ኣብ ኢየሩሳሌም ዑደት ሰንበት ዘሆሳእና ብሰንኪ ኲናት ይስረዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዑደት ሰንበት ዘሆሳእና ብሰንኪ ኲናት ይስረዝ  (AFP or licensors)

ኣብ ኢየሩሳሌም ዑደት ሰንበት ዘሆሳእና ብሰንኪ ኲናት ይስረዝ

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒዛባላ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ሎሚ ዓመት ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ኢየሩሳሌም ዝካየድ ዑደት ሰንበት ዘሆሳእና ከም እተሰረዘ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ላቲናዊ ፓሪያርክ ዘእየሩሳሌም ካብ ደብረ ዘይቲ ክሳብ ኢየሩሳሌም ዝኸይድ ዑደት ሰንበት ዘሆሳእና ከምዝተሰረዘን ገና ኣብ ዘይተወሰነ ቦታ ንከተማ ኢየሩሳሌም ማእከል ብዝገበረ ናይ ጸሎት ህሞት ከምዝትካእ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣረጋጊጾም እቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ዝካየድ ስነ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ፡ እቲ ኩነታት ምስ ዝፈቐድ ምናልባት ኣብ ውሽጢ ወቕቲ ፋሲካን ወይ ድሒሩ ንኽካየድ ክሰጋገር ከም ዝኽእል የብርሁ።

ተራ ህዝባዊ ጽምብል ኣይከኣልን እዩ

“ብሰንኪ እቲ ዘሎ ግጭት ዝተገብረ ገደባትን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘጋጠመ ፍጻመታትን ንዝኾነ ይኹን ቀረባ ምምሕያሽ ክህሉ ዘረጋግጽ እወታዊ ምልክት ኣይኮነን” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ "ምስ ክኢላታት ሰበ - ስልጣንን ምስ ካልኦት ዝተፈላለያ ኣብያተ - ክርስትያንን ብቐጻሊ ኣብ እንገብሮ ዝርርብ ነቲ ኣብ ማእከል ኣብያተ ክርስትያንና ዘሎ ማእከላዊ ምስጢር ድሕነትና ብኸመይ ከነብዕል ከም እንኽእል ንግምግም ኣሎና። እቲ ኵነታት ብቐጻሊ እናተቐየረ ይኸይድ ስለ ዘሎ ንበዓል ሰሙነ ሕማማት ንጹር መሐበሪታት ምሃብ ከም ዘይከኣል ኣመላኺቶም፡ ስለዚ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት መዓልታዊ ፍጻመታት ንኽዳሎ የገድድ።

ይኹን እምበር ንዅሉ ሰብ ክፉት ዝዀነ ተራ በዓላት ክግበር ከም ዘይክእል ድሮ ንጹር ኢዩ - ቢሎም - ነቲ ናይ በዓለ ስንበት ዘሆሳእና ዑደት ንምስራዝን ስነ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስን ናይ መወዳእታ ድራር ዘእግዚኣነ ንምስግጋርን ከም እተወሰነ ገሊጾም፡ ይኹን እምበር ፓታሪያርካውያን ኣቢያተ ክርስትያን ክፉታት ከም ዝዀና ቆሞሳትን ካህናትን ድማ ጸሎትን ምእመናን ኣብ በዓል ትንሳኤ ንኽሳተፉ ንምትብባዕን ዝከኣሎም ክገብሩ ምዃኖም የረጋግጹ።

ካልእ ብሰንኪ እቲ ግጭት ዘጋጠመ ቁስሊ

"ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ሎሚ ዓመት ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ምስቲ ኣብ ቅዱስ መቓብርን ኣብ ቅዱሳን ቦታታት ዘህማማቱ ብኽብሪ ኣብዚ ዓቢይ ጾም እዋን ዝግበር ጽምብል፡ ጉዕዞ ጾም ኣብ ኢየሩሳሌም ክንነብሮ ዝከኣለና ኣይኮነን። ብብሕትና ኽንጽልን ክንዳለውን እኳ ዝከኣል እንተኾነ ከም ማሕበረሰብ ናብ በዓል ትንሳኤ ዚገብሮ ጕዕዞ ክንፍጽምን ተመክሮና ክንገብሮን ክነብሮን ዘይኣል ይመስል - ቢሎም - እቲ ንዅላትና ዝትንክፍ ዘሎ ጭካነ ዝመልኦ ኲናት ሎሚ በዓል ትንሳኤ ብሓባርን ብኽብርን ከነብዕል ዘይምኽኣልና ተወሳኺ ከቢድ ጾር ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "እዚ ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝወረደ ብዙሕ ካልእ ቍስሊ ተወሳኺ ቍስሊ ኢዩ። ይኹን እምበር ተስፋ ኽንቈርጽ ክንፈቕድ የብልናን ። ከምቲ እንደልዮ ጌርና እኳ እንተ ዘይተኣከብና ጸሎት ግን ብፍጹም ኣይተቛረጸን” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንሰላም ቀዳም 28 መጋቢት

