ድለ

ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣብ ዞባ ጆንግለይ ዝተፈጸመ ህልቂት ጳጳሳት ዘውጽኣዎ መግለጺ ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣብ ዞባ ጆንግለይ ዝተፈጸመ ህልቂት ጳጳሳት ዘውጽኣዎ መግለጺ 

ደቡብ ሱዳን፡ ድሕሪ ኣብ ዞባ ጆንግለይ ዝተፈጸመ ህልቂት ጳጳሳት ዘውጽኣዎ መግለጺ

ኣባላት ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ነቲ ገለ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ጆንግለይ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸመ ዘሎ ዓመጽ ጃምላዊ ቅትለት እንክብል ዝገለጾ ብትሪ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ጠቒሱ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ነዚ ዘስካሕክሕን ትርጕም ኣልቦ ቅትለት ብጽኑዕ ኢና እንዅንኖ። ንንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ንምቕታል ዝዀነ ይኹን መመኽነይታ ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብ ልዕሊ እቲ ፈጣሪ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ከኣ ከቢድ ሓጢኣት እዩ። ምስቶም ኣብ ኣዮድን ኣቢምኖምን ኣብ ስቓይ ዝነብር ዘሎ ህዝብና እንደገና ኣብ ሓዘንን ፍርህን ምግዓዝን ዝወደቑ ሰባት ነቕ ዘይብል ቅርበትናን ሕብረትናን ብምርግጋጽ ኣብ ጎድኒ ህዝብና ደው ንብል” እንክብል ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣጒሊሑ፡ ብመሰረት ምንጭታት ቤተ-ክርስትያን ኣብቲ ዞባ ብውሕዱ 169 ሰባት "ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ዚፍጸም ዓመጽ" ተባሂሉ ብእተገልጸ ተግባራት ተቐቲሎም እዮም። ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት እቶም ከቢድ ጕድኣት ዝወረዶም ሰባት ርኢኻ ክውስኽ ዝኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ኣብ ኣቢምንሆም ዚነብሩ ሰባት ናብ ከተማ ኣቢየ ኸም ዝግዓዙ ድማ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ሕነ ምፍዳይ ፍትሒ ኣይኮነን

ሰሉስ ዕለት 4 መጋቢት ብማዕከናት ዜና ዝተዘርግሐ መግለጺ ብፁዓን ጳጳሳት ብኩሎም ኣባላት ጉባኤ ጳጳሳት ዝተኸተመ ኮይኑ፡ እቶም ጳጳሳት በቲ ኣዝዩ ዘሰክፍን “ቀጻሊ ጭካነ ዓመጽን” ኣዝዮም ከምዝተሰምበዱን ከምዝሓዘኑን ሓቢሮም፡ "ኣብ ኣዮድ ዞባ ግዝኣት ጆንግለይን ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሩዌንግ ኣቢየምንሆምን ንጹሃት ሰላማውያን ዜጋታት ናይ ጭካነ ዒላማ ይኾኑን ይቕተሉ እውን ከም ዘለዉ ጽብጻባት ይበጽሓና ኣሎ። እዚ ተግባራት እዚ ዘሕዝን ክሳራ ህይወት ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ዓዘቕቲ ዕንወት ደቂ ሰባት ምውራድ ዝውክል እዩ፣ ኣብኡ ድማ ቅድስና ህይወት፣ ቅዱስ ህያብ ኣምላኽ፣ ብዘሰክፍ ተሓታትነት ብዘይብሉ ኢሰብኣዊ ተግባራት ይርገጽ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ወሲኾም “ልሙድ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ቀታሊ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ገለ ክፋል ሕብረተሰብና ሱር ሰዲዱ ኣሎ። ብሕርቃንን ሓባራዊ ቅድመ ፍርድታትን ቅርሕንትን ዝፈጥሮ ዑደታት ሕነ ምፍዳይ ኣባይቲ ስድራ የጥፍእ፣ ማሕበረሰባት የዳኽም፣ ደቅና መጻኢኦም ይምንዝዕ ኣሎ። ሕነ ምፍዳይ ፍትሒ ኣይኮነን። ሓባራዊ ቅድመ ፍርዳዊ መቕጻዕቲ ሓይሊ ኣይኮነን። ደም ኣብ ክንዲ ደም ዝብል መርገጺ ክብሪ ኣይኮነን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ከብቅዕ ኣለዎ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ጻውዒት ናብ መራሕቲ ደቡብ ሱዳን

እዚ ዓመጽ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ፣ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ተቓወምቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ሱዳንን (SPLA-IO) ኣብ ገለ ከባቢታት ጆንግለይ ግጭት ብዘሕዝን መንገዲ ተደጋጋሚ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ "ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዝርከቡ መሰጋገሪ መንግስታት፡ ውዕዉዕን ህጹጽን ጻውዒት ነቕርብ፡ ንስኻትኩም ሓለውቲ ሓባራዊ ረብሓ፡ ሕይወት ናይ ምሕላው ቅዱስ ግዴታ ብሓላፍነት ዝተዋህበኩም ኢኹም። ብቕልጡፍን ብወሳንን ብግልጽን ክትዋስኡ ንጽውዕ" እንክብሉ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣብ መግለጺኦም ኣጒሊሖም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዮድን ኣብየምንሆምን ዝተፈጸመ ቅትለት ፍሉይ ጉዳያት ብምምልካት ድማ ኣስዒቦም ገበነይናታት ንምልላይን ናብ ክሲ ክመርሕ ዝግበኦ ዕሙቕ ዝበለን ነጻን መርመራ ክካየድ ጻውዒት ነቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን መግለጺ ጉባኤ ጳጳሳት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ተወኪሱ ይሕብር።

10 Mar 2026, 16:46