ናይ ሃገረ ሱዳን ጳጳስ፦ ኣብ ጊዜ ኲናት ሓድነት ኣብ መንጎ ክርስትያን
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ሱዳን ሰበኻ ኤል ኦቤይድ ናይ ሎሚ ዓመት ሰሙነ ሕማማት "ናይ ሓቂ ሰሙነ ሕማማት" ኰይኑ ኣሎ፣ ምኽንያቱ ሰሙነ ሕማማት፡ ኣብ ሕማማት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሳተፍ እንዕደመሉ ጊዜ ኢዩ፣ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ከኣ ጭቡጥ ሓቂ ኰይንዎም ኣሎ። እታ ሃገር ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ማለት ብዕለት 15 ሚያዝያ 2023 ብኽልተ ተጻባእቲ ሰራዊት ብዝጀመረ ግጭት፡ ውግእ ሓድሕድ እውን እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ክሳዕ ሕጂ ተበታቲና ትርከብ።
ብ1964 ዝተወልዱ ብፁዕ ጳጳስ ዩናን ቶምበ ትሪል ካብቲ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ዝርከብ ሰበኻ ኤል ኦቤይድ ብተሌፎን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቶም ማሕበረሰብ "ናይ ገዛእ ርእሶም ሕማማት ምስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ" የኽብሩ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 60,000 ሰባት በጺሑ ኣሎ። እቶም ጳጳስ ብዕለት 23 ሚያዝያ 2017 ነቲ ሰፊሕ ሰበኻ ኪመርሑ ብጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ስለ ዝተሸሙ፡ ንዖኦም ወርሒ ሚያዝያ ድርብ ትርጕም ኣለዋ።
"ካብ ዝተፈላለዩ ማእከላት ናይቲ ሰበኻ ዝመጹ፡ ምስ ኵሎም ኣባላት ጕስነታዊ ቤት ምኽሪ ኰይና ኣብ ቍምስናታትና ንዝግበር በዓላት ብዓቢይ ተስፋ ከነኽብሮም ንሰናዶ ኣለና። ከም ሓቂ ግና ኣብ ጅሆ ዝተታሕዘት ከተማ ኢና ዘለና። ድምጺ ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ብቀጻሊ ንሰምዕ ኣለና። ሕዝቢ ኤል ኦቤይድ ነዚ ድምጺ እዚ ዳርጋ ለሚድዎ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ክፍሊ መዓልታዊ ሕይወትና ኰይኑ ኣሎ። እዚ ኵነታት እዚ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ" ክብሉ ብዛዕባቲ ኵነታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብሪሆም።
ኣብ ቅድሚ ፍርሂ ሓድነትን ምትሕብባርን
እቲ ድምጺ ድሮናት እቲ ውግእ ከም ዘይተዛዘመ ዚሕብር ምልክት ኢዩ። ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኮርዶፋን ዝያዶ ዘድሃበ ውን ኢዩ። ኤል ኦቤይድ ብዙሕ ጊዜ ብክልቲኦም ወገናት ኣብ ቲሕቲ ቍጽጽር ዝኣተወት ስትራተጅያዊት ከተማ ኢያ። እቶም ጳጳስ ብዛዕባ መዓልታዊ ክውንነት ግጭታት ደኣ እምበር ብዛዕባ "ንቡር ሕይወት" ወይ ብዛዕባ እቲ ምስቲ ዘሎ ሃዋህው ናይ ግጭት ኪቕጽል ዘለዎ ከቢድ ሕይወት ኣኮነን ዝዛረቡ ዘለዉ።
ነዚ ንምምልካት፡ "እተፈላለየ ደረጃ ፍርሂ ኣሎ፣ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢና እንነብር ዘለና፣ ፍርሂ ግን ኣብ ኵሉ ቦታ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን፣ ነቲ ኣብ ሱዳን ንዝነብር ሰብ እውን ሓደ ዓይነት ኣይኰነን" ይብሉ።
እቶም ካቶሊካውያን ካህናት ካብ ቦታኦም ኣይተንቀሳቀሱን፣ እቶም ጳጳስ ውን ንባዕሎም ናብ ድሕንነት ዘለዎ ቦታ ንምግዓዝ ኣጋጣሚታት እናሃለዎም፡ ምስቶም ምእመናን ኣብ ቀረባ ምጽናሕ መሪጾም። ነቶም ምእመናን በይኖም ከም ዝኾኑ ከይስምዖም ዓቢ ሓገዝ ኢዩ። ትብዓት ይህቦም፡ ከምኡውን ሓደ ኣካል ከም ዝኾኑ ዘርኢ ኢዩ።
