ድለ

ካርዲናል ፒዛባላ : ኢየሩሳሌም ቁስሊ ዓለም ክትፍውስ ትጸዋዕ ካርዲናል ፒዛባላ : ኢየሩሳሌም ቁስሊ ዓለም ክትፍውስ ትጸዋዕ 

ካርዲናል ፒዛባላ : ኢየሩሳሌም ቁስሊ ዓለም ክትፍውስ ትጸዋዕ

ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝግበር ውግእ ብምስትንታን እቲ ግጭት "ሓደ መዋእል ዓጽዩ ካልእ ዘመን ከኣ ብዝኸፍአ መገዲ ይኸፍት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስትያን ኣብ ማእከል እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንቅድስቲ መሬት ዘሳቕያ ዘሎ ግጭት ብኸመይ ክነብሩ ኣለዎም?

እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ሕመረት ናይቲ ካብ ላቲናዊ ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናይ ዘመሓላለፍዎ ሓድሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኮይኑ። እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዕለት 27 ሚያዝያ ዝተዘርግሐትብዓቢ ሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ: ጸዋዕታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንምንባር ዝቐረበ ሓሳብ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ዓለም ቁስሊ ንምፍዋስ

ጸዋዕታ ኢየሩሳሌም፡ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብቲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ከም እተዓዘበዎ፡ ቁስሊ ዓለም ምፍዋስ ዝብል፡ ኣብ ዙርያ ምስሊ መጽሓፍ ቅዱሳዊት ከተማ ኢየሩሳሌም ዘማከለ ኮይኑ፡ እዚ ድማ “በርገሳውን ሃይማኖታውን ሓቢርካ ምንባርን ዝምድናን ዘመልክት እዩ።”

እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ ሰለስተ ክፍልታት ዝቆመ ኮይኑ፡ እቲ ቀዳማይ ገምጋም ህሉው ኩነታት እቲ ዞባ፡ እቲ ካልኣይ ራእይ ንቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ኣብ ቁስምናታት፡ ኣባይቲ ስድራ፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላትን ጉስነት ዘለዎ ጽልዋ ዘንጸባርቕ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

ካርዲናል ፒዛባላ እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጸቢብ ፖለቲካዊ ትንታነ ከም ዘየጠቓልል ኣጒሊሖም፡ “ፖለቲካዊ” ማለት ንዘለዎ ሰፊሕ ትርጉም ግን ዝምልከት ኮይኑ፣ ከም ክርስትያን፣ ብዛዕባ ህላወና ኣብታ ብጭቡጥ ዘላ ከተማ ወይ ኣብታ ብጭቡጥ ዘላ ዓለም፣ ኩሉ ግዜ ናብታ ሓቀይና ናይ መወዳእታ ከተማ፣ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ዝቐንዐ ምዃኑ የብርሁ።

ዓሚቝ ቅልውላው

ፓትርያርክ ፒዛባላ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ቓዛ ካብ ተኻየደ ኲናት ተበጊሶም - "ሓደ መዋእል ዓጽዩ ካልእ ዘመን ከኣ ብዝኸፍአ መገዲ ዝኸፈተ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ "እዚ ዘጋጥመና ዘሎ፡ ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ግጭት ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ከባብያዊ ግጭት ምልክት ናይቲ ኣዝዩ ዝዓሞቐ ቅልውላው እዩ፡ ዓለማዊ ለውጢ ረባሕታ እዩ። ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ምዕራባዊ ዓለም፡ ኣብ ሕግታት፡ ውዕላትን ብዙሕነታዊ ምትእስሳርን ዝተመርኮሰ ኣህጉራዊ ስርዓት ይኣምን ነይሩ . . . ሎሚ፡ ኩሉ ሰብ ካብቲ ኣብዚ ስርዓት ዘሎ ድኽመት ዝተበራበረ ይመስል፡ ኣብ ምጥቃም ሓይሊ ከም ወሳኒ መገዲ ዘይምርድዳእ ዳግማይ ምጽጋዕ ንዕዘብ ኣለና፡ ኲናት ወድዒ ኣምልኾ ጣኦት ኰይኑ ኣሎ”

ሳዕቤን ህውከት

ብቓላትን ምስልታትን እውን ኣብ ዝካየድ ኲናት፡ “ዜና ካብ ነዝሒ” ንምፍላይ ኣጸጋሚ እናኾነ ይመጽእ ከምዘሎ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ኣስተብሂሎም፡ ሳዕቤን ናይዚ ህውከት ኣብ ምፍራስ ናይቲ ብጽልእን ዘይምትእምማንን ዝተመረዘ ዝምድናታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምብትታን ናብ ዕስለታትን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ቀመራዊ ምዕሪት ዝተዓብለለ መንነታዊ ኑቕጣውነትን ከምዘጋጠሞ ኣስብሂሎም፡

ካብቶም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ቅልውላው ሓደ እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝምልከት ሓባራዊ ዘተ እውን ኣሎ፦ “እተን ንጸሎት ዝግበረለን ቦታታት ክኾና ዝግበአን ቅዱሳት ቦታታት ብዛዕባ መንነት ውግእ ዝካየደለን ቦታታት ይኾና ኣለዋ። ንዓመጽን ጎበጣን ግብረሽበራን ንምምኽናይ ቅዱሳት መጻሕፍት ከም መወከሲ ምግባር፡ እዚ ስም ኣምላኽ ብዘይግቡእ ምጥቃም፡ ኣብዚ ግዜና እቲ ዝኸበደ ሓጢኣት ምዃኑ እኣምን እየ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስሊ ቅድስቲ ከተማ

