ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ  ኣብ ከተማ ኬቭ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣብ ከተማ ኬቭ 

ካርዲናል ራድክሊፍ፦ ክርስትያን ኣብ ግዜ ውግእ ሰብ ተስፋ ኪኾኑ ጽዉዓት ኢዮም

ካብ ማኅበር ዶመኒካውያን ዝኾኑ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ብዛዕባ እቲ ናብ ዩክረይን ዝገብርዎ ዘለዉ ምብጻሕን፡ ኣብ ጊዜ ግጭት ብዛዕባ ኣገዳስነት ጸሎትን ክርስትያናዊ ተስፋን ምስ ዜና ቫቲካን ዝገበርዎ ሓጺር ቃለ መሕትት እዚ ዝስዕብ ኢዩ።

ትርጉም፥ ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ማኅበር ዶመኒካውያን ዝኾኑ ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ንቤተ-ክርስትያንን ንማኅበራት ሰበኽቲ ወንጌልን ዘለዎም ደገፍን፡ ሓድነትን ንምግላጽ ናብታ ብውግእ ዝዓነወት ሃገረ ዩክረይን ይበጽሑ ኣለዉ።

ብፁዕነቶም ብዕለት 27 ለካቲት ኣብ ርእሰ ከተማ ኪየቭ በጺሖም፣ ኣብኡ ድማ ምስ ጳጳስ ቪታሊ ክሪቪትስኪ ናይ ኪየቭ-ዢቶሚር ተራኺቦም። ኣብቲ ኣብ ውግእ ንዝሞቱ ወተሃደራት ኣብ ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ ቦታ ውን በጺሖም። ድሕሪኡ ካብ ዕለት 28 ለካቲት ክሳዕ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ሱባኤ ክሰብኩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ዝተረፈ ናይ ክልተ ሰሙን ጕዕዞኦም ድማ ናብ ዶመኒካውያን ኣሕዋቶም ኣብ ምብጻሕ ኬሕልውዎ ኢዮም።

ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ምስ ጳጳስ ቪታሊ ክሪቪትስኪ
ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ምስ ጳጳስ ቪታሊ ክሪቪትስኪ

ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ ብዛዕባ እተን ናይ መጀመርታ መዓልትታት ጕዕዞኦም መብርሂ ብምሃብ፡ ነቲ ምስ ውግእ ዚመጽእ፡ ምጥርጣርን፡ ስቓይን ንኽሰግሩ፡ ኵሎም ክርስትያን ኣብ ጸሎት ክጽመዱን፡ ብተስፋ ክጸንዑን ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን፦ ብፁዕነቶም፡  እዚ ናብ ዩክረይን ምብጻሕን ምስ ሕዝቢ ዩክረይን ኣብዚ ምዃንን ንዓኹም እንታይ ትርጕም ኣለዎ?

ካርዲናል ራድክሊፍ፦  ኣብታ ቕድሚ ሰላሳ ዓመት ንፈለማ ጊዜ ዝበጻሕክዋ ሃገረ ዩክረይን ብምህላወይ ኣዝየ እየ ሕጉስ ኢየ። ብዶመኒካውያን ኣሕዋተይ ምስ ተዓደምኩ ተሓጒሰ ተቐበልክዎ ። ስቓይ ናብ ዘለዋ ሃገር ክኸይድ ከለኹ፡ ኵሉ ሳዕ ገለ ነገር እመሃር እየ ። ስለዚ ልዕሊ ዅሉ ምስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክኸውን እየ መጺአ ፣ ከምኡውን ካብኣቶም ብዙሕ ነገር ክመሃር ከም ዝኽእል ስለ ዝኣመንኩ ኢየ ኣብዚ ተረኺበ።

ሕቶ፦ እቲ ሒዝኩሞ ዝመጻእኩም ቐንዲ መልእኽቲ እንታይ እዩ?

ሓደ ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ክበጽሕ ከሎ፡ ኣቐዲሙ ዝተሰናደወ መልእኽቲ ሒዙ ኪመጽእ የብሉን ኢለ ኢየ ዝኣምን። ሓደ ሰብ ንምስማዕ ክመጽእ ኣለዎ፣ እቲ ዝብሎ ድማ ቅድም ንሰባት ካብ ምስማዕ ክውለድ ኣለዎ። ስለዚ ክዛረብ ዘይኰነስ ዝያዳ ክሰምዕ እየ ዝመጻእኩ። እዚ ድማ እቲ ቀንዲ ሓሳብ ናይ ሲኖዶሳዊነት እዩ፣ ንሕና ንክንሰምዕ ኢና እንበጽሕ፣ እዚ ከኣ ንኣምላኽ ክንሰምዕን፡ ንሓድሕድና ጽን ክንበሃሃልን ማለት ኢዩ።

ሕቶ፦ እቲ ኣብ ኪየቭ ዝመራሕኩሞ ሱባኤ መሪሕ ቃሉ “ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር” ዝብል ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ ኢኹም ነዚ ኣርእስቲ መሪጽኩሞ?