እቶም ብፁዕ ጳጳስ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ከም ዘይኰነት፡ ኵለን ካልኦት ኣብያተ ክርስትያን ንሓድሕደን ከም ዝተሓጋገዛ ገሊጾም።
ገና ዝተገብረ ዘተ የለን
ቀጺሎም፡ ብገለ መገድታት እቲ ውግእ፡ ፍልልያት ከም ዚውስኽን ንሰባት ከም ዚቀራረቡን ይገብሮም። "ኣብ ሱዳን ኵላትና ማእከላይ መገዲ ኢና ሒዝና ዘለና፣ ኣብ ጐድኒ ናይ ዝኾነ ኣይኰንናን፣ ተራ ሰባት ኢና። ኣብ ማእከል ኲናት መስቀል ተሰኪሞም ዘለዉ ሰባት፦ እነፍቅሮም ሰባት፡ ኣባይትና ፡መሬትና፡ ኵሉ ነገር ኣጥፊእና ኢና" ይብሉ።
እቶም ጳጳስ ኣብ ደረጃ ፍልልይ ከም ዘየለ ውን ኣጕልሖም። "እቲ ውግእ ንዅላትና ብማዕረ ጸልዩና ኢዩ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ኣብ በዓለ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ንሱ ዝተንሥኦ ንሕና እውን ናብ ሓድሽ ሕይወት ክንትንስእ ተስፋ ስለ ዚህበና ዝያዳ ዓሚቝ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ።"
ኣብ ከምዚ ኵነት ከኣ ንቕድሚት ክትስጉም ዝደፍኣካ ዓሚቝ እምነት ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳንን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን፡ ናብ ሰላም ዚመርሕ መገዲ ወይ ጭቡጥ ዘተ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። ብፁዕ ጳጳስ ቶምበ "ሰላም መጺኡ ንመጻኢ እታ ሃገር ከም ዚቕይሮ ርግጸኛ ኢየ፣ ሞት ውን እኳ እንተኾነ፡ በታ ድሕሪ ሞት እትመጽእ መዓልቲ ንኣምን እሞ ሓራ ክንወጺእ ኢና" ይብሉ።
ኣብ ልዕሊ ዛምዛም ዝወረደ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ሓደ ዓመት ኰይኑ
ኣብዚ እዋን እዚ ሱዳን ሓንቲ ናይ ቀራንዮ ህሞት እያ። ወርሒ ሚያዝያ ካልእ ኣሰቓቒ ዝኽሪ ኣለዋ፣ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2025 ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ዝነበርዎ ሰፈር ስደተኛታት ዛምዛም ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ፈጺሞም። ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ብዶክተራት ብዘይ ዶብ ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ብኣማኢት ዚቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም፣ ብኣማኢት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ከም እተዓመጻ ዚገልጽ ምስክርነት ከም ዘሎ ውን ገሊጾም።
"ኣብ ዛምዛም ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ነገራት ኢና ርኢና። ወተሃደራት ንኣዋልድ እቶም ኣብቲ መዕቆቢ ዝነበሩ ህዝቢ ሒዞም ከም ዝደፈርወን" ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ሃገረ ሱዳን ንሰለስተ ዓመት ዝኽሪ ጥፍኣት ተኽብር ኣላ። እቶም ጳጳስ ተዘክሮኦም ኪገልጹ እንከለዉ "ውግእ ፈጺሙ ጽቡቕ ነገር ኣይኰነን—ፈጺሙ ብዝዀነ ምኽንያትን፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብን ውግእ ጽቡቅ ኣይኰነን፣ ነቶም ውግእ ዚእውጁ እውን ጽቡቕ ኣይኰነን" ይብሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ናይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንማሕበረሰብ ሱዳን ዓቢ ተስፋ ኢዩ። ጳጳስ ቶምበ "ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቕበልዎ እንከለዉ ኣብ ሓጐሶም ተኻፈልቲ ክንከውን ኢና፣ ናብ ሱዳን ኣይኪመጹን ኢዮም፣ ግናኸ ናባና ኪቐርቡ ኢዮም፣ ንሕና እውን በቲ ናቶም ምብጻሕ በረኸት ከም እንቕበል ርግጸኛ ኢየ።"