ድለ

ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ሂክስ፡ 'ግሩም ሰብኣውነት' ዓዋዲ መልእኽቲ ንመጻኢ ወለዶታት ዝቐርብ እዩ ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ሂክስ፡ 'ግሩም ሰብኣውነት' ዓዋዲ መልእኽቲ ንመጻኢ ወለዶታት ዝቐርብ እዩ  (AFP or licensors)

ናይ ኒውዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ሂክስ፡ 'ግሩም ሰብኣውነት' ዓዋዲ መልእኽቲ ንመጻኢ ወለዶታት ዝቐርብ እዩ

ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ሮናልድ ሂክስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ - መሕትት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ 'ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas' ዓዋዲ መልእኽቲ ንመጻኢ ወለዶታት ኣድላዪን ኣገዳስነን ቅኑዕን ጕዳያት ናብ ቅድሚት ዘምጽእ እውን ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኒው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ሮናልድ ሂክስ ድሕሪ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ - መሕትት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መጀመርታ ዓመት ሕርየቶም ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምዝርራብ ዝገበርዎ ውሳነ ሓንጎፋይ ቢሎም ብምቕባልን ብምምስጋንን እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ "እዋናዊ" "ኣገዳሲ" ከምኡውን ንዝመጽእ ወለዶታት ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብዙሕ ነገራት ክጸልው ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነዚ ጕዳይ እዚ ብቐጥታ ማእከል ብምግባር እደ ጥበባዊ ምዕባለ ኣብ ሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ረብሓን እተመስረተ ክኸውንን በዚ መገዲ እዚ ድማ ክረጋገጽ ይጽውዑ፡

ሊቀ ጳጳሳት ሂክስ ኣገዳስነት እቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዝለገስዎ ናይ መጀመርታ ‘ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanitas’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ እንታይ ይመስለኩም?

ብቐዳምነት ኣዝየ እየ ዘመስግኖም። ቅዱስ ኣቦና ኣቃልቦኦም ኣብ ህርፋን ናይቲ ኣብዛ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓቂ ጕዳያት ዝገበሩ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ። ቅዱስ ኣቦና ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ከም ቤተ - ክርስትያን መጠን ኣብ ዓለምን ኣብ ናይ ሓቂ ኣርእስትታትን ከም እንሳተፍን የርእዩ ኣለዉ። እዚ እዋናዊ ጕዳይ እዩ። እዚ ኣገዳሲ ጕዳይ እዩ . . . ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ከምኡውን ንዝበለጸን ብግብእን መገዲ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ክዝትዩ ከም ዝደልዩ ዘረጋግጽ እዩ፡ ካብቲ ምዕባለ ክሕባእ እሞ ከም ዘየለ ኣምሲልና ምንባር ንኸይንስዕብ የተባብዑና። እቲ ዘሎ ምዕባለ ህልው እዩ ስለዚ ገለ ስነ-ምግባራዊ ምምሕዳር ኣበይ ክህሉ ኢዩ? ገለ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣበይ ክህሉ ኢዩ? ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሓባራዊ ረብሓ ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ እቲ ዘድሊ ምትሕብባር ኣበይ ክህሉ ኢዩ? ስለዚ ንቅዱስ ኣቦና ኣዝየ ከመስግኖም ጥራይ ዘይኰንኩ፡ በዚ ዓዋዲ መልእክቲ እዚ እውን ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ንዓለም ዘድልያ ይመስለኒ። ጽቡቕ ተቐባልነት ይረክብ ድማ ኣሎ። . . .

ትኽክል! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንእደ ጥበብ ኣይፈርሁን እዮም። ብስነ ሕሳብ ቀዳማይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ዘመስከሩ እዮም . . . መብዛሕትኡ ግዜ ከም ማእከል ስልጣንን ንግድን እደ ጥበብን ምህዞን ተገይራ ናይ እትርአ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ኢኹም። ነዚ ኣብ መዋእል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንደቂ ሰብ ንምዕቋብ ዝጽውዕ ዓዋዲ መልእኽቲ እንታይ ግብረ መልስታት ትርእዩ ኣሎኹም?

