ሞዛምቢክ፡ ኣብ ማእከል ማሕበረ-ፖለቲካዊ ብድሆታት ዝዓበየ ህላወ ጉስነት ክህሉ ጳጳሳት ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ-ክርስትያን ሞዛምቢክ ካብ ወንጌል ዝምንጭው ምልክት ተስፋን ዕርቅን ክትከውንን እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጭቡጥ ጉስነታዊ ህላወ ክትትርጐሞ ኣለዋ። ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ማሕበራዊ ብድሆታትን እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ እውን ኣብቲ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ የስተብህሉ።
ጓሳዊ ህላወን ተኣማንነትን
ድሕሪ እቲ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ብናይ ሞዛምቢክ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናምፑላን ሊቀ ጳጳሳት ኢናሲዮ ሳውሬን ተኸቲሙ ኣብ ዝወጸ ሰነድ፡ ጳጳሳት ሞዛምቢክ ህዝቢ ብተፈጥሮኣዊ ዕንወትን ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዘጋጠመ ግጭት ከምኡውን ዓለምለኻዊ ዘይምርግጋእን ነዚ ስዕቡ ብዘጋጥም ዘሎ ልዑል ናህሪ ዋጋ መነባብሮ ኣብ ስቓይ ከም ዝርከብ ብምምልካት፡ እዚ ረቛሒታት እዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠን ድኽነት እናወሰኸ ክኸይድ ይገብር ምህላዉ ሓቢሮም፡ ህዝቢ ዘይምቹእን ክንክን ዘይገብረሉ ጽርግያታት ዝኣመሰለ ድኹም ህዝባዊ ህንጻታት ከምኡውን ብሓፈሻ ዘተኣማምን ስርዓት ክንክን ጥዕና ዘይምህላዉ ጠቒሶም፥ መንእሰያት ተስፋ ክቖርጹ ዝድርኾም ንኸቢድ ስእነት ስራሕ ዝተቓልዑ ምዃኖም የጒልሑ።
ዘተን ዜግነታዊ ጽምዶን ምግባር
ኣብ መንጎ እዚ ብድሆታት እዚ፡ ቤተ ክርስቲያን ብርሕቐት ዘይኮነስ ኣብቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ክፍሊ ማሕበረሰብ ህልውት ክትከውን ዝተጸውዐት ምዃና ጳጳሳት ሞዛምቢክ ኣስሚሮም፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቤተ ክርስቲያን ምስቶም ተስፋ ዝቖረጹን ተስፋ ዝሰኣኑን ደው ክትብል ኣማራጽን ተግባራውን መፍትሒ ንምድላይ እውን ከይተሓለለት ክትሰርሕ ከም ዘለዋ ብኣጽንዖት ከምዘተሓሳሰቡ መግለጺ ናይ ሞዛምቢክ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነቲ ዘሰክፍ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ኩነታት ንምፍታሕ ምስ ተዋሳእቲ መንግስቲ ዘተን ዜግነታዊ ጽምዶ ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።