ካርዲናል ኩፒች፡ ምርጫ ኲናት ንጻዕርታት ሰላም የዳኽሞ ኣሎ ካርዲናል ኩፒች፡ ምርጫ ኲናት ንጻዕርታት ሰላም የዳኽሞ ኣሎ  (2025 Getty Images)

ካርዲናል ኩፒች፡ ምርጫ ኲናት ንጻዕርታት ሰላም የዳኽሞ ኣሎ

ካብ ቺካጎ ዝመጹ ካርዲናል ብላዘ ጆሰፍ ኩፒች ነቲ ካብ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያዊ ሕብረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝህቦ 'ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እዮም' ዝብል ሽልማት 2026 ንኽቕበሉ ብቑዕ ከም ዝበሎምን ነዚ ሽልማት ኣብ ዝተቐበሉሉ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ግጭታት" ህይወት ሰባት ናብ "ሰባት ዘይኰነስ ናብ ኣሃዝ ዘውርድ ምዃኑ የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ሰበኻታት ቺካጎ ካርዲናል ብላዘ ጆሰፍ ኩፒች ዕለት 29 ሚያዝያ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያዊ ሕብረት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዝህቦ 'ገበርቲ ሰላም ብጹዓን እዮም' ዝብል ሽልማት 2026 ኣብ ዝተቐብልሉ ስነ ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ዓመት ኣብ በዓለ ሆሳእና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኢየሱስ “ጸሎት ናይቶም ውግእ ዝገብሩ ኣይሰምዕን ጥራይ ዘይኮነስ ይነጽጎ እውን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘኪሮም፡ ብዙሓት ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገዳስነት ህልዩ ፍትሓዊ ውግእ ብምውካስ ምላሽ ክህቡ ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ ኣስተብሂሎም - እዚ መልሲ እዚ ድማ "ከም ግብረ ገባዊ ምስትውዓል ዘይኰነስ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ነገር ፍትሓዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምርግጋጽ ዝግበር ጭኑቕ ጻዕሪ ኢዩ ዝመስል" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ንፍትሓዊ ህልዩ ኲናት ቦታ እኳ እንተሃለዎ፡ ከምዚ ዓይነት ኣቀራርባ ግን "ጌጋ መበገሲ" እዩ - ቢሎም - እታ ቀዳመይቲ ክንሓታ ዝግበኣና ሕቶ፡ “እዚ ኲናት’ዚ ምኽኑይ ክኸውን ይኽእል ድዩ? ሕጂ ወንጌል ካባና እንታይ ይሓትት ኣሎ፡ ብጭቡጥ ገበርቲ ሰላም ምዃን እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

ቅሳነት፡ ምህዞ፡ ተሃዋስነት፡ ክእለት

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ካርዲናል ካብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ Gaudete et Exsultate - ተፈስሑ ወተሓሰዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅሳነት፣ ፈጠራውነት፣ ተሃዋስነትን ክእለትን ዝብል ዘቕርብዎ ንህንጸት ሰላም ኣገዳሲ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፡ ህድኣት ኣገዳሲ ዝዀነ "ሰላም ንግጭት ዕሽሽ ስለ ዝብሎ ዘይኰነስ ብእኡ ኺመሓደር ስለ ዝኣብይ . . . እቲ ወደ መዝሙር ኣብ ውሽጢ ናይ ዕብለላን ውርደትን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ክንዲ ዝህብ ካብዚ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እዚ ምሉእ ብምሉእ ዝወጽእ እዩ።” ብኣንጻሩ ግን መሃዝነት የድሊ ምኽንያቱ "ግጭት ብሓጺሩ ክምስጥ ዘይኮነስ ክቕየር ስለ ዘለዎ" በለ።  እዚ ብተግባር ክርአ እንከሎ "ብዝዀነ ይኹን ዋጋ ናይ ምልምላም ሜላታት ዘይኰነስ ንፍትሒ እተኣዘዘ ግብረ ገባዊ መስርሕ" ማለት እዩ። ተሃዋስነት ማለት "ንሰብ ብፍላይ ከኣ ንዝጸግመና ሰብ" ማለት እዩ። ብዛዕባ ሰብኣዊ ኽብረት "ብጭቡጥ" ምዝራብ ቀሊል እኳ እንተ ዀነ "ኣብቶም ዝጻብኡና ዚጻረሩና ወይ ዘቝስሉና ሰባት ምልላይ ግና ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ - ቢሎም - ይኹን እምበር ወንጌል ነዚ ዕዮ እዚ እዩ ዚጽውዓና።

ተሃዋስነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸበደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፡ ብሰንኪ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወግእ ከም ጸዋታ ገይሩ ዘቕርብ፡ "ግጭታት ብመርኣያ ዘመሓላለፍ ናብ ስእልታትን መዐቀኒታትን ስነ ስልታዊ ረቂቕ ሓሳባትን ዝቕየር ህይወት ሰባት ከም ሰባት ዘይኰነስ ከም ጸብጻብ ነጥብታት ጌርካ ኺርአ ዝገብር እዩ . . . ንህንጸት ሰላም ናይ መወዳእታ ቅድመ ኩነት ክእለት ምዃኑ ካርዲናል ኩፒች ገሊጾም። "ብዙሕ ግዜ ንሰላም ከም ባህጊ ወይ ስምዒት ኢና ንዛረብ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ግና ጥበብ ቢሎም ከም ዝገልጽዎ ዘኪሮም፡ እትመሃሮን እትለማመዶን እተመጻርዮን እዩ። ልምድታት ይሓትት: ኣዘራርባኻ ምግታእ: ብዘይ ጽልኢ ሓቂ ንምዝራብ ትብዓት: ምትእምማን ንምህናጽ ትዕግስቲ: ምእንቲ ፍትሒ ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ንምስዋእ ድልውነት" ማለት ምዃኑ ከም ዘስተብህሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ምድንፋዕ 'ናይ ሰላም ባህሊ’

ካርዲናል ኩፒች ኣስዒቦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብዛዕባ ሰላምን ኲናትን ዘስምዕዎ መደረን ስብከታትን ቃለ ምዕዳን ብምስትንታን፡

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ሓዋርያዊ ዑደት እንከለዉ “ብዛዕባ ርትዓዊ ሓይሊ ኣብ ረቂቕ ክትዓት ኣይኣተዉን፡” እንታይ ደኣ፡ ናይ “ሰላም ባህሊ” ክህሉ እዮም ዝጸውዑ፡ መራሕቲ "ናብ ምዕባለ ናብ ዘተ ክምለሱ" ብምምሕጻን፡ ንጻውዒቱ "ብህልዮ ዘይኮነስ ኣብ ስቓይ ደቂ ሰባት" መሰረት ገይሮም እዮም ጻውዒት ዘቕረቡ። “ሕጂ’ውን ከም ኢየሱስ ብጽእና ኣብ ምእዋጅ ቅዱስ ኣቦና በቲ ብዙሓት እተጸበይዎ ደረጃ ክከራኸሩ ኣይደለልዩን። ከም ጓሳ ደኣ እምበር ከም ናይ ስነ ስልቲ ሊቕ ኣይኰኑን ዝተዛረቡ። ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር ኣሎና” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Apr 2026, 16:49