ብጀካ ግልጽነትን ተቐባልነትን ምስጋናን እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣሰይማዕኩን ኣይረኣኹን። ኵሉ ሰብ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ዘይንርድኦ ብዙሕ ነገራት ከም ዘሎ ቅዱስነቶም ይዛረቡ እዮም። ስለዚ ብዛዕባኡ ኽንዛረብ ንጀምር፣ ቅዱስ ኣቦና ባዕሎምን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ማእከል እዚ ሓድሽ ምዕባለ እዚ ከም ዘላ የዘኻኽሩ፡ እቶም ካቶሊካውያን ዘይኰኑ ሰባት እውን ከይተረፉ  ብዛዕባ እዛ ዓዋዲት መልኽቲ ይዛረቡን ዓቢ ኣቃልቦ እውን ይህብሉ ኣለዉ። . . . ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኺመርሕ ዲና እንፈቕደሉ? ብውሑዳት ሰባት ጥራይ ክውንነ ዲና እንፈቅድ? ውይስን ንረብሓ ዓለምን ፍጥረት ሰብን ክንጥቀመሉ ይግባእ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓቂ ዘስተንትኑ ብምዃኖም ኣዚዩ ባህ የብለኒ፡ ኣብዛ ኣብ እደ ጥበብ ዝያዳ እተራቐትን እናዓበየትን እትኸይድ ዘላ ዓለም ከምኡውን ሰብ ስረሖ ኣስተውዕሎን ስጕምቲ ክውሰድ ዘኽእል መገድታትን ኣብዚ መዋእል እዚ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ ዝብሉ ጽቡቕ ሕቶታት ዘቐርብ ይመስለኒ። ኣብ መወዳእትኡ ኵላትና ሰባት ስለ ዝዀንና ኵሉ ሰብ ይቕበሎ ኣሎ። ኵላትና ኣብዚ መድርኽ እዚ ብሓባር ኢና ዘሎና ኵላትና ልብና ሓድነት ኪህልዎ ተስፋ እገብር፡ ነዚ ሰብኣዊ ኽብረት እዚ ድማ ንዅላትና ኸነስፍሖ ንደሊ። . . .

ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝገልጽዎ ሻቕሎት ኣየናይ እዩ ዝያዳ ንዓኹም ዝስምዓኩም? ኣብ ርእሰ ሰበኻኹም ከይተረፈ ሰባት ካብኡ እንታይ ኪመሃሩ ትደልዩ?

ነቲ ሰነድ ኣብ ዘጉድሎ ድምጽታት ከነውርዶ ዝድርኽ ፈተና ከጋጥም ይኽእል፡ ኮፍ ኢልና ከነንብቦን ብዕምቆት ክንፈልጦን ክንጽልን ክንመያየጥንን ከነስተንትነኖን ኣድላዪ ይመስለኒ። ቅዱስ ኣቦና ብቐጥታ ንዓለም ይዛረቡ ከም ዘለዎ እዩ ዝስምዓኒ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዕዳጋ ስራሕ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ኣብኡ ግደ ኣለዎ። ንመንእሰያትና ብቐረባ እየ ዝሰሞዖም። እዚ ኣርእስቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ድማ ኣብ ማእከል ሻቕሎቶምን ብዛዕባ እንታይ ከም ዚሓስቡን እንታይ ከም ዜጨንቖምን።

መንእሰያት ሕጂ ንሓደ ነገር ድየ ዝመሃር ዘለኹ ስራሕ ወይ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት ዘይህሉ ሞያ ድየ ዘጽንዕ ዘለኹ ዝብል ሕቶ ይሓትቱ ኣለዉ ። ጭንቀት ኣሎ፣ ሻቕሎት ኣሎ፣ ገለ ኣንፈት እውን የናድዩ ኣለዉ። እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ ንገለ ካብቲ ኣብ ኵሉ ደረጃ ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ዚርእይዎ ግብራዊ ጕዳያት ብኸመይ ከም እንፈትሖ እውን ዝሕግዝ ኣዝዩ ግብራዊ ምልክዓ ምድሪ ዚህበና ይመስለኒ።

ሓደስቲ ነገራት - Rerum novarum ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ክትሓስቡ እንኮለኹም፡ ስነ ኣሃዛዊ ሰውራ ብመንጽር ዓቐን ጽልዋኡ፡ ምስ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ክወዳደር ከም ዝኽእል ብሓቂ ትኣምኑ ዲኹም?

