻውዒት ምላሽ ንምሃብ ዝተኣከ ኢዩ። ከምኡውን ፈረሰኛታት ኮሎምበስ ዝበሃሉ ገበርቲ ሠናይን; ዓለም ለኻዊ ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ግብረ ሠናይን፡ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ውልቀ-ሰባትን፡ ካልኦትን ዝለገስዎን የጠቃልል።