ካርዲናል ፒዛባላ፦ ኣብ ጸሎተ ኃሙስ 'ሕይወት ከነኽብር ኢና መጺእና'
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ናይ ውግእን ጥፍኣትን ኵነታት ኣብ ጸሎተ ኃሙስ ንግሆ ናይ ሥርዓት ላቲን ፓትርያርክ ኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ናይ ድራር ጐይታ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ መቓብር ኢየሩሳሌም ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም።
ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ስብከቶም "ኣብ ቦታ ናይ ሞት ማኅተም ኣብ ዝተኃትመሉ እምኒ ኢና ዘሎና፣ ሎሚ ግን ሕይወት ከነኽብር ኢና መጺእና።"
ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ፍሉይ ታሪኻዊ ህሞት ብምስትንታን ድማ፡ "ኣብ ደገ፡ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይንኽእል ውጥረት ኣሎ፣ መዓጹ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ መቓብር ተዓጽዮም ኣለዉ። ኲናት ነዚ ቦታ እዚ ናብ መዕቈቢ ቀዪርዎ፣ እቲ ውሽጣዊ ካብቲ ናይ ወጻኢ ተፈልዩ ብፍርህን ውጥረትን ተኸቢቡ ኣሎ። ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ክትበታተን ከላ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ማሕጸን ሰላም ኢና ዘለና፣ ነዚ ኵሉ ክንቅይሮ ድማ ንደሊ ኢና።"
ኣብ ጐድኒ ክርስቶስ ደው ኢላ እትፍተን ቤተ-ክርስትያን
ካርዲናል ፒዛባላ ኣብቲ ዘሎ ኵነታት ምርኩስ ብምግባር፡ ሕጽበተ እግር ምልክት ማእከል ናይ ክርስትያን ፋሲካ ኢዩ።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ"ምልክት ናይቲ ንጕዕዞ ዝነቀለ፡ ናብ ምልክት ናይ ኣገልጋሊ ይልውጦ። ብዓይኒ እግዚአብሔር ክንርእዮ ከለና፡ ስደት ካብ ዓለም ምርሓቕ ዘይኰነስ ናብ መዓሙቝ ዓለም ምውራድ ኢዩ። እቲ ዕጡቕ ሕቖ ኢየሱስ ምልክት እቲ ካብ ባርነት ዚሃድም ሰብ ዘይኰነስ፡ ምልክት እቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ ገዛእ ርእሱ ባርያ ዚገብር ሰብ እዩ ። ”
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ "ሕጽበተ እግር፡ ስነ - ምግባራዊ ትምህርቲ ወይ ሃናጺ ኣብነት ወይ ለውሃት ዝመልኦ ምርኢት ኣይኰነን። እቲ ጭቡጥ ምልክት ፋሲካ ኢየሱስ ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ዚሓልፈሉ መገዲ ኢዩ። ፍቕሪ ናብ ዓለም ንምእታው ዝመረጸሉ መገዲ ኢዩ።
"ኣነ እንተ ዘይሓጸብኩኹም ምሳይ ግደ ኣይክህልወኩምን ኢዩ” ዝብል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ጴጥሮስን ዝነበረ ዝርርብ ብምዝካር፡ ባህርይ ፍቕሪ ወንጌል ከመይ ምዃኑ ኣብሪሆም። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣባልነት ዘይኮነ፡ ዓሚቝ ሕብረት ከም ዜመልክታ ውን ገሊጾም። "ከተድንቑኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ ክትስዕቡኒ ትኽእሉ ኢኹም፣ ነዚ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ዘይተቀቢልኩሞ ግን ናብ ጕዕዞይ ኣይክትኣትዉን ኢኹም" ዝብል ትርጉም ከም ዘለዎ እውን ገሊጾም።
እቲ ብክርስቶስ ንክትፍቐር ገዛእ ርእስኻ እትህበሉ ጸዋዕታ ካብዚ ኢዩ ዝብገስ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት እታ ብዓመጽን ፍርህን እትንጸባረቕ ኣብ ዘላ ቅድስቲ መሬት "ነቲ ዓብዪ ናይ ታሪኽ ኵነታት ክትቅይሮ" ዘይከኣል እኳ እንተ ዀነ፣ ኣብ ልዕሊኡ ወይ ኣንጻሩ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጐድኑ ደው ብምባል ምስ ክርስቶስ ክንከውን ክንውስን ንኽእል ኢና።
እታ ኣብዚ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን "መብዛሕትኡ ግዜ ዝደኸመት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ፈተና እትርከብ ቤተ-ክርስትያን፡ ሓድሓደ ጊዜ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ክንዲ እትህብ፡ ንገዛእ ርእሳ ኽትከላኸለል እትፍተን ቤተ-ክርስትያን ኢያ። እዚ ማለት ነቲ ርትዓዊ ኣገልግሎት ምቕባል ማለት እዩ። "ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወቱ ክንካፈል እምበር ሓያላት ክንከውን ኣይደልየናን ኢዩ። ንዅሉ ነገር ክንፈትሖ ኣይደልየናን ኢዩ፣ ኰይኑ ግና ነቲ ፍቕሩ ክንነጽጎ ኣይግብኣናን ኢዩ። ቤተ-ክርስትያን ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ እትካፈል ጸጥታ ምስ ዘለዋ ዘይኰነስ፡ ነቲ ንገዛእ ርእሱ ምእንታና ዘዋረዶ ሕይወት ምስ እትቕበሎ ኢዩ።
"ንሕና ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እንነብርን ምስኡ ክፍሊ ክህልወና እንተ ዀይኑ፡ ንገዛእ ርእስና ናይ ምትሓት ቋንቋ ምስ እንመሃር ኢዩ።
ብኲናት ዝቘሰለት ቅድስቲ መሬት
ካርዲናል ፒዛባላ ቀጺሎም፡ "ምስኡ ግደ ኪህልወና ንደሊ ዲና? አብቲ ንገዛእ ርእሱ ዘትሓተ ፍቕሪ ክንኣቱ ንደሊ ዲና? ብኣገልግሎት ዚመጽእ ድሕነት ንደሊ ዲና?" ክብሉ ናብ ኵሎም ምእመናን ዘቕንዔ ሕቶታት ኣቕሪቦም።
ከምዚ ዝኣመሰለ "ካብ ርእስካ ምክልኻል ናብ ርእስኻ ምውፋይ፡ ካብ ፍርሂ ናብ ምትእምማን፡ ካብ ትዕቢት ናብ ሕብረት ከኣ የሰጋግረካ።"
ኣብ ሓንቲ ብውግእ ዝቘሰለት ቅድስቲ መሬት፡ በዓለ ትንሳኤ ምብዓል፡ ንገዛእ ርእስና ናብ ፍቕሪ ከነቕርብን፡ ኣብ ቅድሚ ካልኦት ገዛእ ርእስና ከነትሕት ምስ እነፍቕድ ኢዩ ዚጅምር።
"ሎሚ ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን ዝተሰርዓሉ ዕለት ከነብዕል ከሎና ፍሉይ ጸጋ ንለምኖ። ንገዛእ ርእስና ንክንሕጸብን፡ ንኽግልገል፡ በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ንኽፍቐር ከነፍቕድ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢና ኣብ ሕይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ተካፈልቲ ክንከውን እንኽርል። በዚ ኸምዚ መገዲ ጥራይ ኢያ ሕይወትና በብቝሩብ መልክዕ ፋሲካኡ ክትለብስ እትኽእል።"