ሕይወት ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ክብርቲ እናቴ ኣኔላ፦ ኣብ ዓድኻ ኣብነት ዝኾኑኻ ቅዱሳን ምርካብ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ እተወልዱ፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ቅድስናኦም ብወግዒ ዝተኣወጀ ሰለስተ ጥራይ ኢዮም፦ ቅድስት ኤሊዛቤት ኣን ሴቶን፣ ቅድስት ካትሪን ድሬክሰል፣ ቅድስት ካተሪ ተካክዊታ። ይኹን እምበር ዝርዝር እቶም ናብ ጐደና ቅድስና ዘምርሑ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ እንተ ወሓደ 100 ናይ ዝኾኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተወልዱ ሰብኡትን ኣንስትን ቅድስናኦም ንክእወጅ እቲ መስሪሕ ተኸፊቱ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ኣብዚ ዝርዝር እዚ እተወሰኸት ሓደስ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ኣኔላ ዘርቫስ እያ።
ብ1900 ተወሊዳ ኣብ ሚኒሶታ ዝዓበየት ካብ ስደተይናታት ወለዲ ዝተወልደት ሕጻን፡ ኣብ ጊዜ ንእስነታ ኣብ ሰሜን ዳኮታ ተምሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምስታፍ፡ መዓልታዊ ሓደ ኪሎ ሜተር ብእግራ ትጐዓዝ ስለ ዝነበረት ብፍርሃት እግዚአብሔር ፍልጥቲ ኰይና ዓበየት።
"ናይ እናቴ ኣኔላ ሕይወት፡ ሎሚ ነዓና እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ?" ብፁዕ ኣቡነ ኣንድሪው ኮዘንስ፡ ጳጳስ ሰበኻ ክሩክስተን፡ መስሪሕ ቅድስና ኣገልገሊት እግዚአብሔር እናቴ ኣኔላ ዘርቫስ ንምጅማር ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ዝሓተትዎ ሕቶ ኢዩ። "ኵላትና መከራ እና ተቀበልና ንወንጌል ክንነብሮን ክንምስክሮን እጃም ኣሎና” ክብሉ ድማ ይምልስዎ።
ንኹሉ መዳያት ሕይወት ዘተባብዕ
ናይቲ ሰበኻ ንናይ ቅድስና መስሪሕ መዝነት ትመርሕ ዘላ ኣማንዳ ዙርፌስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ፡ ሕይወት እናቴ ኣኔላ ዘርቫስ "ኣብ ኵሉ ኵነታት ሕይወት ንዘለዉ ምእመናን ምስ ኢየሱስ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘለዎም ርክብ ንኼደልድሉ" ብቐጻሊ ከም ዘነቓቕሕ ገሊጻ።
ኣና ኮርደልያ ዘርቫስ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ጓል 15 ዓመት ከላ ናብቲ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ሚኒሶታ ዚርከብ ገዳም ደናግል ቅዱስ በነዲክቶስ ኣተወት፣ ኣኔላ ዝብል ስም ከኣ ተዋህበት። ብለውሃታን፡ ብዋዛኣን፡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ብዝነበራ ዓሚቝ መንፈሳውነትን፡ ብርኽቲ ኣደ ብምዃናን ትዝከር፤ ብፍሉይ ግን ንዅሉ ስቓይ ተጻዊራ ዘሕለፈቶ ሕይወት ነባሪ ውርሻ ኰይኑ ይርከብ።
