ናይ ኤውሮጳ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኣብ ሞንጎ ዓለማዊ ግጭታት ኤውሮጳ ናይ ሰላም ሓይሊ ክትከውን ይጽውዑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለምን ዓመጽ እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ጳጳሳት ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ (COMECE) ቅድም ክብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘሕደሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ኣብ ፍጻሜ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒቆስያ ቆጵሮስ ዝተኻየደ ናይ ጽድያ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውርጳ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ እቶም ጳጳሳት ብምርግጋጽ፡ ብጀካ እዚ፡ ብግጭት ንዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬንን ሱዳንን ምስ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ “ክፍኣት ኲናትን ዓመጽን” ዝጻወሩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምዝካር ምስ ኩሎም ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ሊባኖስ፡ ኢራንን ሰፊሕ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ብኲናትን ዘይምርግጋእን በደልን ዝሳቐዩ ንዘለዉ ቅርበቶም ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።
ስቓይ ደቂ ሰባት ዝፈጥሮ ዓሚቕ ሓዘን
ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቀጻሊ ግጭታት ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ጠቕታትን ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ሰባት ንሞትን ማህሰይት ዝዳርግ ሰፊሕ ዕንወትን ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ዘለዉ ኣባይቲ ስድራ ብዘጋጥሞም ከቢድ ስቓይን ዝስምዖም ዓሚቕ ሓዘን ገሊጾም፡ ኣብ ጎረቤት ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ዞባታት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ እቶም ጳጳሳት ኣብዚ ቀረባ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ በዓለ ፋሲካ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖ ንሮማ መላእ ዓለምን ባሪኾም ኣብ ዘስምዕዎ መልእኽቲ ፋሲካ ዘስመሩሉ ሓሳብ ብምዝካር፡ “ሰብ ኣጽዋር ኣጽዋሮም የውርዱ! እቶም ውግእ ናይ ምፍናው ሓይሊ ዘለዎም ሰላም ይመርጹ! ብጸቕጢ ዝመጽእ ሰላም ዘይኮነስ ብዘተ! ንኻልኦት ናይ ምዕብላል ድሌት ዘይኮነስ ምስኦም ብምሕባር ዝመጽእ ሰላም!” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ የቃልሑ።
ንጻውዒት ሰላም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝድግፍ
ጉባኤ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ “ምስ ቅዱስ ኣቦና ምሉእ ቅርበትን ሕብረትን” ገሊጾም፣ ንመራሕቲ ዓለም ኣብ መንገዲ ሰላም ክኽተሉ ንምትብባዕ ዝገብርዎ ዘይሕለል ጻዕሪ ብምንኣድ። ግብረ ገባዊ ስልጣኖም ብፖለቲካዊ ረብሓታት ዘይኰነስ “ንወንጌል ብተኣማንነትን ንሓቂ ብትብዓት ምስክርን” ዝምራሕ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ቆጵሮስ ከም ምስክርነት ዕርቂ
ጳጳሳት ጉባኤ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብታ ሃብታም ባህላውን ሃይማኖታውን ውርሻታት እኳ ዘለዋ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብፍልልያ ዝልለይ መሬት ቆጵሮስ ተኣኪቦም፡ ብዛዕባ እቲ እታ ደሴት ምትእምማን ምህናጽን ዕርቅን ከምዘድሊ ዘላቒ ምስክርነታ ኣስተንቲኖም። ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ደሴት ማሮናውያን ማሕበረሰባት ምህላዎምን ጽንዓቶም ኣብ ዘተ ኣበርክቶ ዝገብርን "ናይ ርክብ ባህሊ" ንምምዕባል ዘቕርብዎ ዓብይ ኣስተዋጽኦ ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ኤውሮጳ ንሰላም ዘለዋ ሓላፍነት
ኣመጻጽኣ ሕብረት ኤውሮጳ “ውጥን ሰላም” ብምባል ዘጉልሑ ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኤውሮጳ “ንሰላም ከም ተኣማንነት ዘለዎ ሓይልን ኣብ መላእ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ንጡፍ ኣተባባዒ ምርግጋእን ዘተን ኮይኑ ክሰርሕ ፍሉይ ሓላፍነት ከም ዘለዎ” ኣስሚሮም፡ ሕብረት ኤውሮጳን ኣባል ሃገራትን ንጻዕርታት ህንጸት ሰላም፣ ምሕላው ሰብኣዊ ክብርን ምክልኻል ኣህጉራዊ ሕግን ዝድግፍ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፣ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጽምዶታት ከሐይሉ ኣተሓሳሲቦም። ብተወሳኺ “ናይ ኩሎም፣ እንኮላይ ናይ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት - ሰብ ውፉይ ህይወትን ካህናትን ምመናንን ድምጺ ዝስማዕን መሰሎም ዝኽበርን” ንኹሉ ዝሓቁፍ ናይ ሰላም ተበግሶታት ክካየድ ከም ዝጸውዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ተስፋ ፋሲካ ኣብ ማእከል ጸልማት
ጳጳሳት ሕብረት ኤውሮጳ መልእኽቶም ንብርሃን ዘመነ ፋሲካ እናሓሰቡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብተስፋን ገበርቲ ሰላም ንምዃን ኣብ ዘለዎም ጸዋዕታ ኪጸንዑ ኣተባብዕዎም፥ "ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ብፍላይ ኣብዚ ወቕቲ ፋሲካ . . . ስነ - ጥበባውያን ሰላምን ዕርቅን ክንከውን ቃልና ከነሐድስ ንተባባዕ - ቢሎም -
“ኣብ ዝጸልመተ ህሞት’ውን ዓመጽን በደልን ናይ መወዳእታ ቃል ከይህልዎ፡ ናብ ፍትሓውን ነርሪን ሰላም ዝወስድ መንገዲ ክድለን ክሰዓብን ብርሃን ትንሳኤ ጎይታ ነዚ ናይ ሓባር ጻዕሪ የሐይሎ” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።