መንበር ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ንወራር ሰፋሮ ይኹንን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ሰሜናዊ ጎልጎል ዮርዳኖስ ናይቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ዞባ ቱባስ ኣብ ዝርከባ ቍሸታት ጣያሲርን ሃማም ኢል-ማሌህን ኣብ ዝርከብ ብቤተክርስትያን ዝውነን መሬት እስራኤላውያን ሰፋሮ ዝፈጸመዎ ዓመጽን ምዕናው ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ስክፍታታት ከም ዘለዓዓለ ብምምልካት፡ ዕለት 23 ሚያዝያ ወከልቲ ክፍሊ ንብረትን ውርሻታትን ፓትርያርክ ምስ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እስራኤልን ሰበስልጣን ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ናይ ዝርከብ ህብዝባዊ ጉዳያት ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎ በርገሳዊ ኣካል ምምሕዳርን ጎላጉል ዮርዳኖስ ኣኼባ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ዝወረደ ጉድኣትን ኣብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘስዕቦ ጽልዋን ንምፍታሕ ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ መንበረ ፓትርያርክ ንብረት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ሕብረተሰብን ዝጸሉ መጥቃዕቲ ኢሉ ዝገለጾ ወግዓዊ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ ስዒቡ ዝተኻየደ ኣኼባ እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ብመሰረት እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሰብመዚ "ነቶም ተሓተትቲ ምክታልን ንመሬት ምዕናው ዝውዕሉ ከበድቲ መሳርሕታት ምሓዝን" ሓዊሱ ስጉምቲ ክወስዱ ጀሚሮም ምህላዎም ብምርግጋጽ፡ እዚ ፍጻመ ኣብ መንጎ ዓለምለኻውያን ተዓዘብትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን ብዛዕባ ቀጻሊ ምስፍሕ ሰፈራታትን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ፍልስጤማውያን ዝውስኽ ዘሎ ጸቕጥን ሰፊሕ ስክፍታታት ኣብ ዘለሉ እዋን ምዃኑ ብምምልካት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት መብዛሕትኡ ግዜ ብጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላትን ተንተንትን ንገለ ክፋል ናይቲ ግዝኣት “ብጭቡጥ ንምግባት” ኣበርክቶ ከምዘለዎን፣ እዚ መስርሕ እዚ ብሰፊሑ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጻረርን ክልተ ጎረባብቲ ሃገራትን መንግስታትን ህዝብን ኣብ ዝብል ፍታሕ ዝካየድ ዘተ ዘተዓናቕፍ እዩ - ቢሉ - ነዚ ተግባራት ምሉእ ብምሉእ ብምቅዋም፡ ነቲ ዝተፈጸመ ተግባር ንጹር ምግሃስ ንብረት ቤተክርስትያን እዩ” እንክብል ይገልጾ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ኩሉ ዝፍጸም መጉዳእቲ ብቕልጡፍ ክእለ"፡ ከምኡ'ውን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ንብረት ተወሳኺ ምትእትታው ንምክልኻልን ንመሬታ ሕጋዊ ሓለዋ ንምርግጋጽን ስጉምትታት ክውሰድ ከም ዝጸወዐ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ቦታ ዝተረኸቡ ሰበስልጣን ክብደት እቲ ኩነታት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝተሳተፉ ሰባት ዝፍጸም ዝነበረ ምጥሓስ ንምእላይን ሕጋዊ መስርሕ ንምክያድ ቃል ከም ከም ዝኣተዉን መንበረ ካቶሊካዊ ላቲናዊ ፓትርያርክ ንተቐማጦ እቲ ኸባቢ ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ብምግላጽ፡ ምስ ሰብኣዊ ተልእኾኡ ብምስምማዕ "ጽኒዑ ደው ብምባል ክብረቶም ንምሕላው ከምኡውን ኣብ ድሕንነትን ርግኣትን ንኽነብሩ" ንምሕጋዝ ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።