2026.05.28 Fr. Damiano 2026.05.28 Fr. Damiano 

ዜና ዕረፍቲ ኃው ዳምያኖ ኣርዳዲ፣ ፍራንቸስካዊ ረድኢ ኃው

ፍራንቸስካውያን ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺኒ ኤርትራ፣ ብምኽንያት ዕረፍቲ ክቡር ሓው ዳምያኖ ኣርዳዲ፣ ዜና ዕረፍቶምን ታሪኽ ሕይወቶምን ጽሒፎም ዝለኣኹልና ነቕርበልኩም። ክቡር ኃው ዳሚያኖ ኣርዳዲ ኣባል ማሕበር ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣኃው ካፑቺን ኢዮም። ትሑትን ገርህይና ሓውርያን ኮይኖም፣ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ብቅንኣት ፍራንቸስካዊ መንፈሳውነት ዝመፈጸሙ መነኮስ ኢዮም ዝንበሩ።

ኣባ የማነ ኃይሉ - ማሕበር ንኡሳን ኣኃው ካፑቺን ኣስመራ

“ሕያዎት ሰባት፣ ብሕያውነቶም ይዝከሩ።” (ምሳሌ 10.7)

ኃው ዳምያኖ፣ ብዕለት 02 ሓምለ 1958 ዓ.ም.፣ ካብ ኣቶ ኣርድዲ ዓብደላን ወ/ሮ ደሃባ ሎንጊን ኣብ ጥንታዊትን ብባህላዊትን ውርይቲ ዓዲ ኩናማ ዝኾነት ኮና ተባሂላ ዕርጽዋዕ ተወልዱ።

መባእታ ትምህርቶም ወዲኦም፣ ሃረርታ ጸዋዕታ ስለዝተሰምዖም፣ ነቶም ኣብ ባረትንቱን ከባቢኡን ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ቅዱስ ፍርንቸስኮ ክስዕቡ፣ ድላዮም ምስ ገለጹ፤ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቶም፣ ኣብ እምባትካላ፣ ቀጺሎም ኣብ መንደፈራ፣ ከምኡ ውን ኣብ ካቴድራል ኣሥመራ ደረጃታት ትምህርቶም ማለት 12 ክፍሊ ቅድሚ ምዝዛም፣ ኣብ 1982 ዓ.ም. ዓመተ ተመክሮ ኪፍጽሙ፣ ንኢትዮጵያ ተላእኩ፥ ኣብ ዓመቱ ድማ በዕለት 22 ነሓሰ 1983 ዓ.ም. ብንኡስ መብፅዓ ተወዩ።

ከም ረድኢ ኃው ኰይኖም ኪነብሩ ምርጫኦም ስለዝነበረ፣ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ፍልስፍናን ቴሎግያን፣ ትምህርቲ ሞያ ኪቐስሙ መረጹ፣ ብዝነበሮም ትኩርነትን ትግሃትን ፍቕሪ ሥራሕን ዘስተውዓሉ ኣኅሉቖም፣ በቲ ጊዜ ኣብ መቐለ ግኑን ኣብ ዝነበረ ናይ ማሕበር ዶን ቦስኮ ሳለዝያን ናይ ሞያ ቤት ትምህርቲ [Donbosco Technical School] ተላእኩ። ትምህርቲ ሞያ ብጽቡቕ ምስ ወድኡ፣ ብ1986 ዓ.ም. ናይ ምሉእ ሕይወቶም ወፈያ ብምግባር፣ ንፍራንቸስካዊ ሕይወት ምሉእ ብምሉእ ንምስዓብ ንምሉእ ሕይወቶም መብጽዓ ብምግባር ምንኩስናኦም ፈጸሙ። 

