ተሳተፍቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ጉባኤ  

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን፦ ክንገብሮ ዘሎና 'ፍሉይ ግደ ኣሎና'

ኤምባሲታት ኣውስትራልያን ብሪጣንያን ኣብ ቅድስቲ መንበር፡ ካብ መላእ ዓለም ንዝመጻ ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን መራሕቲ ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ጕዕዞአን ንምትብባዕ እተወፈየ ዓውደ መጽናዕቲ ኣካይዶም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ብኤምባሲታት ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዝተገብረ ሓባራዊ ተበግሶ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ብዕለት 9 መጋቢት ኣብ ሮማ ተረኺበን "ኣመንቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ሎሚ ተማሃርቲ ናይ ጽባሕ መራሕቲ" ዘርእስቱ ዓውደ መጽናዕቲ ኣካይደን።

ደድሕሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዓሰርተ ሰለስተ እተፈላለየ ዜግነት ዘለወን፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ እምነትን፡ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን፡ ሕዝባዊ ተሳትፎን ኣብ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ሕብረተሰብን ብሓፈሻ፡ ኣወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ብኸመይ ከም ዚሕግዝ ኣብ ሓባራዊ ተገዳስነት ዘተኰረ ናይ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተዋሂብወን።

ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ
ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ

እተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ እተፈላለያ መንበረ ጥበባትን፡ ውድባትን ናይ ሮማ ዝመጻ ኰይነን፡ ኣብቲ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣብ እምነት እተመስረተ ኣረኣእያን፡ ኣብ ሕንጸት ሰላምን፡ ምንካይ ድኽነትን፡ ትምህርትን፡ ከምኡውን ክሊማዊ ለውጢ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኣብ ምፍታሕ ብኸመይ ኣበርክቶ ይገብር ከም ዘሎ ዘትየን።

ነቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ምምራጽ ጥራይ ኣይኮነን

እቲ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ብኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ቅድስቲ መንበር ጆይስ ናፒየርን፣ ኣምባሳደር ኣውስትራልያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ኪት ፒትን፣ ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ክሪስቶፈር ትሮትን ኢዩ ተዋሂቡ።

ገለ ካብተን ተሳተፍቲ ብዛዕባ እቲ ኣምባሳደር ናፒየር ዘቕረበቶ ትምህርቲ ብምስትንታን፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ስድራ ቤትን፡ ስራሕን፡ መንፈሳዊ ሕይወትን ሚዛናዊት ክትከውን ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ጽባቐ ከም ዘለዎ ገሊጸን። ነዚ ሓሳብ እዚ ዘልዓለት እታ ኣብ ቀረባ እዋን እተመርዓወትን፡ በዅሪ ውላዳ እትጽበ ዘላን፡ ኮሎምብያዊት ዳንኤላ ኒኖ ጊራልዶ ኢያ።

ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ሕርሲ "እንታይ ከም ዜጋጥመን ኪፈርሃ ከም ዘይብለን" ከም ዘዘኻኸራን፡ ኣብነት ኣምባሳደር ካናዳ ብምርኣይ ድማ፡ ንስራሕን ኣደነትን ሚዛናዊ ጌይራ ክትጐዓዝ ንከይትፈርህ ከም ዘተባብዓን፡ ነቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዘለዋ ተልእኾ ከም ዘይተቋጾን ገሊጻ።

"ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ሓደን፡ ካልእን፡ ክንመርጽ ከም ዘሎና ጌርና ስለ እንሓስብ፡ መወከሲ ነጥብታት የድልየና እዩ። ነዚ ኣብነታት እዚ ምርኣይና ከኣ ንክንስዕቦ ጥጡሕ መገዲ ሂቡና ኣሎ” ክትብል ገሊጻ።

ደቀንስትዮ ወሳኒ ግደ ኣለወን

"ደቂ ኣንስትዮ ብዝረኸባኦ ዓወታት ንሕጐስ እኳ እንተሎና... ነተን ኣብ ኣከባቢአን ብዘሎ ዓመጽ ድምጸን ንከይስማዕ ኣፈን ዝተታሕዛ ደቂ ኣንስትዮ እውን ክንዝክረን ኣሎና" ብምባል ካብ ሃገረ ኬንያ ዝመጸት ሜሪ ዋንጊቲ ሙጎ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቃላ ኣስሚዓ።

ታሊት ቁሚ ኣምባሳደር መንእሰያትን መስራቲት፡  ሴማ ናሚ ዚብሃል ውድብ ኣንጻር ንግዲ ደቂ ሰብ ዝቃለስን፡ ዝኾነት ሜሪ ዋንጊቲ ሙጎ፡ ነቲ መደብ “ኣንጻር ምዝመዛ ደቲ ኣንስትዮ ገለ ነገር ንምግባር ዝጽውዕ ተበግሶ ኢዩ” ክትብል ገሊጻቶ።