ካርዲናል ፒዛባላ ነቲ ኩነታት ንምምላስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኢየሩሳሌም “ድምጻ ኣስሚዓ፡ ቃል ሓቂ ክትዛረብ ትፍትን ኣላ - ብቕንዕና፡ ንጹር፡ ብናጽነት ( ትብዓት) - ዋላ ኣብ መንጎ እዚ ህውከት እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ዝድርዳእካ ክሳብ ዘይምርካብ ዘብጽሕ እውን እንተኾነ ጽምጻ ተስምዕ፡ ግን እዚ እኹል ድዩ ነይሩ - ወይስ፡ “ኣብዚ ኣዝዩ በዳሂ እዋን፡ ሓድሓደ ግዜ ጥንቃቐ መሪጽና፡ ትካላዊ ህላወ ደሊና ዲና ፡ ትንቢታዊ ምስክርነትና ሰዊእና ዲና? ዝብል ሕቶ ብምቕራብ፡ ሓደ ሰብ ፍቓድ ኣምላኽ ንየሩሳሌም እንታይ ምዃኑ እውን ክሓትት ኣለዎ። ኢየሩሳሌም “ጉዳይ ፖለቲካዊ ዶባት ወይ ግብራዊ ምድላዋት ጥራይ ዘይኮነትስ”፣ “ቀንዲ መንነታ - እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባህሪ ናይታ ከተማን ናይ መላእ ቅድስቲ መሬትን – እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ፣ እምነታት ቤተ ሰብ ኮይነን ዝነብራሉ ቦታ ምዃና እዩ።”

ነዚ “ትኽ ዝበለ” ሸነኽ ቅድስቲ መሬት ዕሽሽ ብምባል፡ “ሃይማኖታውን መንፈሳውን ተሃዋስነት ናይቶም ዝምልከትዋ ማሕበረሰባት” “ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተፈጸመ ስምምዓት ናይ ሓባር ህይወት ዝፈሸለሉ ዓሚቝ ምኽንያት” ምዃኑ ፓትርያርክ ፒዛባላ ኣብቲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም የስምሩሉ።

ትርጉም ዘለዎ ጒስነት

ብደረጃ ጉስነት ካርዲናል ፒዛባላ ቀዳምነት ሊጡርጊያን ጸሎትን የጉልሑ። ማዕረ ማዕሪኡ መሰረታዊ ግደ ኣባይቲ ስድራ ከም ዓውደ መጽናዕትታት ትምህርቲ ኣብ ሓቢርካ ምንባርን ምክብባርን፡ ሕሉፍ ኣብ ሓዘንን ሓቅን ናብ ህጻናት ክመሓላለፈሉ ዝኽእል፡ ስምዒት ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ከይሰረጸ።

ክርስትያናዊ ኣብያተ ትምህርቲ “ዓውደ መጽናዕትታት ሓድሽ ሰብኣውነት” ተባሂለን ክረኣያ ይግባእ፣ ህጻናት ካብ ቂምታ ነጻ ዝኾኑ ኣዒንቲ ታሪኽ ዳግማይ ከንብቡ ዝመሃሩሉ ምዃኖም ካርዲናል ፒዛባላ ኣስተብሂሎም፡ ኣባይቲ ሕክምናን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን - ኣቀባብላ፡ ዘተን ፈውስን ድሮ ዝነበረሉ ክውንነት ዝኾኑ ቦታታት- ክድገፉ ኣለዎም።

ኣገዳሲ ግደ ናይቶም ኣረጋውያን እውን፡ ህያው ዝኽሪ፤ ነቶም ትንቢት ዝኾኑ መንእሰያት፤ ከምኡ’ውን ንካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን፡ ንማሕበረሰብ ምመናንን መወከሲ ነጥብታትን ኣርኣያን ናይቲ ክኸውን ዝኽእል ሓባራዊ ህይወትን እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ካርዲናል ፒዛባላ ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ እውን “ኣገዳሲ ኣድላይነት” ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እንክብሉ የረጋግጹ።

ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ ድሕሪ ዕርገት

ካርዲናል ፒዛባላ ነቲ ሓዋርያዊ መልእክቲ ኣብ ምዝዛም ኣብ ምዝዛም ፡ “ዝኾነ ምስ ባህሊ ዓመጽ ምትሕብባር” ምንጻግ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ንምትእምማን ቦታ ይኸፍት። እዚ ዅሉ ብኸመይ እዩ ዚከኣል፧ እቲ መልሲ ቀሊል ኣይኮነን - "ብውሑዱ፡ በይንኻ ብዘይምዃን፡ ንሕና ግን በይንና ኣይኮናን ዘለና።" ኢየሱስ ኣብ ቁምስናታትና፡ ኣብ ማሕበረሰባት እምነትና፡ ኣብ ጉጅለታትናን ዓቕለሲያዊ ምንቅስቓሳትናን ይጽበየና ኣሎ፡ እቲ ዘጽንዓና ሓይልና ዘይኰነስ፡ ናይ ወግኔል ሓጎስ እዩ - ቢሎም - ናብ ኢየሩሳሌም ብሓጐስ ንመለስ። ብፍቕሪ ናብ ህይወትና ንመለስ። ንከተማ ኣምላኽ ዝኸውን ሕልሚ ኣምላኽ ኣብ ልብና ሒዝና፡ እቲ ሕልሚ ድማ፡ ደረጃ ብደረጃ፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፡ ንዓና ህይወትና ክኸውን ንፍቀደሉ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 Apr 2026, 15:55