ምስ ‘ሓደስቲ ነገራት - Rerum novarum ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎ፡ እዚ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ንመላእ ዓለም ቀዪሩ እዩ። ንዕዳጋ ስራሕ ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ኽትሓስብ ከለኻ ሰባት ኣብቲ እንሰርሖ ስራሕን ኣብቲ ዘሎና ስራሕን ሰብኣዊ ኽብረት ኪህሉ ድዩ? ናብ መኽሰብ ዚመርሑ ጊልያዎት ዲና ወይስ ሮቦት ክንቅየር ኢና? እዚ ነገራት እዚ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ኺፍታሕ ዝነበሮ ብምዃኑ ድማ ‘ሓደስቲ ነገራት - Rerum novarum’  ነዚ ከመይ ንፍትሓዮ ንዝብል ሕቶ ኣንፈት ዝህብ እዩ።

እዚ ‘ግሩም ሰብኣውነት - Magnifica humanita’ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ንዓሰርተታት ዓመታትን ንዝመጽእ ወለዶታትን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክጥቀመሉ እዩ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ህልው ኮይኑ ኣሎ ኩሉ ነገር ድማ ክቕየር ኢዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ሕቶታት ንኸነቕርብ ዝድርኸና ምዃኑ ዝብል ግምት ኣሎኒ። መኽሰብ ጥራይ ድዩ ዝድረኽ ወይስ ንመኽሰብ ጊልያዎትን ሮቦትን ጥራይ ከይንኸውን ንሰናይ ደቂ ሰብ እንርእዮ ነገር ክህሉ ድዩ? ንናይ ሓባር ረብሓ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ? ስለዚ ምስ ሓደስቲ ነገራት - Rerum novarum ዘርእስቱ ናይ ልዮን መበል 13 ዓዋዲ መልእኽቲ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣሎ፡ እዚ ‘ግሩም ሰብኣውነት  - Magnifica humanita’ ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንብዙሓት ወለዶታት ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።

ሊቀ ጳጳሳት ሂክስ ግሩም ሰብኣውነት ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብፍላይ ንጉስነታዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ኣሎዶ? ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ሰነድ ባዕሎም ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብዛዕባ ሰብ ስርሖ ኣስተውዕሎ ጥራይ ዘይኰነስ ንሰብእና ሰብ ኣብ ግዜ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምዕቋብ ከም ዝዀነ ብዙሕ ሳዕ ሰሚዕና ኢና። እዚ ብኣረኣእያኹም ንጉስነታዊ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ኣገዳስነት ኣለዎ?

ብፍጹም። ኣብ መወዳእትኡ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት እዩ? ንካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ከኣ ነዚ ከም ክፍሊ መልእኽትናን ተልእኾናን ጌርና ኽንቅበሎ ኢና። ምሉእ ሰብኣውን ምሉእ መለኮታውን ዝዀነ ኢየሱስ ምሉእ ብምሉእ ሰብ ክንከውን ይጽውዓና። ምስኡ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንካፈልን ህይወቱ ኣብ ኵሉ ህይወትና ከነንጸባርቕን ይደልየና እዩ። እዚ ዓዋዲ መልእኽቲ እዚ ምስዚ ብቐጥታ እተተሓሓዘ እዩ። ንሓድሕድና ብኸመይ ኢና እንቀራረብ? ሰብ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ? ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ገጽ ሓድሕድና ብኸመይ ኢና ክንርእይ እንኽእል? እዚ ኩሉ ምስ ሰብኣውነትና ዝተኣሳሰረ እዩ፣ እዚ ድማ ክፍሊ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያንን ክፍሊ ተልእኾ ቤተ - ክርስትያንን እዩ። ሰብ ስረሖ ኣስተውዕሎ ነዚ ዅሉ ኺጸልዎ እዩ። ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ልዮን እቶም ዘተኣሳሰርዎም ክልተ መዳያት እዋናውን ኣገዳስን ኣድላዪን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንነዊሕ እዋን እውን ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል እዩ።

ካልእ ክትውስኸዎ እትደልይዎ ኣንተሎ?

ቅዱስ ኣቦና ድሮ ኣብ ሓደ ዓመት ናይ ር.ሊ.ጵጵስናኦም እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትሕዝቶን ኣገዳስን ኣድላዪን ዝኾነ ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎ ስለ ዝለገሱልና ዓዋዲ መልእኽቲ ከመስግኖ እደሊ። ንመርሕነቶም አመስግን፡ እቲ ዘተን ገለ ውሳነታት ናበይ ከም ዝኸይድን ብሃንቀውታ እየ ዝጽበ። ዓለም እንታይ ከም እትመስል ንምቕራጽ ይሕግዝ ኣሎ። ነዚ ዝገብርዎ ድማ ከምኡ ካብ ኢየሱስ ዝመጽእ ኣማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊክን ተልእኾ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ፡ ንቕዱስ ኣቦና ኣዚየ አመስግኖም እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።

30 May 2026, 17:19