ናይ ምሉእ ሕይወቶም መብፅዓ ድሕሪ ምፍጻሞም፣ ፈለማ ኣገልግሎቶም ኣብ ኣሥመራ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ላእከ ሰበኻ፣ ተሓጋጋዚ መጋቢ ሰበኻ ኰይኖም [Provveditore] ድኅሪ ምግልጋል፣ ብዕለት 14 ጥቅምቲ 1990 ዓ.ም.፣ ንኢትዮጵያ፣ ቆቦ፣ ከም ሚስዮናዊ ኮይኖም ተላእኩ፣ ኣባኡ ድማ ከም ተሓጋጋዚ መጋቢ ኰይኖም ኣገልገሉ። ብዙኅ ከይጸንሑ፣ ኣብ ዓመቱ፣ ካብ ዕለት 04 ጥቅምቲ 1991 ዓ.ም. - ውርሒ መስከረም 1993፣ ንሮማ ኣብ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሉ ሓለቓ ማኅበር [ኩርያ ጀነራሊስያ] ተለኩ፣ ንክልተ ዓመት ዚኣክል ኣባኡ ድሕሪ ምግልጋል፣ ብትሕትናን ዘገርም መንፈስ ፍራንቸስካዊ ሓጐስን ኣገልግሎቶም ፈጸሙ። ምስኦም ዚቕመጡ ዝነበሩ ጸዓዱ ፈለስቲ ደቂ ማኅበር፣ “ቈርበቱ ጸሊም፣ ልቡ ግን ጻዕዳ” እናበሉ ይገልጽዎምን የድንቕዎምን ነበሩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ሓለቓ ማኅበር ዝተዋህቦም ተልእኮ ብምፍጻም ድማ፣ ተመሊሶም ኣብ ቆቦ ድኅሪ ኣገልጊሎም፣ ካብ ውርሒ መስከረም 1997-2001 ዓ.ም. ኣብ ሕርሻ ቢምቢልና ብዓቢይ ትግሃት ኣገልግሉ።

ሓምለ 2001-2003 ዓ.ም. ኣብ ባፅዕ፣ ከም ምክትል ዳይረክተርን፣ መምህርን፣ ከምኡ’ውን ሓለቓ ንኡሳን ተመሃርቲ ገዳምን ኰይኖም፣ ብሕጉስ መንፈስ ኣገልጊሎም።

ካብ ዕለት 22 ነሓሰ 2003 – 2009፥ ኣብ ዓቢይ ገዳም ፍራንቸስካውያን መንደፈራ፣ ንሽዱሽተ ዓመት፣ ከም ተሓጋጋዝን ኣላዪ ንኡሳን ተመሃርቲ [ፍራቲኒ] ኮይኖም ጸንሑ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብቲ ስሙይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣኅዋት ካፑቺን፣ ከም መምህር ኮይኖም ኣገልገሉ።

ካብ 2009-2013 ዓ.ም. ንኻልኣይ ጊዜ ንባፅዕ ተላኢኾም፣ ከም መምህርን ሓላፊ ንኡሳን ተመሃርቲ ገዳምን ካፑቺን ኰይኖም ንኣርባዕተ ዓመት ኣገልጊሎም።

ኣብ 2013-2018 ዓ.ም. ንቢምቢልና ተላኢኾም፣ ኣብ ሥርሓት ሕርሻ ከም ምክትል ኣካያድን ከምኡ ከኣ ዳይረክተር ቤት ትምህርትን ኰይኖም፣ ን5 ዓመታት ብዓቢይ ትግሃት ኣገልጊሎም።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018-2020 ንከተማ ዓሰብ ተላኢኾም፣ ኣብ ምእመናን ዓሰብን ነቶም ብቤተክርስትያን ዝእለዩ ሕሙሙን ኤችኣይቭን፣ ከምኡ ምስ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ከይተረፈ፣ ብዝነበሮም ኣዝዩ ሕዉስን ዘይጋየሽን ጠባይ፣ ዘይርሳዕ ዘርኢ ፍቕሪ ዘሪኦም፥ ብዕስክርና ካብ ቤቶም ርሒቖም ኣብ ዓሰብን ከባቢኡን ንዝወፈሩ ወተሃደራት እውን ብዝነበሮም ኣባታዊ ኃልዮት፣ መን ካበይ ከይበሉ፣ ኣቦ፣ ኣደ፣ ኃው፣ ኃውቲ ብምዃን፣ ክልተ ዓመት ዳርጋ ክንዲ 20 ዓመት ከም ዝሰርሑ፣ ኣብ ከተማ ዓሰብ ፍሉይ ኣሰር ገዲፎም።

ብዕለት 22 ጥቅምቲ 2020-2024 ንኣሥመራ ኣብ ዓቢይ ገዳም ገጀረት ተጸዊዖም፣ ንዝሓመሙን ዝሸምገሉን ኣኅዋት ደቂ ማኅበር፣ ብዘገርም ተወፋይነትን ፍቕርን ክኣልዩን ክተሓባበሩን ተረኽቡ፥ ምስኡ ከኣ ከም ተደራቢ ኣገልግሎት፣ ኣሰናዪ ዓለማዊ ፍራንቸካዊ ሳልሳይ ማኅበር መካነ ኅውነት ገጀረት ኰይኖም፣ ፍቕሪ ክርስቶስን ፍራንቸስኮን ከስርጹ፣ ብዙሕ ጸዓሩ።