"በቲ ናይ ድሕነት ስቓይ ዝኾነ ክርስትያናዊ ራእይ ኣቢላ ንስቓይ ብሓቂ ተቐቢላቶ እያ" ዝበለት ኣማንዳ ዙርፌስ፡ ኣኔላ ዜሳቒ ሕማም ቈርበትን፡ ሕማም ከስዐን ነበራ። ንኣርባዕተ ዓመት ዚኸውን ብርቱዕ ዛሕልን፡ ብርቱዕ ረስንን፡ ብርቱዕ ሰሓን ኣኽሊፋ፣ መዓልታዊ ከኣ ቈርበታ ይረግፍ ነበረ። ኣኔላ ኣብ ክንዲ ተማርር "ፍቃድ ኣምላኽ" ንኽትቅበል ጸጋ ትልምን ነበረት። እታ ኣገልገሊት እግዚአብሔር ዘሕለፈቶ ሓጺር ሕይወት፡ "መከራ ምቅባል ኣብ ድሕነትናን ኣብ ኣምላኽ ዘለና እምነትን ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ሓያል ምስክርነት ኰይኑ ኣሎ፣” ብምባል ጕዕዞ ሕይወታ ከመይ ከም ዝነበረ ኣሕጽር ኣቢላ ትገልጽ።
ተራ ነገራት ብኸመይ ፍሉይ ኪኸውን ይኽእል
ዙርፌስ ቀጺላ፡ እናቴ ኣኔላ ጓል 26 ዓመት ጥራይ ነበረት፣ ድሕሪ 100 ዓመት ግን ሕይወታ ንብዙሓት መንእሰያት ከነቃቕሖም ክኢሉ። "እቲ ሓጻር ሕይወታ፡ ተራ ሕይወት ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ምስ ተዋህበ ክሳዕ ክንደይ ፍሉይ ሕይወት ኪኸውን ከም ዚኽእል ብሓቂ ዜርኢ እዩ" ክትብል ትገልጽ።
እናቴ ኣኔላ ሕይወታ፡ “ብሓጐስን፡ ብለውሃትን፡ ብጸሎትን፡ ብፍቅሪ ኣምላኽ ዝመልአን ስለ ዝነበረ፡ ከም ደቂ ኣምላኽን፡ እሙናት ደቂ ቤተ-ክርስትያን” ኰይና ብኸመይ ክንነብር ከም እንኽእል ዓቢይ ኣብነት ኢዩ። ኣብ ማእከል ሕማማ እውን ከይተረፈ ነቲ ተዋዛዪ ናይ ምዃን ባህርያታ ኣገደፈቶን። እዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ እዚ ሳሕቲ ኢዩ ዜጋጥም፣ ከመይሲ ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንሳቐ ከሎና መብዛሕትኡ ጊዜ ብሓጐስ ኣንቕበሎን ኢና።
እናቴ ኣኔላ ግን፡ ነቲ ኣብ እዋን ፈተናታት ውን ከይተረፈ ሰላምን ሓጐስን ኪርከብ ይክእል ኢዩ ንዝብል እምነት ክትነብሮ ተረኺባ። ብፁዕ ኣቡነ ኮዘንስ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 ንመስሪሕ ኣዋጅ ቅድስናኣ ንምኽፋት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ንጉባኤ ጳጳሳት ኣመሪካ ኣብ ዘቕረብዎ ቃል፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣብኡ ጸዋዕታኦም ከለልዩ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ኣብ ስግደት ቅዱስ ቍርባን ዝነበራ መንፈሳውነት ሓናጺ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ዙርፌስ ብወገና "ሎሚ ሕይወት እናቴ ኣኔላ፡ ኵልና ቅዱሳን ክንከውን ከም እተጸዋዕና ንመንእሰያትና ጽቡቕ መዘኻኸሪ ኢዩ" ትብል።
ጕዕዞ ናብ ኣዋጅ ቅድስና
