ድለ

KUWAIT-ISRAEL-IRAN-US-CONFLICT KUWAIT-ISRAEL-IRAN-US-CONFLICT  (AFP or licensors)

ኣቡነ ማርቲነሊ፦ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘምደረ ዓረብ ትሓልወናን ሰላም ትህበናን

ድሕሪ እቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝጀመራኦ መጥቃዕትታት፣ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲነሊ ምእመናን ምእንቲ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብታት ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ነቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ኢራን ዝፈጸማኦ ደብዳባት ቦምብታት ዘኸተሎ ሳዕቤን ክጾራ ከለዋ፣ ናይ ደቡባዊ ዓረብ ሓዋርያዊ ዓቃቤ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ማርቲነሊ፣ ነቶም ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኦማንን ከምኡውን የመን ዝነብሩ ካቶሊካውያን ምእመናን፣ "ሰላምን ዕርቅን" ንምርካብ ጸሎተ መቝጸርያ ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ንዜና ቫቲካን ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት ነቲ ዞባ "እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘምደረ ዓረብ፣ ንዅላትና ትሓልወና፣ ደገፍትና ጴጥሮስን ጳውሎስን ኬዕቍቡና፣ ኣማላድነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲሲ ድማ ሰላም ይሃበና" ክብሉ መንፈስዊ ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ።

ኣብ እዋን መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ምእመናን፣ "ምእንቲ ሰላምን ደሓንን ኵሎም ህዝብታት እዚ ዞባ" ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ድሕሪ እቲ ቀዳም ዝጀመረ ሓባራዊ መጥቃዕትታት ኣመሪካን እስራኤልን ኢራን ኣብ እተፈላለየ ኸባቢታት ወሽመጥ ዓረብ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕታት እውን ኣኸቲሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ሕዝባዊ ህንጻታት፡ ወደባት ከምኡውን ኣብ ሓያሎ ሲቪላዊ ህንጻታት ብፍላይ ኣብ ከም ዶሃ ማናማ ከምኡውን ከተማ ኩዌት ዝኣመሰሉ ከባቢታት ተኸሲቱ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ምሕጽንታ፣ ምእመናን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ክጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲነሊ ብወገኖም፣  "እቲ ትማሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝበልዎ ቓላት፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ነቲ ኽንገጥመሉ ዘሎና ነጥቢ ብልክዕ ስለ እተዛረብዎ ድማ፣ ብቓላት ቅዱስነቶም ኣዚና ተተንኪፍና ኢና" በሉ።

ብፁዕነቶም ኣስዒቦም፣ ኣብ "ሠናይ ናይ ህዝብታት" ኣተኲሮም ስለዝነብሩ፣ "ሓቀይና ክብደት ዘለዎን ልክዕን ንጹርን መልእኽቲ" ዝሓዘ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ድማ "ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላምን ዕርቅን ንምድንፋዕ፣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዅሉ ዕንቅፋታት ንምውጋድ፣ እንደገና ብዲፕሎማሲያዊ ዘተ ክንጅምር" ዝብል ምዃኑ እውን ኣመልከቱ።

ናይ ህዝቢ ሰናይ

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲነሊ ብዛዕባ ተራ ህይወትን ድሕንነትን ህዝብን ብምስትንታን ኣቓልቦኦም፣ ኣብቶም "መዓልታዊ ጸገማት ዜጋጥሞም ዘሎ ሰባት" ኣተኰረ ኢዩ ክብሉ መስከሩ። ንህይወት ስድራ ቤት ንምውዳብ፣ ብዛዕባ ምግቢ ወይ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ከጋጥም ዝኽእል ቅልውላዋት እውን ዘተሓሳስብ ኢዩ" ይብሉ።

ወሲኾም ድማ፣ "ንመዓልታዊ ናብራ ህዝብን ድሕንነት እቶም ኣብ ፍትሒ እተመስረተ ሰላማዊ ናብራ ሃረር ዝብሉ ሰባትን ክንዝክር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ" በሉ።

ኣብ ጸሎት ንሕበር

ብፁዕ ኣቡነ ማርቲነሊ ወሲኾ፣ ንካቶሊካውያን ንማሕበረሰብ ብቐጻሊ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ኣብ ጸሎት ሓድነት ኪህልዎም ተማሕጺኖም። "ምእመናን መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ጸሎት መቝጸርያ ክሓብሩን በይንና ወይ እተገለልና ዀይኑ ኸይተሰምዓና ወትሩ ብሓድነት ክንጽሊ ኣሎ” ክብሉ ድማ ተማሕጺኖም።

ወሲኾም ድማ "ኵሉ ሳዕ ብሓባር ኢና ። ብሓባር ንጽሊ። ብሓባር ድማ ንሰርሕ።" ክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

03 Mar 2026, 13:36