2026.05.04 ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ብድሆታት ኣብ ኣገልግሎቶም የተባብዑ 2026.05.04 ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ብድሆታት ኣብ ኣገልግሎቶም የተባብዑ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ንካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ኣመሪካ ኣብ ሞንጎ ብድሆታት ኣብ ኣገልግሎቶም የተባብዑ

ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዕለት 4 ግንቦት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣደ መንበር ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ዕዮ ካቶሊክ ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣልይስ ሮቢንሰን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ርእሰ ሊቃነ ጳሳት ነቲ ውድብ ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዝርከቡ ተኣፈፍቲ ሰባት ንወንጌል ብተኣማንነት ኣብ ምቕራብ ዘለዎ ቘራጽነት ዘደልድሎ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ትሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመርሕነት ካቶሊካዊት ማሕበራት ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 4 ግንቦት ኣብ ቫቲካን ተቐቢሎም ናይ ምትብባዕን ምስጋናን ቃላት ብምቕራብ ንድኻታትን ተቓላዕትን ንምግልጋል ዘለዎም ተልእኾ “ናይ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ መግለጺ” ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ኣደ መንበር ናይቲ ትካል – ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ጨንፈር ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ – ከርይ ኣልይስ ሮቢንሰን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 “ ኣብ መላእ 50 ግዝኣታትን፡ ኣብ ሓሙሽተ ግዝኣታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብተን ሓሙሽተ ቐዋሚ ተቐማጦ ዘለወን ዓበይቲ ዞባታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፖርቶ ሪኮ ጓም፡ ኣመሪካ ሳሞዋ ደሴታት ቨርጂን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ከምኡውን ደሴታት ሰሜናዊ ማሪያና፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ዘይተኣከበ ግሉል ቦታታት ዘጠቓልል (ተቐማጦ መብዛሕትኡ ግዜ ፍሉይ ዜግነትን ድሩት ናይ ምምራጽ መሰልን ዘለዎም_ዘጠቓልል) ኣብ ዋሽንግቶን ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ማሕበራት፡ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ዘርእይን ከም መብራህቲ ተስፋ ዘገልግልን ምዃኑ” ኣድናቖቶም ከም ዝገለጹ ትሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እቶም ብካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ዝሕገዙ ሰባት ዘሕልፍዎ ስቓይ "ድኽነት ዝተጋደደ ምዃኑን ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዝዋፈሩ ዜጋጥሞም ጸገማትን ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ኣገልግሎቶም ጽኑዓት ኪዀኑ ከም እተማሕጸኑ” ሓቢራ፡ "ኣብ እዋን በዓል ትንሳኤ ከም ዘለና ኣመልኪቶም መዓልታዊ ስቓይ ደቂ ሰባት ምምስካር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ መሰናኽላት ኩሉ ንኽንብድህ 'ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እየ' ዚብል ናይ ክርስቶስ መብጽዓ ክንዝክሮ ኸም ዘሎና ኣዘኻኺሮምና እዮም። እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮም መበል 14 ዝተኻየደ ርክብ "ዓሚቝ ልቢ ዚትንክፍ" ምዃኑ ገሊጻ፡ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስምዕዎ መደረ ናይቲ ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ካብ ኵሉ ደረጃ ህይወትን እምነታትን ንዝመጹ ድኻታትን ተኣፈፍትን ንምግልጋል ዘለዎ ቘራጽነት ዘደልድል እዩ” ኢላ።

'ጻዕሪ ዝሓትት ዕዮ ግን ከኣ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዎ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ ንካቶሊካዊት ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዘጋጥሞም ጸገማት ዝምልከት ዝበልዎ፡ ሮቢንሰን ብቐንዱ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ብመንፈሳውን ጉስነታውን ኣገላልጻ ከምዝተረድኣቶ ሓቢራ፡ "መዓልታዊ ስቓይ ደቂ ሰባት ትምስክሩ ስለዘለኹም እዚ ስራሕ ከቢድ እዩ ዝብል ክውንነት ኣብ ግምት ብምእታው እየ ዝሰማዕክዎ። ንጸገም ድኻታት ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ንምምላእ እኹል ጸጋታት ፈጺሙ ዘሎ ኣይመስልን።"

ወሲኾም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መደረኦም ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ምምሕዳራዊ ወይ ስነ ሜላዊ ውጥን ጥራይ ዘይኮነስ ዝምድናውን ወንጌላውን ምዃኑ ዝገልጽ ርድኢት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ኣብሪሃ፡

"ብመሰረቱ እዚ ቐሊል ከም ዘይኰነ እፈልጥ እየ። ኣስማት ናይቶም እተገልግሎም ምስ ፈለጥካ ታሪኾም ምስ ፈለጥካ ሰብነቶም ክትርኢ እንኮለኻ እቲ ርክብ ብኽልተ መገዲ እዩ ዚኸውን። ኣምላኽ ንድኻታት ክሳዕ ክንደይ ከም ዚቐርቦም ከነስትውዕል ዝገብር እዩ” ትብል።

ቍጠባውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ምላሽ ምሃብ

ብተወሳኺ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከባ ካቶሊካውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ዝጸሉ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ጸቕጢ ኣመልኪታ ብፍላይ ድሕሪ ምንካይ ገለ ፌደራላዊ ምወላ ዳግመ - ምጥያስ ስደተይናታት ኣተኩይራ፡

ካቶሊካዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንባዕሉ “ብዓቢኡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብውልቂ ዝምወል” እኳ እንተኾነ፡ ገለ ናይቲ ከባቢ ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ብሰንኪ ምጉዳል ምስ ኣገልግሎት ንስደተይናታት ዝተኣሳሰር መንግስታዊ ደገፍ ምንካዩ ዓብይ ብድሆታት እዩ ዘጋጥመን ዘሎ። ኣብ መላእ ምህዳር ዘጋጠመና ዘሎ ምቑራጽ ምወላ ብዓቢኡ ኣብ ኣገልግሎትን ማእከላትን ምጥያስ ስደተይናታት ዓቢ ጽውላ ዘለዎ እዩ። ካብ 45,000 ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተይናታት ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብ መላእ ሃገር ኣስታት 450 ስራሕ ከም ዝጠፍእ ዘሎ ግምት ኣቕሪባ፡ እዚ ዕንቅፋታት እዚ እኳ እንተሃለወ፡ እቲ ትካል ኣብ ተልእኾኡ ተወፋይነት ከምዘለዎ ተረጋግጽ።

ካቶሊካዊ ትካላት ግብረ ሰናይ፡ ናይ ምወላ ጋግ ንምምላእን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድሌታት ንምምላእን ኣብ ልግሲ ለገስቲ ምጽጋዐን ይቕጽላ ኣለዋ። "ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣስማትን ገጽን ስኡናት ሰባት ክፈልጡ ምስ ዝግበር፡ ክሕግዙ ድልዋት ይኾኑ። ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተገብረ ህጹጽ ጻውዒት መግቢ ብምጥቃስ፡ እቲ ትካል ፌደራላዊ ሓገዝ ኣመጋግባ ምስተዛዘመ ኣብ መላእ ሃገር 25 ሚልዮን ፓውንድ መግቢ ክዕድል ከም ዘኽኣሎ ትሕብር።

'ምስ እነገልግሎም ሰባት እንራኸበሉ ምሕረት ዝመልኦ መንገዲ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ፍሉይ ምስክርነት ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣብ መንፈሳዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ሱር ዝሰደደ ምዃኑ ከም ዝርድእዎ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስሚሮምሉ እዮም። "ብሓልዮት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝካየድ ትካል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቶም እነገልግሎም ሰባት ብምሕረት ክንራኸብ ከም ዘሎና ተወፋይነት ዘረጋግጽ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሸነኽ ካቶሊካዊ ግብረ ሰናይ ዘለዎም ሞሳ ነቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ልኡካን “ኣዝዩ ከም ዝተንከፎም” ገሊጻ፡ "ሰብኣዊ ሓገዝ ብኸመይ ነብጽሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ እንገብሮ ምሕረት ዝመልኦ ኣገባብ'ዩ - ነቶም ኣነገልግሎም ምርኣይ፡ ናብ ክብሪ ምምላስ፡ ብስሞም ምጽዋዕ፡ ምጽላይ" ትብል።

ኣብ ግብረ ሰናይ ምስክርነት ቤተ ክርስቲያን ሓድነት እናዓበየ ይኸይድ

ብተወሳኺ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ መንጎ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ማሕበራውን ኣገልግሎት ዝድግፍ ሓድነት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢራ፡ "ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክንድዚ ዝኣክል ሓድነት ርእየ ኣይፈልጥን” ብምባል ነቲ ኣብ መንጎ ጳጳሳትን ኣገልግሎታት ካቶሊክን መምህራንን ሰበ - ስልጣን ክንክን ጥዕናን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምትሕብባር ኣጒሊሓ፡  ካቶሊካውያን ንጻውዒት ምሕረት ወንጌል ተወፋይነት ክቕጽሉ ብምትብባዕ፡ ንጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮንን ምስጋና ኣቕሪባ፡ “እቶም ጳጳሳት ብውሁድ ድምጺ እናተዛረቡ ይመጹ ኣለዉ፡ ንኹሎም ካቶሊካውያንን ህዝብን ሰናይ ድሌት ዘለዎምን ብዛዕባ እቲ ወንጌላዊ ትእዛዝ ምሕረት የዘኻኽሩ ኣለዉ። ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብን ካብ ቅዱስነቶም ዝተለገሰ ቃለ ምዕዳንን መራሕቲ ካቶሊካዊያን ትካላት ግብረ ሰናይ ንወንጌል ብተኣማንነት ዕዮታትና ክንቅጽል ዘሎና ተወፋይነት ዘሐይል እዩ - “ኣብዚ ስራሕ ክንቅጽልን ምስ ትእዛዛት እምነትና ብዕምቆት ከነተሓሕዞን ትብዓት ረኺብና ኢና”  ብምባል ሮቢንሰን ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

05 May 2026, 16:30