ድለ

ጻውዒት ጳጳሳት ኢትዮጵያ፥ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክቃወሙ ይላበዉ ጻውዒት ጳጳሳት ኢትዮጵያ፥ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክቃወሙ ይላበዉ 

ጻውዒት ጳጳሳት ኢትዮጵያ፥ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክቃወሙ ይላበዉ

ኣብ ኢትዮጵያ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ህልው ኩነታት ሃገሮም ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክቃወሙ ከም እተላበዉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዘውጸኦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ዝኾነ ኣብ ልዕሊ መከላኸሊ ዘይብሎም ሰባት ዝፍጸም ዓመጽ ብዝኾነ ይኹን ሃይማኖታዊ፡ ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" እንክብሉ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት “ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ተግባራት ዓመጽን ግፍዕን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ኣርሲ ኣብ ኦሮሚያ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሃገርና ንንጹሃት ሰባት ዒላማ ብምግባር ብዝተፈጸመ ኣረሜናውን ኢሰብኣው ቅትለትን ምዕናው ንብረትን፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ኣርሲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ጭካነን ሓዘን” ከም ዝፈጥረሎም ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ኣዲስ ኣበባ ሜጥሮጶሊሳዊ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ብርሃነየሱስ ኣብ ዝኸተምዎ መግለጺ ብምርግጋጽ፡ "ቤተክርስትያንና ነዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ብጽኑዕ ትኹንኖ። ስለዚ ድሕነትን ድሕነትን ዜጋታት ንምርግጋጽ መንግስቲ ልዕልና ሕጊ ንምዕቃብ ኩሉ ዘድሊ ስጉምትታት ክወስድ ንላቦ” ከም ዝበሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንጽልእ ምቅዋም

ህልቂት ኣርሲ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣዕናዊ ደረጃ ዝበጽሐሉ ዘሕዝን ምዕባለ ዓመጽ ከም ዝውክል ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሓበሬታ እንከመላኽቱ፡ ከም በዓል ሽርካ፣ መርቲ፣ ጉናን ሆሎንቶን ዝኣመሰላ ዞባታት ማእከል ጭካነ ኮይነን ከም ዘለዋን፡ ቅትለት ንጹሓን ዜጋታት፣ መጉዳእቲ፣ ሰፊሕ ምዕናው ንብረትን ግዱድ ምምዝባልን የጋጥሞም ኣሎ። ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2026 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ነዚ ግፍዕታት እዚ ብምስናድ፡ ቅልጡፍ ምትእትታው ፌደራላውን ዞባውን ሰበስልጣን ዘድልዮ ተኸታታሊ ስርዓታዊ መጥቃዕትታት ከም ዘቃለዐ ዝሓበረ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ኣስዒቡ፡ ቁጽሪ ዝተቐትሉ ዜጋታት ክብደት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኲነታት ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን 34 ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ተቐቲሎም፣ 26 ኣብ ሽርካ፣ 4 ኣብ መርቲ፣ ጠቕላላ ቁጽሪ ግዳያት ኣብ ሽርካ ጥራይ ኣብዚ ዓመት 164 ከም ዝበጸሐን ኣብዚ ዓመት እውን 8 ሕክምና ከም እተገበረሎምን፡ 8 ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበን፣ 2 ጭውያታት እውን ከም ዝተፈጸመ የመላኽት።

ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ንሓደጋ ዘቃሎ

ጸብጻባት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝጠቐሰ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና፡ እቲ ዘየቋርጽ ራዕዲ ኣባይቲ ስድራ ካብ ኣባይቶም ከም ዝሃደሙን፡ እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከም እተበዛበሉን ቍጠባ እቲ ኸባቢ ድማ ብፍርህን ዕንወትን ከም ዝለመሰ ይሕብር። እዚ ማዕበል ናዕቢ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ 2025 ዝጀመረ ኣብ ኦሮምያ እተላዕለ ግጭታት ስዒቡ ዝመጸ ኮይኑ፣ እዚ ግጭታት እዚ ልዕሊ 1,244 ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ከም ዝገበረን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢታት ኣርሲን ምዕራባዊ ኣርሲን ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ቤት ምኽሪ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ብኤቍመናዊ መንፈስ ብፍላይ ነቶም ኣብ መወዳእታ ለካቲት ብዙሕ መጥቃዕትታት ዝወረዶም ኦርቶዶክሳውያን ክርስትያን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ከመ ዝጠቐሰን፡ ዕለት 26 ለካቲት ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ኣርሲ፡ ኣስላምን ኦርቶዶክሳውያን ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩሉ ብታሪኽ ሰላማዊ ከባቢ ተባሂሉ ኣብ ዝግለጸ ዞባ ዝርከብ ዕዳጋ ወሪሮም፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተኹሲ ብምኽፋት፡ 20 ኦርቶዶክሳውያንን ሓደ ኣስላማይን ከም ዝቐተሉን ካልኦት ሓያሎ ድማ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን ተጨውዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ይሕብር።

ጳጳሳት ኢትዮጵያ፡ "ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክንቃወሙ”

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ቅድሚ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ናብ ሓደ ቤተክርስትያን ብምእታው ብዝፈጸመዎ መጥቃዕቲ ሓደ ካህን ዝርከብዎም ሰባት ከም ዘጥቕዑ ምንጭታት እቲ ከባቢ ይሕብሩ። ብድሕሪ’ዚ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣኣባይትን ኣእካልን ሓዊ ብምንዳድ ስንባደ ብምስፋሕ ብዙሓት ነበርቲ ንዕቝባ ናብተን ኣብ ጥቓኦም ዝርከባ ከተማታት ከም ዝሃደሙን የመላኽት።

እቲ መጥቃዕቲ ዝተነጸለ ፍጻመ ከም ዘይኮነ እውን እቲ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ኦለት 28 ለካቲት፡ ካልኦት መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ነቲ ማሕበረሰብ መሊሶም ብምውቃዕ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ 7 ሰባት ዝፈጸመዎ መቕተልቲ ዘረጋግጾ ኮይኑ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያ ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ምስ ኩሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብምትሕብባር፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዓመጽ ከምዝኹነኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ "ኩሎም ኢትዮጵያውያን ንጽልኢ ክንቃወሙ፡ ነዞም ዘሕዝን ፍጻመታት ዓመጽ ከይስዕቡ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ምፍልላይ ንምፍጣር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ክንጸግ ንላቦ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Mar 2026, 15:56