ኃው ዳምያኖ፣ ናይ መወዳእታ ቦታ ተልእኮኦም፣ ቢምቢልና እዩ ዝነብረ፣ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2024 ንሣልሳይ ጊዜ፣ ናብዚ ቦታ እዚ ተላኢኾም፣ ብዝነበሮም ሞያ ብሉጽነት፣ ኣብ ምክትታል ዓበይቲ ማሽናት ሕርሻን መካይንን ተጸሚዶም፣ ክሳዕ ዕለተ ዕረፍቶም፣ ታህ ከይበሉ፣ ክጎዩን ከገልግሉን ጸኒሖም።

ኩነታት ዕረፍቶም፣-

ኣብ ድሮ በዓለ ኪዳነ ምሕረት፣ ነቲ ልሙድ ጸሎት ዘነግህ ምስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፤ ኣብ ገዳሞም፣ ኣለይ መለይ ክብሉን ንንግደት ካቴድራል ኪዳነ ምሕረት ሰበኻ ባረንቱ ኪበጋገሱ ክብሉ ከለዉ፣ ሃንደበት ክስነፉን ደው ኣብ ዝበልዎ ሰውነቶም ምጻር ስኢኖም፣ እቲ ድልዱል ኣካላቶም ክወድቕ ተራእዩ። በዚ ዝሰንበዱ ኣኅዋቶም፣ ተቐሊጢፎም ንሕክምና ድኅሪ ምውሳዶም፥ ቀዳም ዕለት 23 ግንቦት ኣብ ዓቢይ ሆስፒታል ባረንቱ፣ ሕክምናዊ ረዲኤት ክግበረሎም ድኅሪ ውዒሉ፤ ሰንበት ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ክብረ በዓል እኖና ኪዳነ ምሕረትን፡ ክቡር ዕለተ ነጻነት ሃገርናን፣ ወጋሕታ ልክዕ ሰዓት 5.30 ቅ.ቀ.፣ ሕዝቢ ንቤተክርስትያን ኣብ ዝግስግሰሉ ሰዓታት፣ ንሶም ከኣ ናብ ንሰማያዊ ቤት ኣቦ ገስጊሶም።

ፍሉይ መለለዪ ኃው ዳምያኖ፣-

ኃው ዳምያኖ፣ ትሑትን ንኡስ ኃው ፍራንቸስካዊ፤ ኃው ኵሉ፤ ወላ ምስ ጋሻ ንፈለማ ጊዜ ተራኺቦም ክላለዩ ፈጺሞም ዘይጽገሙ ሕዉስ ኃው ኢዮም ዝነበሩ፤ ሰሓቕን ሓጐስን ብምዝራእ ስንኻ ዘየኽድኑ ጥዑም ኃው፤ “ቀመም ማኅበር” እንተበልናዮም ዝውሕዶ’ምበር ዘይበዝሖም፤ ምስ ዓቢይ ዓቢይ፣ ምስ ንእሽቶ ንእሽቶ፤ ልዕሊ ኵሉ ኣብ ዝተሳተፍዎም ዝነበሩ መንፈሳዊ ውራያት መጸበቕን ተዓጢጦም ዘገልግሉን፣ ሳዕሲዖምን ዘሊሎምን ዘይደክሙ፤ ኣብ ዋዜማን ማኅሌትን ከገልግሉ ኮቦሮ ክሃርሙ ኮነ መቖምያን ጸናጽልን ሒዞም ዘዚሙን ክዝምሩን፣ ዘገርም ክእለትን ወንን ዝነበሮም፤ ኣብ ሰዓታት ጸሎት ማኅበር ብተገዳስነት ዝኃብፉን ከምኡ ውን ፍሉይ ትግሃት ብሕታዊ ጸሎት ዝነበሮምን፤ ካብ ንእስነቶም ኣብ ሥራሕ ተጒላባነት ዘይፈልጡ ጉልበቶም ዝይሓብኡ፤ ፍሉይ ፍቕሪ ስፖርት ዝነበሮ፣ ማለት ክሳብ ወዲ 60 ወዲ 64 ዓመት እውን እንተኾኑ፣ ደድኅሪ ኩዕሶ ዝጐዩ ስፖርተኛ ኢዮም ዝንበሩ፤ ኮታ ኣስተማቒርና ዘይጸገብናዮም፣ ፍቕሮምን ኅውነቶምን ወትሩ ኣብ ልብናን ኣእምሮናን ተወቒሩ ክነብር እዩ። ክቡር ኃው ዳምያኖ፣ “ካልኣይ ጊዜ እንተዝፍጠር፣ ፍራንቸስካዊ ምኾንኩ” እናበሉ፣ ዓሚቚ ፍቕሪ ፍራንቸስካዊ መንነቶም ዝገልጹ ዝንበሩ ኃው ኢዮም።