ካርዲናል ነቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 18 ቍጽሪ 1 “ኵሉ ሳዕ ጸልዩ፡ ቀቢጸ ተስፋ ኣይትኹኑ” ዚብል ቃል ኢየሱስ ዘኪሮም፡ ሰባት ነቲ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ዘንብሮ ገደባት ኣብ ኣባይቲ ስድራን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ብናይ ጸሎት ህሞታት ክነብርዎ ተማሕጺኖም፡ ቀዳም ስዑር ዕለት 28 መጋቢት ብፍላይ ድማ ነቶም ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰላምን ቅሳነትን ብጸሎት መቝጸርያን ክምህለሉን ኩሎም ኣብዚ ጸሎት እዚ ክጥርነፉ ዓዲሞም፡ “ጸሎትና ዋላ’ውን ብኣካል ንረሓሓቕ፡ እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንፈስ ተስፋን እማነ ዝጥርንፈና ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ክምንዝዕ ከም ዘይክእል ርግጸይናታት ኮይንና ብትሑት ልቢ ክንገብሮ ኢና” እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ ዋላ እኳ ጸሎት ድሮ ኣብ ኩሉ ዝንበር እኳ እንተኾነ ኩሎም ኣብ ነናቶም ቦታ እውን ይሃልዉ፡ ሓድነት ክስምዖም ዝኽእል ፍሉይ መዓልቲ ገይሮም ክነብርዎን ኣተባቢዖም፡ "ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ነቲ ዝተሸበረ ልብና ሰላም ንብህግ። ጸሎት ጥራይ እዩ እቲ ሰላም ኣብ ልብና ክህሉ ዝገብር” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝኾነ ጸልማት ናይ መወዳእታ ቃል ክህልዎ ኣይክእልን እዩ

ዓርቢ ስቕለት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምእመናን ካቶሊካውያን ከምቲ ልሙድ ብዘወፍይዎ ምጽዋት ኣቢሎም ንቅድስቲ መሬት ክድግፉ ክዕደሙ እዮም። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ነዚ ፍሉይ ሊጡርጊያ ሰሙነ ሕማማት ግዜ ብቃላት ካርዲናል ፒዛባላ ክስነዩ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ብስም ስቓይን ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ እነብዕሎ ፋሲካ፡ ዝኾነ ጸልማት፡ ዋላ’ውን ናይ ውግእ፡ ናይ መወዳእታ ቃል ክህልዎ ከምዘይክእል የዘኻኽረና። እቲ ባዶ መቓብር ማሕተም ዓወት ህይወት ኣብ ልዕሊ ጽልኢ፡ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት እዩ። እዚ ርግጸይናነት’ዚ ስጉምትና ከብርህን ተስፋና ከጽንዕን ንፍቀደሉ” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ጸሎት ኣብ ቅዱሳን ቦታታት ይቕጽል

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ቅድስ መቓብር  ስፍራ ዘለዉ ፍራንቸስካውያን መነኮሳት "ብመሰረት ህልዊ ዅኔታ ነቲ ዝተመደበ ጽምብል፡ ስርዓታት፡ መዓልታዊ ዑደትን ቅዳሴን ጸሎትን ቀትሪ ይኹን ብለይቲ ካብ ምፍጻም ኣቋሪጾም ከም ዘይፈልጡ" ኣረጋጊጺኦም፡ “ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን እውን እንተኾነ፡ ብጸጥታዊ ምኽንያት ናብ ባዚሊካ ምእመናን ክሳተፉ ዝድርት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ጸሎት ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ኣሎ” ከም ዝበሉን ንዘመናት ዝጸንሐ ህላወ ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት፡ ከምኡ እውን መዓልታዊ ኣብኡ ዝለዓል ጸሎት፡ ብስም መላእ ቤተ ክርስቲያንን ንሰናይ ኩሉ ሰብ ከም ዝቐርብ ብምርግጋጽ፡ “ኣብ ከምዚ ሕጂ ዘጋጥመና ዘሎ ፍሉይ መዓታዊ ኵነት፡ እዚ ህላወ’ዚ፡ ካብዘን ቅዱሳት ቦታታት እዚኣተን ኣብ መንጎ ህዝብታት ንሰላምን ዕርቅን ጸሎት ክብ ክብል ምእንቲ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ሰብ እምነትን ተስፋን ልመናን ርኡይ ንምግባር ዝዓለመ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ የመላኽት።

24 Mar 2026, 16:16