ፊሊፒንስ፦ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቪሌጋስ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቕለት ንስሓ ኪግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዓርቢ ስቕለት "እንታይ እዩ ኣጋጢሙ? ንኣምላኽ ቀተልዎ። ቅድሚ ንኣምላኽ ምቕታሎም ፡ ንኣምላኽ ኣላገጹሉ። ንኣምላኽ ቅድሚ ምልጋጾም፡ ንኣምላኽ ጸረፍዎ፡ ንኣምላኽ ክዳኑ ገፈፍዎ" ክብሉ ሊቀ ጳጳሳት ሶቅራጠስ ቪሌጋስ ብዛዕባ ሕማማት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተንቲኖም። ንኵሎም ምእመናን ከኣ፡ ሕይወቶም ክምርምሩን ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ብምኽንያት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ፡ እቶም ሊቀ ጳጳሳት ንመልእኽቶም በቲ “ኣምላኽ ከኣ ንጸልማትን ብርሃንን ፈለዮም” ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምስሊ ፍጥረት ብምዝካር ጀሚሮም።
እግዚአብሔር ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ቅድሚ ምፍጣሩ ጸልማት ነበረ። ብርሃን ኣይነበረን። ምሉእ ብምሉእ ጸልማት ኢዩ ነይሩ። ሽዑ እግዚአብሔር ብርሃን ይኹን ኢሉ ኣዘዘ፡ ብርሃን ከኣ ኰነ። ይኹን እምበር ኣብ ታሪኽ ከም ብሓድሽ ጸልማት ንምድሪ ሸፊንዋ፣ ንሱ ከኣ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኢዩ ክብሉ ገሊጾም።
ኣብ ዓርቢ ስቕለት ኵሉ ጸልማት ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ንሕና ኣብ ጸልማት ዲና እንነብር ዘለና ወይስ ኣብ ብርሃን? ካብቲ ናይቲ ሽዑ ላግጺ ኣትሒዙ፡ ካብቲ ቕድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ንኣምላኽ ካብ ዝቐትልዎ ኣትሒዙ፡ ሕጂ ውን እንተኾነ፡ እዚ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ኢልና ብሓቂ ክሳዕ እንእውጅ ኵሉ ሳዕ ጸልማት ኪህሉ ኢዩ" ክብሉ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ምእማንን ምምስካርን ከም ዘድሊ አብሪሆም።
ገና ኣብ ጸልማት ዘላ ዓለም
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ቪሌጋስ ጸልማት ዓርቢ ስቕለት ዝሓለፈ ፍጻመ ጥራይ ዘይኰነስ ህሉው ክውንነት ምዃኑ ኣጠንቂቖም።
"ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ጸልማት ዓርቢ ስቕለት ኢና እንነብር ዘለና፣ ምኽንያቱ፡ ኣምላኽ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ገና ይጽረፍን ይንጸግን ኣሎ፣” ዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት ቪሌጋስ፡ ንርኽሰት ከም ተራ ነገር ምውሳድን፡ ብዛዕባ እምነት ዘይምግዳስን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ከም ዘተሓሳሰቦም ገሊጾም።
ኣብ ወንጌል "ንኣምላኽ ኬላግጹሉ ከለዉ ሰሚዕና፣ ሰባት ከኣ የጣቕዑን ይስሕቁን ነይሮም፣ ሕጂ ከኣ ቤተ-ክርስትያንን መራሕታን እውን ከይተረፉ ወንጌል ሰላምን ፍቕርን ብምእዋጆም ላግጺ የጋጥሞም ኣሎ። እዚ ንኣምላኽ ብቐጻሊ ምንጻግ ኣብ ሕብረተሰብ ዓሚቝ መንፈሳዊ ጸልማት ኢዩ ዜርኢ ውን ኢሎም።
ናብ ንስሓ ዝቐረበ ጻውዒት
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንኣመንቲ ትሕትናን ልባዊ ንስሓን ኪገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም። "እቲ ክንገብሮ ዘሎና ሓደ ነገር ጥራይ ኢዩ፣ ንሱ ከኣ ርእስና ኣድኒንና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ናይ ሓቂ ጐይታ ምዃኑ ምቕባል" ክብሉ ገሊጾም።
ንኣመንቲ ከኣ ብግብርን፡ ብሸልለትነትን፡ ወይ ብስቓ ንዝገበርዎ ሓጢኣቶም ኪእመኑሉ ተማሕጺኖም።
"ንጐይታ ከም ዘላገጽናዮን፡ ኣብቲ ላግጺ ግደ ከም ዘለናን ክንቕበሎ ኣሎና፣ ንጐይታ ከም ዝጸረፍናዮን፡ ክጽረፍ ከሎ ከኣ ከም ዝሰሓቕና ክንቕበሎ ኣሎና።
ከምዚ ዓይነት ትሕትና፡ ንምሕረት ኣምላኽን፡ ንሕዳሴን መገዲ ይኸፍተልና።
ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን
ሊቀ ጳጳሳት ቪሌጋስ ቀጺሎም፡ ሓቀይና ለውጢ፡ ብክርስቶስ ናብ ሓድሽ ሕይወት ከም ዚመርሕ ኣብሪሆም።
ጐይታ መሊሱ ክሓቝፈኩም ኢዩ፣ ነቲ ብርሃን ሕይወትኩም ዝኾነ ምለስዎ፣ ጐይታ ኣብ ሕይወትኩም ተንሲኡ ኢዩ እሞ፡ እቲ ጸልማት ኪጠፍእ ኢዩ" ድሕሪ ምባል፡ ለውጢ ሓቀይና ቍርጺ ፍቃድ ከም ዘድልዮ ገሊጾም።
"ጸርፍን ርኽሰትን ደው ክብል ኣለዎ፣ ሓሶት ውን ደው ክብል ኣለዎ፣ ጽዩፍ ነገር ከኣ ክውገድ ኣለዎ። እቲ ቕትለት እውን ኪውገድ ኣለዎ። እቲ ንቅትለትን፡ ጽዩፍ ነገርን፡ ሓሶትን ዝድግፍ ውን ኪውገድ ኣለዎ፣ ብምባል ከኣ፡ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣትን፡ ምጕዳል ፍትሕን ክንነጽጎ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ሓድሽ ተስፋ በዓል ትንሳኤ
ሊቀ ጳጳሳት ቪሌጋስ ኣብ መወዳእታ፡ ንኵሎም ምእመናን ዓርቢ ስቕለት ናብ ተስፋ በዓለ ትንሣኤ ከም ዝመርሕ ኣዘኻኺሮም።
"ኣብ ጐድኒ ጐይታ ደው እንተ ኢልኩም ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ዚጽበየኩም፣ ሓድሽ ሕይወት፣ ሓድሽ ብርሃን፣ ሓድሽ በዓል ትንሳኤ" ብምባል ድማ መልእኽቶም ዛዚሞም።