ንዕረፍቲ ኃው ዳምያኖ፣ ምቕባልን ምእማንን፣ ብሥጋ ክትሓስቦ ከቢድ እኳ እንተኾነ፣  ከም ትምህርቲ ቃል ኣምላኽና፣ “እ/ር ሃበ፣ እ/ር ወሰደ፥ ስሙ ብሩኽ እዩ” እና በልና - እግዚአብሔር ኣቦ፣ ንኃውና ዳምያኖ፣ ንስኻ ሂብካና፤ ሎሚ ከኣ ንስኻ ወሲድካዮ ኣለኻ፣ ተመስገን” ንብሎ ኣሎና። ነዚ ሓቂ ኣጸቢቑ ዝተረድአ ኣቦና ቅ. ፍራንቸስኮስ “ኦ ጐይታ! ብኃውትና ሞት ዝተመስገንካ ኩን” ከምዝበለ፣ ንሕና ውን ኣብዚ ዓመተ ኢዮቤል ዝኽሪ ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ መበል 800 ዓመት እነኽብረሉ ዘሎና፣ ብዕረፍቲ ክቡር ኃው ዳሚያኖ ኣርዳዲ እውን ተመስገን ጥራሕ ኢና ክብል እንኽእል። 

ክቡር ኃው ዳምያኖ፣ ንዝሓመሙን ንዝሸምገሉን ኣኅዋቶም ብፍቕሪ ደኣ ኣልዒሎምን ኣንቢሮምን እምበር፣ ሓሚሞም እኳ ኩባያ ማይ ተቐቢሎም ዘይፈልጡ፣ ሕማሞም ወላ ንሣልስቲ እንተዝገብረልናስ፣ ከነልዕሎም ዕድል ክንረክብ፣ ኣበይ እሞ እንተዝኾነልና ንብል። ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ኮና ግና፣ ፍቁር ኃውና “እግሪ እምበር ዓይኒ ዘይብላ ሞት” መጺኣ፣ ንዓኻ ካብ መረጸት፣- ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዘለዉ ዝፈትዉኻ ደቂ ማኅበርካ፤ ኵሎም ውፉያት ዝቐረቡኻ፥ ዝጓሰኻዮም ምእመናንካ፥ ዘምሃርካዮም መንእሰያትካ፥ ኮታ ጣዕምኻ ዝጠዓሙ ኵሎም፤ “በቲ ኵሉ ዘርኣኻና ገደብ ዘይብሉ ፍቕርን ሓጐስን፤ ፍራንቸስካዊ ኅውነትን ንኡስነትን፥ “የቐንየልና” ንብለካ ኣለና።

ሥርዕተ ቀብሪ፣

ጽባሕ በዓለ ኪዳነ ምሕረት፣ ልክዕ ሰዓት 10.30 ቅ.ቀ.፣ ምእንቲ ነፍሶም ብቋንቋ ኩማናማ፣ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዓሪጉ። ኣብ ሥርዓት ሓመድ ድበ፣ ብፁዕ ኣቡነ ቶማስ ዖስማን፣ ኤጳርቃ ባረንቱን፤ ብዙሓት ካህናትን፤ ተመሃርቲ ዘርኣክህነትን፤ ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን፤ ወከልቲ ሉተራዊት ወንጌላዊት ቤተክርስትያንን፤ ላዕለዎት ኣካላት መንግሥትን፤ ካብ ከበየ ዓድታት ዝወሓዙ ሕዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣብቲ ጸዓዱ ምስዮናውያንን ተወለድቲ ሕዝቢ ኩናማ ዝኾኑ ደቂ ማኅበርን ዓሪፎምሉ ዝርከቡ ዘለዉ፣ መካነ መቃብ ደብረ ኪዳነ ምሕረት ባረንቱ፣ ብዓቢይ ምድፍናቕን መንፈስን ጸሎትን ሥርዓተ ቀብሮም ተፈጺሙ።

መደምደምታ፣-

ክቡር ኃው ዳምያኖ ኣርዳዲ፣ ኣብዚ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ዕረፍቲ እዚ ሱራፌላዊ ቅዱስ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ፣ እንዝክረሉ ዘሎና ዓመት፣ ኣብ መበል 68 ዕድሚኦምን 43 ዓመት ውፉይ ሕይወቶምን፣ ንሰማይ ምሕላፎም፣ ኣጋጣሚ ከም ዘይኮነ ኣሚንና ንጸናናዕ “ኦ ጐይታ! ብኃውትና ሞት፣ እተመስገንካ ኵን” ንብልን ኣሎና። “ሕያዎት ሰባት፣ ብሕያውነቶም  ይዝከሩ።” እውን ንብል።

28 May 2026, 13:25