ባሕሬን፣ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ትጽምብል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቭቲካን
ንመበል 800 ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ንምዝካር ተኸታታሊ ፍጻመታት ኣብ ባህሬን ኣብ "ዓመት ኢሳ ኣል ካቢር" ብንጉስ ሃማድ ቢን ኢሳ ኣል ካሊፋ፣ ንኽብሪ እቲ መስራቲ ዘመናዊ መንግስቲ ሃገረ ባህሬን ማለቲ ናይቲ ኣብ ምሕዳስ እታ ሃገር ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነብረ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሼክ ኢሳ ቢን ዓሊ ኣል ካሊፋ (ኢሳ ኣል ካቢር ተባሂሉ ዝፍለጥ) ተኣዊጁ። እዚ ምልክታ እዚ ካብቲ ኣብ ማናማ ዝርከብ ኤምባሲ ኢጣልያ ምስ “እዚ ባህሬን ኢዩ” ዝመ ማሕበር ብምትሕብባር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ንግስነት እቲ ወሽመጥ "ንምይይጥን ብሓባር ንምንባርን ንበበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ንምኽባርን ዘለዋ ቐጻሊ ቘራጽነት" ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ።
ውርሻ ቅዱስ ፍራንቸስኮ
ሃገረ ባህሬን ነቲ ሓባራዊ ውርሻ ገይራ እትርእዮ ከተኽብር እያ እትዳሎ ዘላ። እቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ "ብግዜን ባህልን እተፈላለዩ እኳ እንተዀኑ፣ ክልቲኦም ወገናት ግን ሓባራዊ ውርሻ ኣለዎም፣ ህይወቶም ናይ ሓቂ ብርታዐ ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ርሕራሐን ግሉጽነትን ምቅብባልን በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልያት ከም ዘሎ የዘኻኽረና" ክብል ይገልጽ።
ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብዓል ኣሲዚ (1181-1228) ኣብ 1219 ምስ ሱልጣን ግብጺ ብዝገበሮ ታሪኻዊ ርክብ፣ ንፍልልያት ብኣኽብሮት ዝመስከረን፣ ናይ ሰላምን ምይይጥን ሰብ ምዃኑ ኣብ መላእ ዓለም ይዝከር። እቲ መግለጺ ወሲኹ፣ "ድሕሪ ዘመናት ኢሳ ኣል ካቢር ሼክ ኢሳ ቢን ኣሊ ኣል ካሊፋ (1869-1932) ንእተፈላለዩ ማሕበረሰባት ማዕጾ ኸፊቱሎም ኢዩ፣ ኣብ ምልውዋጥን ምርድዳእን እተመስረተ ተቐባልነት ዘለዎ ሕብረተሰብ እምነ መሰረት ኣንቢሮም እዮም" ክብል የመላኽት።
ብሓባር ምንባርን ምይይጥን ዘተባብዕ ፍጻመታት
ዕላማ እቲ ናይ ዝኽሪ ብሓባር ምንባርን ምይይጥን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንምጕላሕ እዩ። እዚ ኣኼባ እዚ መራሕትን ምሁራትን ብዛዕባ "ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ እተተሓሓዘ ኣድማሳዊ መልእኽቲ ሰላም" ንምስትንታን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ምትሕብባር ባህላውን ሃይማኖታውን ኣኼባ ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ። እንተላይ ምስ ሱልጣን ግብጺ ዝነበሮ ዕርክነት ብምዝካር ድማ "ኢኮኖሚ ቅዱስ ፍራንቸስኮ" ንህሉው ሕጽረትን ድኽነትን ምላሽ ንምሃብ ከምኡውን፣ "ኢኮሎጂ ቅዱስ ፍራንቸስኮ" ንምድሪ ንምዕቃብን ሃብታ ንምሕዳስን ጻውዒት ዘቕርብ እዩ።
ብተወሳኺውን ኣብ ባህሬን ንዝርከቡ ተማሃሮን መንእሰያትን ስነ-ጥበባውያንን ኣብ ዙርያ ሰላምን ዕርክነትን ተፈጥሮን ናይ ፈጠራ መግለጺታት ዘተባብዕ ሃገራዊ ውድድር ስእልታት ከምኡውን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ በዓል ኣሲዚን ከምኡውን ምስ ፍጥረትን ሰብኣውነትን ስኒት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ግዜ ዘይሓልፎ መልእኽቱን ዘኽብር መዝሙር ፍጥረታት ዘርእስቱ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ ኢዮም።
ድምጺ ናይቲ ቅዱስ ንሎሚ ውን ንዓለም ይዛረባ ኣሎ
ኣምባሳደር ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ማናማ ኣንድርያ ካታላኖ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ድምጺ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክሳዕ ሕጂ ንዓለምና ይዛረባ ኣሎ" ከምኡውን "እቲ ንሰላምን ምይይጥን ዘቕረቦ ጻውዒት ኣብቲ ምክፍፋልን ግጭትን ዝመልኦ መዋእል ህጹጽነት ከም ዝምስክር እውን ገለጸ።
ኣብዚ ቅልውላው ዝመልኦ እዋን ይብል ካታላኖ ወሲኹ "ውርሻኡ ናብ ስኒት ዝመርሕ መገዲ ኮይኑ፣ ኣብ ወረራ ዘይኰነስ ኣብ ርሕራሐ ኸም ዝርከብ የዘኻኽረና። ኣብ መንደቕ ምህናስ ዘይኰነስ ኣብ ድልድላት ምህናጽን፣ ብስቕታ ዘይኰነስ ብዝርርብ ኢዩ ዝብጽሕ" ይብል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ምክፍፋል ግጭትን ዘይምስምማዕ ኣብ ዝሰፍነሉ እዋን ዘርኢ ሰላም ክንዘርእን ኣሎና" ብምባል ኣጕልሐ።
ግደ ደቀንስትዮ
ኣደ መንበር ምሕበር “እዚ ባህሬን ኢዩ” ዝዀነት ቤትሲ ማቲሰን እውን ብወገና፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ኣብ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ኣቓልቦ ኣጕልሐት። "ነተን ምስ ሰቅድስቲ ክላር ብሓባር ማሕበር ዝመስረታ፣ ድኻታት ክላሪስ ብዝገበሮ ደገፍ ድማ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ትርጕም ዘለዎ ተወፋይነትን ጽልዋን ዘለዎ ህይወት ንኽነብራ ዘኽኣለን መገዲ ኣብ ምስዓብ ሓጊዙ" በለት።