ውድብ ሕቡራት ሃገራት፦ ሕጻናት ናይ ዳርፉር ኣብ ሰብኣዊ ዕንወት ተቀርቂሮም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት
"ዳርፉር ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ ትሕቲ ስግኣት ዘለዉ ሕጻናት" ዘርእስቱ ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ስቓይ ሕጻናት ኣቓልቦ ይስሕብ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን ርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ኣል ፋሸር ቍጽሪ ዝቕተሉን ዝቘሰሉን ሕጻናት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ መብዛሕትኡ ብነተጕቲ ኣጽዋርን፡ ድሮናትን፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ጭውያን፡ ከምኡውን በቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ምቍጽጻርን ዜጠቓልል ኢዩ።
ጸብጻባት ዩኒሴፍ ከም ዝገለጾ እቲ ቐጻሊ ዘሎ ግጭት ሰፊሕ ዓመጽን፡ ምዝንባል ሕዝብን፡ ከቢድ ጥሜትን ከም ብሓድሽ ከም ዘጐሃሃረ ይገልጽ።
ኣባይቲ ነዲዱ፡ ዕዳጋታት መጥቃዕቲ ወሪድዎም፡ ኣብያተ ትምህርትን መሳለጥያታት ጥዕናን ብኸፊል ዝፈረሱን፡ ምሉእ ብምሉእ ዝዓነዉን ኰይኖም ተሪፎም ኣለዉ።
ኣብ ዳርፉር እቲ ኣገደስቲ ጥሕተ ቅርጺ ስለ ዝፈረሰ፡ ንጥሜትን፡ ሕማምን ከም ዘጋደዶ፡ እቲ ንነውሕ ዝጸንሐ ግጭትን ከበባብ ከኣ ንስድራ ቤታት መግብን፡ ጽሩይ ዝስተ ማይን፡ ክንክን ጥዕናን ከም ዘይህልዎም ብምግባሩ፡ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ድሮ ሕዝቢ እተጨቓጨቐሉ ከባቢ ንኺሃድሙ ኣገዲድዎም ይርከብ።
ዕንወት ሕንጻታት
ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሕጻናት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኪረኽቡ ኣይክእሉን ኢዮም፣ ብከቢድ ጕድለት ኣመጋግባን ሕማምን ናይ ዝሳቀዩ ቍጽሮም እናወሰኸ ኪኸይድ ከሎ፡ እቲ ብዕጡቓት ሓይልታት ወይ ጕጅለታት ዚፍጸም ዘሎ ዓመጽ ከኣ ብመጠኑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዶባት ሰጊሮም ብፍላይ ከኣ ናብ ምብራቓዊ ቻድ ሃዲሞም ኣለዉ፣ ኣብኡ ድማ እቲ ድሮ ካብ መጠን ንላዕሊ እተዘርግሐ ናይቲ ከባቢ ኣገልግሎት ነቶም ሓደስቲ ዝመጹ ሰባት ንምቍጽጻር ይቃለስ ኣሎ።
ዩኒሴፍን መሻርኽቱን ኣብ መላእ ዳርፉርን ጐረባብቲ ሃገራትን ናይ ሕይወት ኣድሕን ረድኤት ምሃብ ይቕጽሉ ኣለዉ።
ይኹን እምበር ዘይምርግጋእን፡ ቢሮክራሲያዊ ዕንቅፋታትን፡ ሕጽረት ገንዘብን፡ ንሰብኣዊ ጻዕርታት ኣጸቢቑ ይዓናቕፎ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ንብዙሓት ሕጻናት ኣብ ሓደጋ ኣብ ዚኣትዉሉ እዋን ብዘይ ደገፍ ከም ዝተርፉ ይገብሮም ኣሎ።
ስለዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ከኽብሩን፡ ንሲቪል እንተላይ ንሕጻናት ክከላኸሉን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ከምኡ ውን ንሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ውሕስነት ክህቡን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ብቕጽበት ደው ከብልዎን ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።