ብኲናት ሊባኖስን - እስራኤልን - ኢራንን- ኣመሪካን ዝተመዛበሉ ብኲናት ሊባኖስን - እስራኤልን - ኢራንን- ኣመሪካን ዝተመዛበሉ  (AFP or licensors)

ማኅበር ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም ኣተሓሳሲበን

ማኅበር ደናግል ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ኢራንን ኣብቲ መላእ ዞባን ሓደጋ ኲናት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሊባኖስን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ዝለዓለ ዋጋ ይኸፍሉ ምህላዎም ኣተሓሳሲበን።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ማኅበር ቅድስቲ ማርያም ዘፍቅር ናይ ሕያዋይ ጓሳ፡ ወይ ብማኅበር ደናግል ሕያዋይ ጓሳ ዝፍለጣ፡ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣብ ሃገረ ሊባኖስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ልዕሊ 500,000 ሰባት ከም ዝተመዛበሉን፡ ስድራቤታት ከኣ ጥራሕ ኢዶም ኣብ መዕቈቢ ይበጽሑ ከም ዘለዉ ሓቢረን።

"ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሓደጋ ኲናት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ብዓብዪ ሻቕሎት ንዕዘቦ ኣሎና" ብምባል፣ "ሰለማውያን ሰባት ብፍላይ ጐራዙን፡ ኣደታትን፡ ቈልዑን ዝለዓለ ዋጋ ይኸፍሉ" ከም ዘለዉ ገሊጸን።

እተን ኣሓት ሕያዋይ ጓሳ፡ ወተሃደራዊ ስጕምትታት ብቕልጡፍ እናገደደ ይኸይድ ምህላዉ "ማእለያ ዘይብሉ ሕይወት ብቐጥታ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ፣ ነቲ ድሮ ተነቃፊ ዝነበረ ሰብኣዊ ኵነታት ከኣ የጋድዶን ኣሎ" ብምባል ጓሂአን ገሊጸን።

እተን ማኅበር ኣብ ሊባኖስ ዝርከባ ኣሓተንን መሻርኽተንን ነቶም ብሰንኪ እቲ ግጭት እተመዛበሉ ዓብዪ ማዕበል ሕዝቢ ይሕግዙ ከም ዘለዉ ሓቢረን።

"ስድራ ቤታት ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይብለን ናብ መዕቈቢ ይበጽሓ ኣለዋ፣ ብህጹጽ ድማ ምግብን መሰረታዊ ሕክምናዊ ናውትን ውሕስነት ዘለዎ መንበርን የድልየን ኣሎ፣ እቶም ሕዝቢ ድማ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግጭታት ዘጋጠመ በሰላ እንደገና ብምዝካር ድማ፡ ፈሪሆምን ደኺሞምን ኣለዉ።" እተን ማኅበር ሕያዋይ ጓሳ፡  ንድሕንነት እቶም ሕዝቢ፡ ኣብ በይሩት ብዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ኣሓትንን ገይረን፡ ብመዓደሊ መድኃኒት ቅዱስ እንጦንስዮን፡ ብተልእኾ ሕያዋይ ጓሳን ኣቢንለ ህጹጽ ሕክምናውን፡ ስነ-ኣእምሮኣውን፡ ማሕበራውን ደገፍ ይህባ ከም ዘለዋ ገሊጸን።

እተን ማኅበር ብተወሳኺ፡ እቲ ቕልውላው ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ከይከይድ ኣህጉራዊ ስጕምቲ ኪውሰድ ጻውዒት ኣቕሪበን።

እተን ኣሓት "ከም ማኅበር ቅድስቲ ማርያም ዘፍቅር ናይ ሕያዋይ ጓሳ መጠን ነዚ ቅልውላው ፍትሓውን ዓመጻ ዘይብሉን ፍታሕ ክንረክብ ንምሕጸን ኣሎና፣ መራሕቲ ዓለም ካብ ሕነ ምፍዳይ ዲፕሎማሲ ብምምራጽ ካብ ጫፍ እቲ ዝሰፍሐ ግጭት ንድሕሪት ክምለሱን፡ ተዅሲ ከቋርጹን፡ ንድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሰርሑን ህጹጽ ጻውዒት ነቕርብ” ክብላ ምሕጽንተአን ኣቕሪበን።

እተን ማኅበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣባላት ማኅበር ሕያዋይ ጓሳ፡ ምእንቲ ድሕንነት እቶም ኣብ ቦታ ሓደጋ ዘለዉን፡  ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላም ዜምጽእ ቅልጡፍ ፍታሕ ኪግበርን ኣብ ጸሎት ክጽመዳ ጻውዒት ኣቕሪበን።

11 Mar 2026, 14:29