ኣብ ጊዜ መከራን ውግእን ጸሎት ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ ። "ኣቦና ኣብ ሰማይ እትነብር" ካብ ኵሉ ጸሎታት፡ እታ ዝዓበየት ጸሎት ኢያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኪሳቐን ኪመውትን ናብ ኢየሩሳሌም ኪድይብ ከሎ ነዛ ጸሎት እዚኣ ጸልዩ። ቅድሚ ኣብ ጌተሰማኒ ምብጽሑ ነቲ ክበጽሖ ዘለዎ መከራ ኣቐዲሙ ብምርኣይ ጸለየ። ስለዚ ንነፍሲ ወከፍና ብፍላይ ከኣ መከራ ከጋጥመና ከሎ “እዛ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት” ዓቢይ ውህበት ኢያ።

ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣብ ጊዜ ሱባኤ
ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣብ ጊዜ ሱባኤ

ሕቶ፦ ኣብዚ ኣብ ኪየቭ ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ሩስያ ኢና ዘለና፣ ኣሕዋትናን፡ ዓርክኹም ሉቃስን ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ኢዮም ዘለዉ። ሓድሽ መድረኽ ናይ ኲናት ከም ዝጀመረ ንርኢ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ኰነ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ብዘሎ ኵነታት ሓሳብኩም ክትህቡ ትኽእልዶ?

ሓቂ ኢዩ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝያዳ ዓመጽ ንርኢ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እንተላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን እውን ውግእ ተላዒልሉ ዘሎ እዋን እዩ። ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ኲናት ክግታእ ከምዝኽእልን፡ ሰላም’ውን ከምዝከኣልን ክርስትያናዊ ምስክርነት የድልየና ኣሎ። ኣብ ጊዜ ኲናት ተስፋ ዘለዎም ሰባት ክንከውን ተጸዊዕና ኢና።

ሎሚ ናይ ዘለዉ ክርስትያን ቀንዲ መልእኽቲ ተስፋ ኢዩ። ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን፡ ተስፋ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ማለት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ድራር ሞትን ዓመጽን ጥራይ ኣብ ዚጽበየሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ ተሰሪዑ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ከኣ ኢዩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ። እዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ናይ ተስፋና ምሥጢር ኢዩ። ስለዚ ንሕዝቢ ሃገረ ዩክረይን ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ እንኮ መልእኽተይ እዚ እዩ፦ ተስፋና ኣብ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንግበር።  ኣብ መወዳእታ እቲ ናቱ ሰላም ክስዕር ኢዩ።

ሕቶ፦ "ሸውዓተ ናይ መወዳእታ ቃላት" እትብል ኣብተን ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ እንከሎ ዝበለን ናይ መወዳእታ ሸውዓተ ቃላት ዘተኰረት መጸሓፍኩም ብቋንቋ ዩክረይን ተሓቲማ ኣላ። ነዚ ብኸመይ ምገለጽክሞ?

እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ሲኖዶሳዊነት ማለት ምስ ንሓድሕድና ጽን ምባልን፡ ምስማዕን ኣጸቢቓ እተተሓሓዘት እያ። ኣብ ጊዜ ዓመጻ ኣእዛንና ክንዓጹ ዝደፍኣና ፈተና ኣሎ። ንሕና ግን ግድን ክንሰምዕ ኣሎና። ኣብ ማሕበረሰብና ከም ሰባት መጠን ብፍላይ ኣብ ዘይንሰማምዓሉ እዋን ንሓድሕድና ክንሰምዕ ኣሎና። ኣብ ዘይንሰማማዓሉ እዋን ጥራይ ኢና ካብ ንሓድሕድና ክንመሃር እንኽእል ። ዓለምና ሰባት ብሓቂ ኪሓስቡ ወይ ንኻልኦት ልቦም ክኸፍቱ ኣብ ዘይደልዩሉ ጭርሖታት ዝመልአት ኢያ። ጻውዒት ናይ ኣምላኽ ግን ንኣእምሮናን ንልብናን ኪንከፍት ኢዩ።

በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኢዩ፡ ኣብ ጊዜ ኲናት መገዲ ሲኖዶስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሮማ ኣብ እተገብረ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ኵሎም ካርዲናላት ተኣኪቦም ነይሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድማ እቲ ካባና ዝደልይዎ ዝነበሩ ቀዳማይ ነገር፡  ንሓድሕድና ክንሰምዕ ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ ቤተክርስትያን ንሓንቲ ብዓመጻ ዝመልአት ዓለም ዝሃበቶ ዓቢይ ውህበት ኢዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ብእዝንናን፡ ብኣእምሮናን ጥራይ ኣይኮነን እንሰምዕ፡ በቲ ብሓሳብና ብእንቀርጾ ውን ንሰምዕ ኢና። ካልኦት ካባና እተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ስለምንታይ ምዃኑ ክንግምቶ ንኽእልዶ?

ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣብ ጊዜ ምርኢት መጸሓፎም
ካርዲናል ቲሞቲ ራድክሊፍ ኣብ ጊዜ ምርኢት መጸሓፎም
04 Mar 2026, 11:34