ኣባ ኤልያስ፡ "ኣብ ሊባኖስ፡ ብኲናት ተኸቢብና ንርከብ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣባ ፒየር ኤሊያስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብቐዳመንት ሓሳቦም ናብቶም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እስራኤል ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ኣብ ቃሊያ ነቶም ቤቶም ዝዓነዎም ምእመናን ሓገዝ እናቕረቡ እንከለዉ ዝተቐትሉ ኣባ ፒየር ኤል ራይ ኣቕኒዖም "ኣዝዩ ፍቑር ብጻይን ተባዕን” እንክብሉ ብምዝካር፡ “ሞቶም ኣዝዩ የጕህየና፡ እቶም ብሚሳይል እተወቕዑ ሰባት ኪሕግዙ እንከለዉ ዝተቐትሉ ሰማእት እምነት እዮም" እንክብሉ ይገልጽዎም።
ዓሚቕ ቃንዛ
ኣባ ቶኒ ኤልያስ ተሓጋጋዚ ቆሞስ ኣብ ርመሽ ንኣባ ፒየር ኣጸቢቖም ከምዝ ፈልጥዎምን ክልቲኦም እውን ኣርመንያውያን ከም ዝኾኑን ኣብ መንጎ ከተማ ርመሽን ቅላያን ናይ ኣርብዓ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ብምህላዉ ድማ ብዙሕ ግዜ ይራኸቡ ከም ዝነበሩ ሓቢሮም፡ ዘሎ ርሕቐት ሓጺር እውን እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዘሎ ኩነታት ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰሄር ኣባ ራይ ክንሳተፍ ኣይከኣልናን” ይብሉ።
ዕላማታት ሞት
ዞባ ቢንት እታ ኣባ ኤልያስ ዝርከቡላ ቑሸት ጀቤል ኣብ ማእከል እቲ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሚሳይላት ናብ እስራኤል ዝውንጨፍ ምልሻ ሂዝቦላህ ንምጥፋእ ዝዓለመ ቦምባታት ዒላማ ዝገበረ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ምዃኑ ገሊጾም እቲ መጥቓዕቲ ቀዋሚ ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ይሕብሩ።
ዓድታት ካብቲ ቦታ ተገዲፈን
ኣብ ክልተ ካብተን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሓሙሽተ ክርስትያን ዓድታት፡ ዝተረፈ ሰብ የለን: ኩሎም ነበርቲ ካብቲ ቦታ ተሰዲዶም እዮም። ኣብቲ ከባቢ ምልሻ ሂዝቦላሕ ኮነ ሚሳይላት ሂዝቦላሕ እውን የሎን። ንማንም ሓደጋ ኣይኮናን፡ ናበይ ኢና ክንከይድ፡ እቲ እንኮ ስግኣትና ድማ ካብቲ ከባቢ እንተወጺና ክንምለስ ዘይከኣል ምዃኑ እዮ።
ምውጻእ ሓደገኛ እዩ
እታ ንሶም ዝነብሩላ ቍሸት ርመሽ ብውግእ ተኸቢባ ኣላ። ምእታውን ምውጻእን ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ዝኾነ ሰብ በቲ ውሑዳት ናብ ቤሩት ዘራኽብ ጽርግያታት ክወፍር ብሰራዊት ሊባኖስ ክዕጀብ ኣለዎ። ስለዚ እዚ ኩነታት ይብሉ ኣባ ኤሊያስ ንቐረብ ኣድላይነታት ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ይግፈጥር ኣሎ፡ ቤተክርስትያንን ሰበስልጣን ከባብን ቀሊል እውን እንተዘይኮነ እቲ ህዝቢ መግብን ነዳድን ክረክብ ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ኣለዉ” ኢሎም።
ካብቲ ቦታ ዝወጹ ሰባት ርሒቖም
ካብቶም ሸውዓተ ሽሕ ነበርቲ ርመሽ፡ ክሳብ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ካብ ሓያሎ ዝተገደፋ ከተማታት ዝተመዛበሉ ሺዓን ሱኒን እውን ነይሮም፡ ሕጂ እውን መሊሶም ክወጹ እቲ ኩነታት ደብዳብ ይድርኾም ኣሎ፡ "ሰራዊት እስራኤል" እውን ካብቲ ዞባ ውጹ ዝብል መጠንቀቕታ ሂቡና ኣሎ፡ ምናልባት ገለ ባእታታት ሂዝቦላህ ክህልዉ ይኽእል ዝብል ጥርጣረ ስለ ዘለዎም እውን ክኸውን ይኽእል” ይብሉ።
ተስፋ ኩሉ ግዜ ህያው
ዋላ እኳ ፍርሒ ግርጭትን ዘይርጉጽ መጻኢን እንተሃለወ፡ ኣብ ህዝቢ ርመሽ ግን ተስፋ ገና ኣይሞተን። "ምኽንያቱ እምነት ብቦምባታት ስለዘይቅተል እዩ። ንሕና ካህናት መዓልታዊ ክልተ ቅዳሴ ነብዕል፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ስነ ስርዓት ኣምልኾ ንገብር፡ ምእመናን ድማ ንነብሶም ምሉእ ብምሉእ ንጐይታ ኣሕሊፎም ብምሃብ ይሳተፉ፡ እዚ እዮ ኣጽዋርና” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።