ሴዉል፣ ናይ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ጠበቓታት ዝኾኑ ቅዱሳን ትሰሚ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ሴውል 2027 ኣዳለዉቲ ኮሚተ (LOC)፣ ሓሙሽተ ጥበቓታት ቅዱሳን ከም ዝመረጹ ኣፍሊጦም፣ ብመሰረት እቲ ፍጻመ፣ ንሓቅን ፍቕርን ሰላምን ኣብ ግምት ብምእታው ከም እተመርጹ ድማ ገሊጾም።
እቲ ዝርዝር ናይዞም ቅዱሳን ድማ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጀማሪ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት፤ ቅዱስ እንድርያስ ኪም ታይጎንን ብጾቱን ከም ቀዳሞት ሰማእታት ናይታ ኣብ ደቡባዊ ኮርያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፤ ቅዱስ ፍራንሲስ ኻቪየር ካብሪኒ ምስ ስደተኛታት ብዝነበሮ ተልእኾ ስለዝፍለጥ፤ ቅድስት ጆሴፊን ባኪታ ኣብ መንጎ ስቓይን መከራን እምነት ዘንጸባረቐት ብምዃና፣ ከምኡውን ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ ምስቲ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መዋእል ዝግበረ ተልእኾ ወንጌል ብዝተተሓሓዘ ኢዮም ዝመረጽዎም።
እዚ ዝርዝር ቅዱሳን እዚ ብሓባር ንኣህጉራትን ወለዶታትን ዝሽፍን፣ ብውግእን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን ባርነትን ዘመናዊ ባህልን ዘስዕቦ ብድሆታት ዘንጸባርቕ ህይወት ዝሓዘ ኢዩ - ኣዳለውቲ እቲ መደባት ከም ዝገለጽዎ፣ ተመክሮታቶም ምስቲ ሎሚ ንብዙሓት መንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ክውንነት ድማ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኢዩ።
እዚ ናይ ምርጫ መስርሕ ኣብ መወዳእታ 2024 ተጀሚሩ፣ ኣብ ምላእ እታ ሃገር ብዛዕባ መንእሰያትን ኣገልገልቲ መንእሰያትን ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጕስነትን እተገብረ መጽናዕቲ ዜጠቓልል እዩ ዝንበረ፣ ድሕሪኡ ድማ በቲ ኣዳላዊ ኮሚቴ ዝካየደ ዘተ ኢዩ ተሰናድዩ።
ጸኒሖም ሓደ ጕጅለ ወለንተኛታት መንእሰያት ንኽልተ ወርሒ ህይወትን መንፈሳውነትን ቅዱሳን ብምጽናዕ፣ ጸሎትን ምሳልያዊ ዝኸውን ምልክታትን ብምስትንታንን ብምይይጥን ነዚ ኣዳለዉ።
ብፁዕ ካርዲናል ኬቨን ፋረል ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነዞም ጠበቓታት ዝኾኑ ቅዱሳን፣ ነቲ ፍጻመ ኣብ ዝካየድ መንፈሳዊ ምስንዳው ኣብ ምቕራጽ ኣገዳሲ ግደ ኸም ዘለዎም ገለጹ።
"እዞም ጠበቓታትና ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፍ ዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ምድላው መሰረታዊ ግደ ኢዮም ዝጻወቱ። ንመንእሰያትን ኣዳለውቲ መደባትን ካህናትድን ብዛዕባ ውህበት ጸዋዕታ ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ጥምቀት ክህነት ምንኩስናዊ ጸዋዕታን ኪዳናዊ ሕይወትን ኼስተንትኑ ድማ ይዕድሙና፣ ከምቲ ፍረ ነገር እቲ ዚመጽእ ዓለም ለኻዊ ቅነ መንእሰያት ዜዘኻኽረና፣ ነቲ ንዓለም ዝሰዓረ ክርስቶስ ብምስዓብ ብልግስን ትብዓትን ምላሽ ክንህበሉ የተባብዑና" ድማ በሉ።
ብፁዕ ካርዲናል ፋረል ወሲኾም፣ "ምስክርነት እዞም ጠበቓታትና ዝኾኑ ቅዱሳን፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መንእሰያት ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ጸገማትን ስደትን ኣብ ዝርከቡሉ ከባቢታት፣ ቅድስና ርሑቕ ሓሳብ ከም ዘይኰነ ንኽግንዘቡ፣ ኣዒንቶም ናብ ክርስቶስ ንኼተኵሩን ንጸዋዕታኡ ብልግሲ ምላሽ ኪህቡን የተባብዖም" በሉ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ኣዳላዊት ፒተር ሶን-ታይክ ቹንግ ብወገኑ፣ እዞም ቅዱሳን ንመንእሰያት ጭቡጥ ኣብነት ከም ዚዀኑ ገለጸ።
"እዞም ጠበቓታት ዝኹኑ ቅዱሳን፣ ንኣህጉራትን ወለዶታትን ዝሽፍኑ ኢዮም፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ኣብ መንጎ እቲ ሎሚ ንመንእሰያት ዘጋጥሞም ዘሎ ክውንነት፣ ብእምነት ንምንባር ጭቡጥ መገዲ የቕርቡ" በለ። ኣስዒቡ ድማ፣ "መንእሰያት ኣብዞም ቅዱሳን ኣብነታት ህይወቶም ክረኽቡን፣ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ምድላው ኣብ ዝገበርዎ ጕዕዞ ምስኦም ዓሚቝ መንፈሳዊ ምትእስሳር ክምስርቱን ተስፋ እገብር" ክብል የመልክት።
ኣዳለውቲ እቲ መደባት፣ ነዞም ቅዱሳን ብወግዓዊ መድረኻት ኣቢሎም ከም ዘፋለጡን፣ ቅድሚ እቲ ናይ 2027 ጉባኤ ዓለምለኻዊ ቅነ መንእሰያት ተሳትፎኦም ንምዕማቝ መደባቶም ከዳልዉን ምዃኖም ገለጹ።
"ምስቲ ጠበቓኻ ዝኾነ ቕዱስኻ ተራኸብ!" ዘርእስቱ መስተጋብራዊ ፊልም እውን ተኸፊቱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንተጠቀምቲ ሕቶታት ኪምልሱን ካብቶም ሓሙሽተ ቅዱሳን ኣየኖት ከም ዝሰማማዕዎም ክፈልጡን ዝዕድም ኢዩ።
እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ፈለማ ኣብ https://www.licas.news/ እያ ተሓቲማ። ኵሉ መሰላት ኣዳላዊ ድማ እተሓለወ እዩ። ብሳልሳይ ኣካል ብዘይ ፍቓድ ዳግም-ክህተም ድማ ኣይፍቀድን እዩ።