ኣብ ናይጄርያ ሰበኻ ሶኮቶ ኣብ ካቴድራል መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዝገልጽ ክሲ ነጺግዎ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሃገረ ናይጀርያ፡ ሰበኻ ሶኮቶ፡ መንበሪ ጳጳስን፡ ካቴድራልን፡ ማእከልን ጕስነታዊ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ሰበኻን መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ንዝገልጽ ሓበሬታ ዝነጽግ ወግዓዊ መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ብሓላፊ ሕዝባዊ ርክባት ኣባ ፓስካል ሳሊፉ ዝተፈረመ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ኣቃልቦ ብዙሓት ዝሰሓበ ናይ ሓሶት ዜና ቪድዮ ገጠቒሱ ኣሎ። እቲ ናይ ሰበኻ መግለጺ ኵሉ እቲ ዝተጠቕሰ ዝኾነ ጕድኣት ከም ዘይወረዶን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎን፡ እዚ ክስታት እዚ ከኣ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑን ኣነጺሩ።
ኣብ ናይጄሪያ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነታ ሃገር ንምክፍፋል ንግጉይ ሓበሬታ ብኸመይ ከም መሳርሒ ከም ዝጥቀሙሉ ብተደጋጋሚ መግለጺታት ኢያ። ስለዚ እቲ ጻውዒት፡ ቍጥዓን ኣፈላላይ ዘይብሉ ዓመጽን ኬለዓዕል ዚኽእል ናይ ሓሶት ዜና ምእንቲ ከይዝርጋሕ፡ ኵሉ ሳዕ ዝተረጋገጸ ዜና ንምትሕልላፍ ኢዩ።
እቲ ንናይ ሓሶት ዜና ዝጻረር መብርሂ ደድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘሆሳዕና፡ ካብ ሶኮቶ ኣብ ርሑቅ ከባቢ እትርከብ ኣብ ጆስ እትበሃል ከተማ፡ 27 ሰባት ምስ ተቐትሉ ስዒቡ ዝተዋህበ ኢዩ። ጳጳስ ሰበኻ ሶኮቶ ኣቡነ ማቲው ሃሳን ኩካ ብዕለት 4 ሚያዝያ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ዓመጻ ናይ ተስፋ ኣረኣእያ ምዕቃብ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ነቲ መጥቃዕትታት ብምዅናን፡ ነቶም ሕዝቢ "ኣብ ኣምላኽ ኪውከሉን፡ ጽኑዓት ኪዀኑን፡ ናብ ፍርሂ ከይወድቁን" ኣተባቢዖም።