ድለ

ናይ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ዞባ ኣማዞን ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ ናይ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ዞባ ኣማዞን ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ 

ናይ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ዞባ ኣማዞን ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓመታዊ ጉባኤ

ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ሃገራት ዞባ ኣማዞን ካብ 2026 - 2030 ኣብ ብራዚል ኣብ ማእከል ዞባ ኣማዞን ናይ እትርከብ ከተማ ማናውስ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ለኦናርዶ ኢልሪኽ ስታይነር ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ብምምራጽ ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 16 – 19 ከም ዘካየደ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓመታዊ ሓፈሻዉ ጉባኤ፡ “እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል ኣላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም? ብዝብል ካብ ነቢይ ኢሳያስ ምዕ. 43 ፍቕዲ 19 ብዝተወስደ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቃል ተመሪሑ ዝተኻየደ ኮይኑ  ኣብ ፐሩ ናይ ሰበኻ ፑርቶ ማልዶናዶ ዓቃቤ መንበር የኔታ ኸሱስ ሁኣማን ካብ ቦሊቪያ ናይ ሰበኻ ኑፍሎ ደ ቻቨዝ ዓቃቤ መንበር የኔታ ኹዋን ኡራናይቪ ካብ ብራዚል እናቴ ሶኒያ ማረያ ፒኖ ደ ማቶስ ምኽትላት ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ከም እተመረጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ እቲ ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ቦጎታ እተኻየደ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ብዛዕባ ተልእኾ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ንምስትንታንን ብዕምቆት ንምርዳእን ክምኡ እውን ንተግባር ናይቲ ዞባ ሰበኻታት ዝዳህሰሰ እውን ምንባሩ ኣፍሊጡ፡ ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳያት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዶክተር ፓውሎ ሩፊኒ ከም እተሳተፉ የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ መኽፈቲ እቲ ሻድሻይ ሓፈሻዊ ምልእ ዓውደ ኣኼባ ዓቅለሲያዊ ጉባኤ ሃገራት ዞባ ኣማዞን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርየት መልእኽቲ፡ "ኣብ ኣማዞን መንነት ልኡካነ ወንጌል ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምሕያል ጓሶትን ምእመናን ሓቢሮም ክቕጽሉ ኣተባቢዖም፡ ኣብቲ ብደም እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ብዙሓት ኣብ ፍቕሪ ክርስቶስ ሓቢሮም ናይቲ ኣብ ኣማዞን ናይ ዝበቁል ዓቢይ ኦም ጽኑዓት ሰራውር ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ዝመሰንዎ ኣሰሮም ተኸቲልኩም እትዘርኡ ኩኑ . . .  

"እቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ መንጎ ሸቶታቱ ናይ ሲኖዳውነት ሓዋርያዊ ጉስነት ምድላው ዝብል እውን ምንባሩ ሕጉስ ኢየ፣ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ኣማዞን ኣማእኪሉ ዝተካየደ ሲኖዶስ ፍቕርቲ ኣማዞን ብዝብል እርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍቕዲ 64 ከም ዝበልዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ደረት ዘይብሉ ዘፍቅርን ነዛ ፍቕሪ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክርስቶስ ናብ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር 'ንምምራሕ ጠቓሚ መጋበርያ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ሓድሽ እዋን ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ሃገራት ዞባ ኣማዞን - CEAMA ንህይወትን ክብረት ህዝብታትን ክንክን ሓባራዊ ቤትን ኣብ ኣማዞን ብተስፋን እምነትን ብዓሚቝ ተኣማኒ ወንጌላውነትን ብሓባራዊ ጉዕዞን ዘለዎ ተወፋይነት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ ኣፍሊጡ።

20 Mar 2026, 15:41