ኢየሩሳሌም፡ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ኢየሩሳሌም፡ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር 

ኢየሩሳሌም፡ በዓለ ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር

ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘኢየሩሳሌምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ. ቅድስቲ መሬትን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር በዓለ ፋሲካ ንምብዓል ምስ ሰበስልጣን እስራኤል ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ እውን እንተኾነ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝተኣሳሰር ዝተወሰኑ ገደባት ግና ኣብ ግብሪ ይውዕል ምህላዉን፣ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ብምኽንያት ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ዝፍጸም ስርዓተ ኣምልኮን ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ብመራኸቢ ብዙሓን ክመሓላለፍ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትርያርክን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ “ኩሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ መቓብር ዝፍጸም ስርዓተ ሊጡርጊያ ሰሙነ ሕማማትን በዓለ ፋሲካን ዝምልከት ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ናይቲ ከባቢ ሰበ ስልጣን ብምትሕብባር መፍትሒ ከም እተገበረሉ” የረጋግጹ።

“ምስ ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ስርዓተ ሊጡርጊያን ስነ-ስርዓት በዓላትን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ንምፍጻምን ነቲ ጥንታዊ ትውፊት ፋሲካ ንምዕቃብን ንወከልቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ናይ መእተዉ ፍቓድ ውሑስ ከም ዝኾነ” እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።

እዚ ስምምዕ ድሕሪ’ቲ ዕለት 29 መጋቢት ሰንበት ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌም ካርዲናል ፒዛባላን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬት ኣባ ፍራንቸስኮ የልፖን ንበዓለ ሆሳዕና መስዋዕተ ቅዳሴ ንምዕራግን  ሰሙነ ሕማማት ንኸጀምሩ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ምስ በጽሑ ኣብ ኣፈት እቲ ባዚሊካ ብሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ንኸይኣትዉ ከም እተኸልከሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ ስዒቡ ዝተበጽሐ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ካርዲናል ፒዛባላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ድሕሪ ዘመናት ሓደ ላቲናዊ ፓትሪያርክ ዘእየሩሳሌም ናይ በዓለ ሆሳእና ስርዓተ ሊጡርጊያ ንምፍጻም ክኽልከል ፈለማ ምዃኑ ይሕብሩ።

ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ዝፍጸም ሊጡርጊያ

እቲ ሓባራዊ መግለጺ ብተወሳኺ “ብመንጽር ህሉው ኩነታት ኲናት፡ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ዝምልከት ዝተወስነ ገደባት ከም ዘሎ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስቲ መሬትን ኣብ መላእ ዓለምን ዘለዉ ምእመናን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ መቓብር ዝፍጸም ስነ ስርዓት ሰሙነ ሕማማትን ኣብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ዝዓርግ ሊጡርጊያ ብመንፈሳዊ መዳይ ክሳተፉ መታን ብመራኸቢ ብዙሓን ክመሓላለፍ ከም ዝኾነን፡ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ቀጺሎም ንርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ኣብ እዋኑን ወሳንን ምትእትታው ብምግባሩ ከምኡ እውን ነቶም ብቕልጡፍ ስጉምቲ ዝወሰዱ መራሕቲ ሃገራትን ሰበስልጣንን ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡን ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ብውልቆም ቅርበትን ደገፎምን ከም ዝገለጹ ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ኣሎ።

ሃይማኖታዊ ናጽነት ከም ኵላዊ ክብርታት

ኣብቲ መግለጺ "ሃይማኖታዊ እምነት ንዅለን ሃይማኖታት ኣይሁድን ክርስትናን ምስልምናን ድሩዝን ካልኦትን ዚካፈልዎ ዝለዓለ ክቡር ሰብኣዊ ዋጋ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገማትን ግጭትን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ናይ ኣምልኾ ናጽነት ምሕላው መሰረታውን ሓባራውን ግዴታ ኢዩ" ዝብል ሓሳብ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀጻሊ ዘተን ተስፋ ሰላምን

ኣቕለሲያውያን ሰበ ስልጣን፡ ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ኵለን ሃይማኖታት ጸሎት ከዕርጋ ምፍቃድ" ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ምእመናን መሰረታዊ ዝዀነ ኣድላይነታት ድሕንነትን መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነትን ሚዛኑ ዝሓለወ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ኣብሪሆም፡ ስለዚ ቤተ - ክርስትያን ምስ ሰበ - ስልጣን እንኮላይ ምስ ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ቀጻሊ ዘተ ከም እትገብርን፡ ነቲ ንብምሉኡ እቲ ዞባ ኣጸቢቑ ዝትንክፍ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ድማ ትጽሊ። ላቲናዊ ፓትርያርክ ዘኢየሩሳሌምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዓቃቤ ቅድስቲ መሬትን ንምይይጥን ሓባራዊ ምክብባርን ህልዊ ዂኔታ ንምዕቃብን ዘለዎም ቈራጽነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ" ነቲ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

31 Mar 2026, 16:43