'ዓመጽ ምኽሓድ ድኽመት ኣይኮነን'
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ዓመጽ ምኽሓድ ድኻምነት ኣይኮነን፣ ይቕረ ምባል ስዕረት ኣይኮነን፣ ሞት ድማ መወዳእታ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ማእከል ዝገበረ መልእኽቲ ፋሲካ ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ኣብ ካልእ ቦታታት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝርከቡ ቅዱሳት ቦታታት ዝካየድ ንግደት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣባ ፍራንቸስኮ የልፖ ዕለት 1 ሚያዝያ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንበዓለ ፋሲካ እቲ ዞባ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትሕቲ "ክብደት ውግእን ዓመጽን ፍርህን ምጥርጣርን" ይሳቐ ከም ዘሎ ኣጒሊሖም፡ ኣብዚ ጽንኩር ኵነታት እዚ ትንሳኤ ክርስቶስ ርሑቕ ዘይኰነስ ንኣመንቲ "ታሪኽ ብዓይኒ ኣምላኽ ከንብቡ" ዝድርኽ "ጭቡጥ ሓቂ" ምዃኑ የረጋግጹ።
ሓቀይና ሓይሊ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውፋይ እዩ
ትንሳኤ ኢየሱስ፡ ነቲ ንዓለም ናይ ምትርጓም ልሙድ ኣገባብና “ይግልብጦ” እንክብሉ ኣባ የልፖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ዓለም እቲ ዘገድስ “ሓያልን ብርቱዕን ተዓዋትን ምዃን” እዩ ክትብል እንኮላ፡ እግዚኣብሔር ግና እቲ ሓቀይና ሓይሊ “ኣብ ውህበት ገዛእ ርእስኻ፡ ኣብ ዓቕሚ ምፍቃር ክሳብ መወዳእታ ከም ዘሎ የርእየና - ቢሎም - መስቀል ኢየሱስ “ስዕረት፡ ክሳራ፡ ውርደት፡ ዕሽነት” ጌርና ክንርእዮ ብባህርያዊ መንገዲ ክንፍተን እንኮለና፡ ፋሲካ “ሓቀይና ጥበብን ሓቀይና ዓወትን” ዝግለጽ ብዓወት እታ ብዘይ ዕቃበ ብትኽክል ኣብ መስቀል ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ኣብ ዝህብ ምቕሪ ምዃኑ ይምህረና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ናይቲ ሓለቓ ሚእቲ ግልጸት
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናይ ላቲን ስርዕት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ እውን ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካርዲናል ፒዛባላ ዕለት 29 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰንበት ዘሆሳእና ብዛዕባ እቲ ብመሰረት ወንጌል ማቴዎስ ብስቕለት ኢየሱስ ኣዝዩ ዝተተንከፈ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ “ብሓቂ እዚ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” እንክብል ዘረጋገጾ መንነት ኢየሱስ ኣስተንፍሶ ገይሮም፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ፡ “ወተሃደር፡ ዲል ብዕብለላ፡ ብዓወት፡ ብምቁጽጻር እዩ ዝዕቀን ብዝብል ብስነ መጎት ዝተቐርጸ ምንባሩ ብምምልካት፡ እንተኾነ ግን ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ደው ኢሉ፡ “ንርእሳ ዘይትከላኸል ፍቕሪ፡ ብሞት ነዚ ፍቕሪ እዚ ንምርግጋጽ ከይተረፈ ድሕር ዘይብል ተኣማንነት” ይምስክር፡ በዚ ድማ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ዝነበሮ ኣረእኣእያ ዓለም ይፈርስ። “ሓቀይና ሓይሊ ኣብ ዓመጽ ወይ ኣብቲ ዝቐትል ሰይፊ ዘይኮነስ ኣብቲ ብናጻ ገዛእ ርእሱ ዝወፈ ህይወት እዩ ዘሎ” ከም ዝበሉ የዘኻኽር።