ታሊታ ቁሚ  ኣንጻር ንግዲ ደቂ ኣንስትዮ ዝቃለስ ምንቅስቃስ ኢዩ
ታሊታ ቁሚ ኣንጻር ንግዲ ደቂ ኣንስትዮ ዝቃለስ ምንቅስቃስ ኢዩ   (M. Mastrandrea / Talitha Kum)

ቀጺላ ሜሪ ዋንጊቲ ሙጎ፡ ብቐጥታ ምስቶም ካብ ንግዲ ደቂ ሰብ ዝደሓኑ ሰባት ምዕያይ፡ ንደቂ ኣንስትዮ ኣገዳስን ፍሉይን ግደ ከም ዘለወን ገሊጻ። ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ተመክሮኦም ደገፍ ደልዮም ናብ ቤተ-ክርስትያን ይኸዱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካህናት ኢዮም ዝረኽቡ።

ሜሪ ዋንጊቲ ሙጎ፡ ምዝመዛ እንታይ ምዃኑ ይፈልጡ እኳ እንተ ኾኑ ካህናት ንተመክሮ ደቂ ኣንስትዮ ኪርድእዎ ከም ዘይክእሉ ትዛረብ። "ደቂ ኣንስትዮ ንሓድሕድና ስለ እንረዳዳእ ኣብዚ መዳይ ዝያዳ ክንሰርህ ንኽእል ኢና፣ ሓደ ሰብ ካብቲ ዘጋጠሞ ሓደጋ ብሕይወት ክተርፍ እንከሎ፡ እንታይ ዓይነት ሕማቕ ተመኵሮ ከም ዘሕለፈ ብልክዕ ዘይርድኣኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ግን 90% ክርድአን እኽእል እየ" ትብል።

ምንጪ መተባብዒ

ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብን ቤተ-ክርስትያንን ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ እተፈልየ እዩ። ምስ ክህነት ወይ ምንኵስና ሓደ ኣይኰነን። ዕላማ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ግን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ከባብያውን፡ ኣድማሳዊ ደረጃን ግደ ከም ዘለወን ንምጕላሕ እዩ ነይሩ።

ሙጎ ቀጺላ፡ "ከም ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን እተጠምቀት ኣማኒትን፡ ከም ጓል ኣንስተይትን መጠን፡ ብፍላይ ኣብ ጕዳያት ደቂ ኣንስትዮን፡ ጕዳያት ቈልዑን [ፍሉይ] ግደ ኣሎና። ነተን ካብ ኣጸጋሚ ድሕረ ባይታ ንዝመጻ ጐራዙን፡ ኣደታትን ከኣ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን መራሕቲ ኰይነን ምርኣይ ተስፋ ይህበን።

"እዚ መገዲ እዚ ቀሊል ኣይክኸውንን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ንዓና ኣብ ዝመጽእ ካብተን መራሕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ተስፋ ኣሎና" ትብል።

ካብተን ተሳተፍቲ ጊራልዶ ዝተባህለት ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ዓቢ ግደ ከም ዘለወን ዘርኢ ምዃኑን ብሓቂ ከም ዘነቓቕሓን ገሊጻ።  

ከም ኣምባሳደራትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰራሕተይናትት ክፍሊ ሓቤረታን ኰይነን ኣብ ዕዮ ቤተ-ክርስትያን ብንጥፈት ዚሳተፋ ምእመናን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓያል ምንጪ ምትብባዕን ተስፋን ከም ዝኾናኣ ውን መብርሂ ኣቅሪባ።

ሓድሽ ናይ ደገፍ መርበብ

ጊራልዶን ሙጎን እዚ ዓውደ መጽናዕቲ እዚ ምስተን ተመሳሳሊ ብድሆታት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ንክራኸባ ከም ዝሓገዘን ገሊጸን፣ እዚ ስርዓት እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ንምህናጽ ኪሕግዝ ይኽእል እዩ።

ሙጎ ብተወሳኺ እቶ መደብ "ንግዲ ሰባትን ምዝመዛ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ምቅላስ፡ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ከም ዝወስድ" ገሊጻ።

ጊራልዶ ብወገና፡ ንሕና ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ንክንዓዪ፡ እንራኸበሉን፡ እንዘራረብሉን፡ ንሓድሕድና እንደጋገፈሉን ቦታ ክህልወና ኣለዎ። እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ንኽዓብያን፡ ካብ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ንኽመሃራን ከም ዝሕግዘን ገሊጻ።

 

 

 

Photogallery

ኣመንቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ ሎሚ ተማሃርቲ ናይ ጽባሕ መራሕቲ
11 Mar 2026, 14:37