ኣብዚ እዋን እዚ መስሪሕ ኣዋጅ ቅድስና እናቴ ኣኔላ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ኢዩ ዘሎ፣ እዚ ድማ ብዕለት 8 ጥቅምቲ 2025 ዝተኸፍተ ኣብ ናይ ሰበኻ ደረጃ ኢዩ ዘሎ። ካብቲ ጊዜ እቲ ኣትሒዞም መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ ዝመዘዞም ቃለ መሕትት ይገብሩ ኣለዉ፣ ንታሪኻዊ መዳይ ዘጽንዑ ሽማግለ ከኣ፡ መዛግብቲ ይምርምሩን፡ ሰነዳት ይእክቡን ኣለዉ፣ እዚ ኵሉ ድማ ብዛዕባ ሕይወት ኣገልገሊት እግዚአብሔር እናቴ ኣኔላ ምሉእ ስእሊ ንምድላው ኢዩ።
እዚ ከኣ ብዛዕባ "ብዛዕባ ቅድስናኣ ዝርኢ ዘለዋ ስምን፡ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ገድሊ ሕይወት ቅድስና ኢላ እትጽውዖን፡ ብሓቂ ትነብሮ ከም ዝነበረት ዝያዳ ንምፍላጥ" ማለት ምዃኑ ዙርፌስ ገሊጻ። እዚ ደረጃ እዚ ምስ ተወድአ፡ እቲ ጉዳይ ናብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ቅድስና ጕዳያት ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ክመሓላለፍ ኢዩ። ኣብ ሮማ፡ እቲ ኣብ ሰበኻ ዝተረኽበ ርኽበታት ተመርሚሩ ኣብ ግቡእ ሰነድ ይተሓዝ። ድሕሪኡ ብክኢላታት ስነ-መለኮት ኪጽናዕ ኢዩ። ኣብቲ ጊዜ እቲ "ብሓቂ ገድሊ ሕይወት ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ከም ዝነበራ እንተ ገሊጾም፡ እቲ ሓሳብ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይቀርብ፣ ብድሕሪ ከኣ ብፁዕነታ ክእወጅ ይኽእል።
ካብ ሚኒሶታ ናብ ሮሜ፦ ናይ ሚእቲ ዓመት ውርሻ
እናቴ ኣኔላ ካብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ፈጺማ ዘይወጸት እኳ እንተ ነበረት "ታሪኽ ሕይወታ ምንጋር ማለት ነቲ ዓቢይ ካቶሊካዊ እምነት ምምስካር ማለት ኢዩ” ክትብል ዙርፌስ ትገልጽ። መበል ሚእቲ ዓመት ዕረፍታ ንምዝካርን፡ ንመስሪሕ ቅድስና እናቴ ኣኔላ ምኽንያት ብምግባርን ናብ ሮማ ንግደት ክግበር ኢዩ።
"ከተማ ሮማ ከም ማእከል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን መጠን፡ መበል ሚእቲ ዓመት ዕረፍታ ንምዝካር ምችእቲ ቦታ እያ። ኣብ መሠረት ናይ ካቶሊካዊ እምነትና ክንበጽሕን፡ ኣብ መቃብር ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ኣብቲ ሕይወቶም ዝሃቡሉ ቦታ ክንጽልን፡ ኣብቲ ቀዳሞት ክርስትያን ዘምልኹሉ ዝነበሩ ቦታታት ደው ክንብል ኢና" ብምባል ዙርፌስ ህንጡይነታ ትገልጽ።
ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርዝር ኣስማት ቅዱሳንን፡ ንቅድስና ዝተሓጽዩን ክሰፍሕ ምርኣይ ዓቢ ነገር ኢዩ፣ ብፍላይ ከኣ ሎሚ፡ ካብ ዓድኻ ኣብነት ዝኾኑኻ ቅዱሳን ምርካብ ኣድላዩ ኢዩ። ደቂ ሰባት "ኣብ ባህልና ዚነብሩ ዝነበሩን፡ ናይ ገዛእ ርእስና ብድሆታት ዜጋጠሞምን፡ ከም ክርስትያን ብኸመይ ክንነብር ከም እንኽእል ዘርኣዩናን" ኣብነታት ቅድስና ኪንርኢ ደስ ይብለና፡ ክትብል ዙርፌስ መግለጺኣ ዛዚማ።